እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ንመምለሲ ስደተኛታት ዝተዋህበ ገንዘብ ብሪጣንያ ኣይንመልስን’ - ሩዋንዳ
ሩዋንዳ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ናይ ሚልዮናት ፓውንድ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ምስተሰረዘ፡ ብሪጣንያ ገንዘብ ክትመልስ ከምዘይሓተተታ ገሊጻ።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያን መራሒ ሰልፊ ዕዮን ኬር ስታመር ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምስጓግ ዝነበረ ውጥን "ዝሞተን ዝተቐበረን" ጉዳይ ምዃኑ ከምዘፍለጠ ይዝከር።
እቲ ውጥን በቲ ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ዓቃባዊ መንግስቲ ዝተፈጠረ ኰይኑ ኣብ 2022 ወግዓዊ ካብ ዝገብሮ ንደሓር ከኣ ንሩዋንዳ 240 ሚልዮን ፓውንድ (310 ሚልዮን ዶላር) ከፊልዋ’ሎ።
ዝተሓሰበ ውጥን ዕውት ብዘይምዃኑ ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ስምምዕ ገለ ገንዘብ ክምለሰላ ከምዝኽእል ትማሊ ሰኑይ ኣአንፊታ ነይራ።
ንጽባሒቱ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩዋንዳ ንሃገራዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ንጹር ክኸውን ኣለዎ፤ ገንዘብ ምምላስ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ኰይኑ ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ኣላን ሙኩራሊንዳ፡ እቲ ስምምዕ ገንዘብ ክምለስ ከምዘለዎ ዘገድድ ነጥቢ "ዘየቐመጠ" ምዃኑ እዩ ሓቢሩ።
ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሩዋንዳ ቀሪባ ሽርክነት ከም ዝሓተተት ብምዝኽኻር እዚ ድማ "ብሰፊሑ ተዘትዩሉ" ኢሉ።
እቲ ውጥን ን21 ኣዋርሕ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሑ ኣብ ጥሪ ብዛዕባኡ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ዝዀነ ሓታቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር እንተዘይተላኢኹ ዝተወሰነ ገንዘብ ክምለስ ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ድሒሩ ግን መንግስቲ ሩዋንዳ ንዓባይ ብሪጣንያ ገንዘብ ናይ ምምላስ "ግዴታ ከምዘይብሉ" ኣነጺሩ።
ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ኣባይቲ ንምህናጽ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ ዝተቘጽሩ ሰራሕተኛታት ብወገኖም ውሳነ ሚስተር ስታመር ሻቕሎት ፈጢሩሎም ኣሎ።
ምስራዝ ናይቲ ውጥን “ንህይወትና ብሕሱም ክጸልዎ ይኽእል’ዩ” ክብል ሓደ ሰራሕተኛ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ቦታ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣብ መዓልቲ ካብ 1.80 ክሳብ 6 ፓውንድ ይኽፈሉ፤ እዚ ድማ ብተዛማዲ ንሰራሕተኛታት ህንጻ ሩዋንዳ ጽቡቕ ደሞዝ እዩ።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኬር ስታመር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብዝለዓለ ድምጺ ምስተዓወተ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ክንድ’ቲ ምስጓጕ ስደተኛታት ንጕጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምምካት ዘኽእል ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ጸጥታ ዶብ ኣብ ምቛም ከምዘተኵር’ዩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነቲ እማመ ዝቃወም መርገጺታት ካብ ካልእ ሸነኻት እውን ምምጽኡ ይዝከር።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ነቲ ውጥን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ክገለጽ ከሎ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ሕሱም ‘ጨካንን ምሕረት ዘይብሉን’ ኢሎሞ።
ኣብ ውሽጢ ዓቃባዊ ሰልፊ ዘለዉ ተቓወምቲ ድማ ነቲ ውጥን ካብ ሕጋዊ ብድሆታት ዝከላኸል ምምሕያሻት ክግበር ድፍኢት ክገብሩ ጸኒሖም።
ዝሓለፈ መንግስቲ ሪሺ ሱናክ፡ እቲ ውጥን ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ንኸይሰግሩ ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝምጕት ነይሩ።
ዘይሕጋዊ ስደት ሓደ ካብቶም ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘጋጥምዎ ዘለዉ ዓበይቲ ብድሆታት ምዃኑ ይግለጽ።
ዛጊት ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ በቲ መትረብ ሰጊሮምዎ ኣለዉ።
እዚ ኣሃዝ ከኣ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ ዝለዓለ ኰይኑ’ሎ።
ዴንማርክ እውን ምስ ሩዋንዳ ተመሳሳሊ ስምምዕ ንምግባር ክትሓስብ እኳ እንተጸንሐት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ጀሚራ ግን ነቲ ዘተ ደው ኣቢላቶ ትርከብ።
ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝያዳ ውሁድ ኣገባብ ክህሉ ከምትደሊ እያ ትገልጽ።