እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል እንታይ ትርጕም ኣለዎ?
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓደ ዞባዊ ሓይሊ ከምዝዀነ ኣረጋጊጹ’ዩ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ መደበራት ኣሜሪካ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ተልኣቪቭን ሃይፋን ዝርከባ መደበራት እስራኤል፡ ኣብ ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳይላታ ከምዘለዋ ብግልጺ ኣቐሚጡ።
ትማሊ ምሸት ሰራዊት ኢራን ንርእሰ-ከተማ ሓዊሱ ርእሰ-ምምሕዳር ዞባ ኩርዲስታን ኢርቢል፡ ዒላማ ብምግባር፡ 11 ባሊስቲክ ሚሳይላት ወንጪፉ።
ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሽዱሽተ ድማ ቈሲሎም ክብል መንግስቲ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር መስሩር ባርዛኒ፡ "ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩርዲ" ክብል ገሊጽዎ።
ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ቅርበት ዘለዎ ትካል ፋርስ ኒውስ፡ ምስ ኣገልግሎት ስለያ እስራኤል ዝምድና ዘለዎም ሰለስተ መደበራት ሞሳድ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝዓነዉ ኣቃሊሑ።
መንግስቲ ኩርዲስታን ዒራቕ ኣብ መሬቱ መደበራት ስለያ ወጻኢ ከምዘየለዉ ክገልጽ እንከሎ፡ እስራኤል ድማ ብስቕታ ሓሊፋቶ'ላ።
ይዅን እምበር ኢራን ንመንበሪ ፍሉጥ ኩርዳዊ ነጋዳይን ፐሽራው ዲዛይ ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ብልክዕ ከተካይድ ከም'እትኽእል ኣርእያ እያ።
ንሱ፡ ኣብ 2003 ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወራር ድሕሪ ምክያዳ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ፋልኮን ግሩፕን ኢምፓየር ዎርልድን ዝተበሃሉ ክልተ ኩባንያታት መስሪቱን ወኒኑን እዩ። ሮይተርስ ምስ ስድራቤት ባርዛኒ ቅርበት ከም ዝነበሮ’ዩ ዝገልጽ።
ገዛኡ ብኣርባዕተ ሚሳይላት ከምዝተሃርመን፡ ጓል 11 ወርሒ ጓሉ እውን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝሞተትን ተገሊጹ።
ጕጅለ ፋልኮን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት፡ ማለት ኣብ ጸጥታ፡ ህንጻ፡ ከምኡ’ውን ነዳድን ጋዝን ይነጥፍ። እቲ ክፍሊ ጸጥታ ድማ፡ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡ ወከልትን ኩባንያታትን ኣሜሪካን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ንምዕራባውያንን ትካላት ዝሕግዝ’ዩ።
እቲ ሓቂ ግን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንሲቪላዊ መሓውራት ዒላማ ዝገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሒደት ማይላት ጥራይ ርሒቑ ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢርቢል ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላት ክሃርም ከምዝኽእል ዝገልጽ መልእኽቲ'ውን ኣጕሊሑ እዩ።
ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ 2500 ወተሃደራት ኣለውዋ። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ጥምረት ኣንጻር ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) እዩ።
ኣሜሪካ፡ እቶም ኣብ ዒራቕ ዘለዉ ሓይልታታ፡ ጸጥታ ንምድጋፍን እቲ ኣብ ሓደ እዋን ሰፊሕ ክፋል ዒራቕን ሶርያን ዝቈጻጸር ዝነበረ ኣይኤስ ዳግማይ ንኸይትንስእ ንምክልኻል ከምዝዀነ’ያ እትገልጽ።
ይዅን እምበር እዚ መጥቃዕትታት ንውሽጣዊ ዕላማታት እውን ዘገልግል ከምዝኾነ’ዩ ዝንገረሉ።
ብ25 ታሕሳስ ኣብ ወሰን ከተማ ደማስቆ ብእስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ተቐቲሉ እዩ።
ኢራን ድማ ብ15 ጥሪ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ኢድሊብ ባሊስቲክ ሚሳይላት ወንጪፋ።
ኣብኡ ንዝርከቡ ኣባላት ኣይኤስን ካልኦት "ሽበራውያን ጕጅለታትን" ዒላማ ከምዝገበረት ድማ ገሊጻ።
ኢድሊብ መዕቈቢ 2.9 ሚልዮን ተመዛበልቲ ሶርያውያን ኰይና፡ ኣብ 2011 ኣንጻር ፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ንዝተኻየደ ናዕቢ ዝደገፉ እዮም።
ባሻር፡ ብወተሃደራዊ ደገፍ ሩስያን ኢራንን ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝኸኣለ መራሒ’ዩ።
ኣይኤስን ኣልቓዒዳን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ'ኳ እንተዀኑ እስላማዊ ጕጅለ ሓያት ኣታሕሪር ኣልሻም’ዩ ቀንዲ ተቘጻጻሪ እቲ ከባቢ።
ኢራን እቲ ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ናይቲ ብ3 ጥሪ ብኣይኤስ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ከተማ ከርማን ኣብ ዝተኻየደ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፋዳይ ከምዝዀነ ትገልጽ።
ኣብ ጥቓ መቓብር ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ቃሲም ሱሌማኒ ተኣኪቦም ዝኽሪ ሞቱ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ክልተ ነብሰ ቅትለታዊ ቦምባታት ከምዝተፈጸመን ብዙሓት ከም ዝቐተለን ዝፍለጥ እዩ።
ኢራን ኢድሊብ ዒላማ ንምግባር ክሳብ 1450 ኪ.ሜ ክጓዓዝ ዝኽእል ሚሳይል ከምዝወንጨፈት ኣፍሊጣ።
እቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ካብ ደቡብ ግዝኣት ኩዘስታን ከምዘወንጨፈቶ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ካብ ዝቐረበ ምዕራባዊ ግዝኣት ኣዘርቤይጃን ናብ ኢድሊብ ክትውንጭፍ ትኽእል ነይራ እያ።
እንተዀነ ግን ኢራን፡ እቲ ቀንዲ ክተሕልፎ ዝደለየት መልእኽቲ፡ ዝተፈላለየ ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ብምርኣይ፡ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናብታ ምስ ሶርያ እትዳወብ እስራኤል ናይ ምህራም ዓቕሚ ከምዘለዋ ንዓለም ምርኣይ’ዩ።