ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ጭንቀት ዝፈጠረሎም መርከበኛታት

“እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ፤ ብሓቂ ሓደገኛ እዩ” ይብል ካፕቴን ቺራግ ኣብታ ዝመርሓ መርከብ ኰይኑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት።

ንሱን ሰራሕተኛታት እታ መርከብን በቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣዝዮም እዮም ዝሻቐሉ።

ካብ ሕዳር ጀሚሩ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ብተደጋጋሚ መራኽብ ክጨውዩ ወይ ብሚሳይላት ከጥቅዑ ይፍትኑ ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ስጕምቲ እንተወሰዳ፡ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ጠቓሚ ዝዀነ መስመር ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽሉዎ ገሊጾም።

ብምኽንያት ድሕነት ሓቀኛ ስሙን ስም መርከቡን ክግለጽ ዘይደለየ ካፒተን ቺራግ፡ ኣብቲ ደብዳባት ኣየር ዝተፈጸመሉ መዓልቲ ትካሉ ናብ ውሑስ ቦታ ብዛዕባ ዝግዕዘሉ ትልሚ ክህልዎ ነጊርዎ ነይሩ፤ ዳሕራይ ግን ገዲፎምዎ።

ዋላኳ ኣብ ሰባት ዝወረደ ጉድኣት እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዙሓት መራኽብ ብሚሳይል ተወቒዐን እየን።

‘ሚሽን ቱ ሲፌረርስ’ ዝተባህለ ንድሕነት መርከበኛታት ዝሰርሕ ትካል፡ ኣብ ዓለም ኣብ መራኽብ ዘገልግሉ ኣስታት 1.9 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ይገልጽ። 90 ሚእታዊት ንዝዀነ ሸቐጣት ንግዲ ዓለም ድማ ኣብ ባሕሪ የጓዓዕዙ።

ኣብታ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ዘላ መርከቡ ኰይኑ ዝዛረብ ካፒተን ቺራግ፡ እቶም መጥቃዕቲታት ጭንቀት ይፈጥሩሎም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

“ድሕነት ሰራሕተኛታት መርከብ፡ ህይወቶም ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ፤ ቀጺሉ ድማ ድሕነት መርከብን ከባብን” ይብል።

“ኵሉሻብ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክህለወካ ኣይክእልን። ትጭነቕ ኢኻ፤ ዋላ ስድራይ ኵሉሻብ ይፈርሑን እታ መርከብ ብሰላም ክትምለስን ብጭንቀት ይጽልዩን ነይሮም።”

ንሱ ዘዘራረቦም ኣብ ካልኦት መራኽብ ዝሰራሑ መርከበኛታት እውን ኣዝዮም ከምዝፈርሑ ከምዝተዛረብዎ ይገልጽ።

ድሕነት መርከበኛታት”ኣዝዩ ኣገዳሲ” ከምዝዀነ እዩ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ንድሕነትን ጸጥታን ዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ዝሰርሕ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት (ኣይኤምኦ)፡ ኣርሰኒዮ ዶሚንገዝ ዝገልጽ።

ንሱ ከምዝብሎ ዋላ'ኳ ትዅረት ኣብ ሳዕቤን ዓለምለኻዊ ቊጠባ እንተዀነ፡ ባሕረኛታት ግን “ዘይተዘመረሎም ጀጋኑ” እዮም።

“እዞም ኵሎም ነገራት ዝሰርሑ ዘለዉ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ባሕረኛታት እዮም” ይብል።

“ንሳቶም ግዳያት ከምዝዀኑ ክንርስዕ የብልናን፤ ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ንጹሃት ግዳያት። ከምኡ ድማ ልክዕ ከማይን ከማኹምን ሰባት ከምዝዀኑ ክንዝክር ኣለና።”

እታ መጀመርታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ መርከብ፡ ጋላክሲ ሊደር ዝተባህለት መኪና እትሽከም መርከብ እያ። እታ መርከብን ሰራሕተኛታትን ዛጊት ብዕጡቓት ሑቲ ኣብ የመን ተታሒዞም ዘለዉ ኰይኖም፤ እቶም ተዋጋእታ ነታ መርከብ ናብ መስሕብ ቱሪዝም ቀዪሮምዋ።

ነቶም መርከበኛታት ንምፍታሕ ኣብ ድሕሪት መጋረጃ “ብዙሕ ስራሕ ዲፕሎማሲ ይስራሕ” ከምዘሎ እዩ ዶሚንገዝ ዝገልጽ።

እንተዀነ እቲ ሰፊሕ ቅልውላው ሰርሓት ኣይኤምኦ ፈታኒ ከምዝገበሮ እውን ይዛረብ።

ምቊራጽ ዓለምለኻዊ ንግዲ “ኣባይ፡ ኣባኹምን ኣብ ኵሉ ነባራይ እዛ ፕላነትን ጽልዋ ኣለዎ” ይብል።

ኣሊያንዝ ዝተባህለ ኣብ ስራሕቲ ፋይናንስ ዝነጥፍ ትካል፡ “እቲ ቅልውላው ንነዊሕ ኣዋርሕ እንተቐጺሉ” ዓለምለኻዊ ዝቕባበ ብ 0.5 ሚእታዊት ክብ ብምባል 5.1 ሚእታዊት ክበጽሕ ምዃኑ ይትንቢ።

ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ወሰኽ ድማ እተን መራኽብ ንቀይሕ ባሕሪ ገዲፈን ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ መንገዲ ይወስዳ ብምህላወን ዝፈጥሮ ወሰኽ ዋጋ መጓዓዓዚ እዩ።

እዚ ብግደኡ ዓለምለኻዊ ቊጠባዊ ዕብየት ክቕንስ ከምዝገበር ኣልያንዝ ይግምት።

ወሰኽ መሃያ መርከበኛታት፡ ወሰኽ ሃልኪ ነዳዲ ብቐይሕ ባሕሪ ንዝጓዓዛ መራኽብ ድማ ወሰኽ ዋጋ ኢንሹራንስ ካብቶም ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ዝጥቀሱ እዮም።

ማርሽ ዝተባህለ ትካል ድለላ ኢንሹራንስ፡ ክፍሊት ኢንሹራንስ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ብ 70 ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይገልጽ። ንናይ ሓደ ምኢቲ ሚልዮን ዶላር ናይ ኮንተይነር መርከብ ዝኽፈል መጠን ዋጋ ድሕነት ካብ 10 ሽሕ ዶላር ናብ 700 ሽሕ ዶላር ወሲኹ።

ከም ዳኖን፣ ሚቸሊንን ኢክያን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት መርከብ፡ ሸቐጣት ኣብ ምጕዕዓዝ ምድንጓይ የጋጥሞም ከምዘሎ ይገልጹ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ደኒማርካዊ ዓርሞሸሽ ትካል መርከብ ሜርስክ ዝዀነ ቪንሰንት ክለርክ “ኣብዚ እዋን ብደቡባዊ ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ ካብ ምጕዓዝ ወጻኢ ዝረኣየና ኣማራጺ የለን” ክብል ንቢቢሲ ኣብዚ ሰሙን ተዛሪቡ።

“ዝትኮሰን መራኽብ ኣለዋና። ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ መሳርሕቲ ኣለዉና፤ እዚ እንተጋጥም በዞም ሓደገኛ ከባቢታት ምጕዓዝ ምኽንያታዊ ክንገብሮ ኣይንኽእልን።”

እቲ ፍታሕ ኣብ ርሑቕ ኴንካ እትቈጻጸረን መራኽብ ምስራሕ ከምዝዀነ ዝገልጽ ካፕቴን ቺራግ፡ እዚ ግን እንተወሓደ 50 ዓመታት ከምዝወስድ ይግምት።

ንሕጂ ግን ንሱን መሳርሕቱን በቲ ዝነውሐ መስመር ደቡባዊ ኣፍሪቃ ክጓዓዙ እዮም ዝመርጹ።

“ብውሕስነት ንምጕዓዝ ጸብጻብ ኵነታት ኣየርን ካርታ ናይቲ ከባብን እዩ ዘድልየና።”