ፕሪምየር ሊግ፡ ኣስናን ዘይብለን ኣናብስ ማን ሲቲን ማን ዩናይትድን

ኣብ ኵሉ ውድድራት ኣብ ዝተኻየዱ 193 ደርቢ ማንቸስተር፡ ማን ሲቲ 61 ግዜ ክትዕወት እንከላ ማን ዩናይትድ ድማ 78 ግዜ ዓወት ከምዘመዝገበት ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኵሉ ውድድራት ኣብ ዝተኻየዱ 193 ደርቢ ማንቸስተር፡ ማን ሲቲ 61 ግዜ ክትዕወት እንከላ ማን ዩናይትድ ድማ 78 ግዜ ዓወት ከምዘመዝገበት ይፍለጥ

ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታድዩም ኢትሃድ ዝካየድ ጸወታ ፕሪምየር ሊግ መበል 195 ደርቢ ማንቸስተር እዩ - ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ።

ከም ንቡር ኣብ መንጎ ክልቲአን ክለባት ዝግበር ጸወታ ደርቢ ሰፊሕ ትጽቢት እዩ ዝግበረሉ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብዘን ክለባት ዝተረኣዩ ለውጥታትን ድኹም ብቕዓትን ስዒቡ፡ ናይ ሰንበት ውጽኢት ንምግማት ዝያዳ ከቢድ ገይርዎ ኣሎ።

ማን ዩናይትድ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ተፈላልያ።

ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ድማ ኣብ መበል 13 ደረጃ ትርከብ። ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ምምዛዛ ተስፋ ዘሕደረ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ'ውን ናብ ዝጸንሐ ብቕዓታ ዝተመልሰት ኣይትመስልን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሜድኣ ብኖቲንግሃም ፎረስት 3ብ2 ዝተሳዕረትሉ ጸወታ ድማ፡ ኣሞሪም ኣብ ኦልድትራፎርድ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆ ዘጉልሕ እዩ።

ካብዚ ንላዕሊ ኣዘራራቢ ኰይኑ ዘሎ ግን ማን ሲቲ እተርእዮ ዘላ ምንቁልቋል ብቕዓት'ዩ።

ሲቲ ካብ ዝሓለፈ 10 ጸወታታት ኩሎም ውድድራት ኣብ ሓንቲ ጥራይ እያ ዓወት ኣመዝጊባ።

ኣብ ፕረምየርሊግ ካብ ሊቨርፑል ብ8 ነጥቢ ድሒራ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ትርከብ [ሊቨርፑል ሓደ ተረፍ ጸወታ ኣለዋ]። ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ እውን እንተዀነ ኣብ መበል 22 ተሰሪዓ ብኣግኡ ናይ ምግላፍ ሓደጋ ኣንጸልይዋ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ብዙሓት ሰባት ወርቃዊ ዘመን እታ ክለብ ኣብቂዑ ድዩ ኢሎም ክሓትቱ ተገዲዶም ኣለው።

ማን ሲቲን ማን ዩናይትድን ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ክዓትራ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት ክኸውን ይኽእል እዩ። ጽልዋ ውጽኢት ናይቲ ሰንበት ዝካየድ ጸወታ ግን ቀሊል ኣይኰነን።

ስለዚ እቶም ሓሙሽተ ኣዘራረብቲ ነጥብታ እንታይ እዮም?

1. እዋናዊ ብቕዓት ክልቲአን ክለባት

ዩናይትድ ኣብ ዘመነ ፕሪምየር ሊግ ድሕሪ 15 ጸወታታት ዝወሓደ ነጥቢ ከተመዝግብ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

ሲቲ እውን ድሕሪ 2010-11 ዝወሓደ ነጥቢ ዘዋህለለትሉ ዓመት እዩ።

ቅድሚ እዚ ሰንበት ዝካየድ ጸወታ፡ ዩናይትድ ኣብ መበል 13፡ ሲቲ ድማ ኣብ 4ይ ደረጃ ይርከባ።

ሲቲ ካብ ዝሓለፉ 6 ጸወታታት ፕረምየርሊግ 4 ነጥቢ ጥራይ እያ ኣዋህሊላ። ኣብዚ ግዜ'ዚ እታ ዝወሓደ ነጥቢ ዘዋህለለት ድማ እዛ ክለብ ጥራይ'ያ።

ኣብ ፕሪምየር ሊግ ክልቲአን ጋንታታት ድሕሪ 15 ጸወታታት ዘለወን ነጥቢ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ደረጃ ካብ ዘዋህለልኦ ነጥቢ እቲ ዝተሓተ እዩ።

2. ኣንጻር ነንሕድሕድ ዘለወን ውጽኢት

ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፈ 6 ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዘካየደቶም ጸወታታት 5 ግዜ ተሳዒራ እያ።

ኣብዘን 5 ስዕረታት ድማ 18 ሸቶታት ተመዝጊብዋ።

እቲ እንኮ ፍሉይ ዝዀነ ውጽኢት፡ ብ14 ጥሪ 2023 ኣብ ኦልድትራፎርድ 2ን1 ዝተዓወተትሉ ጸወታ እዩ ነይሩ።

ዩናይትድ ኣብ ስታድዩም ኢትሓድ ኣብ ዘካየደቶም ሰለስተ ጸወታታት፡ ብድምር 13ን5 እያ ተሳዒራ።

ማን ዩናይትድ ጽባሕ ሰንበት እንተተሳዒራ ምስቲ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ብሓንቲ ክለብ ብተኸታታሊ ዝተሰዓረትሉ ክብረወሰን ማዕረ ክኸውን እዩ።

3. ሽቶታት

ኣብ ዙርያ ምክልኻል ሲቲ ዝዝረብ ትረኻ ብዘየገድስ፡ እታ ክለብ ብሓቂ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዝወሓደ ፈተነ ሽቶታት እዩ ኣጋጢምዋ። ናብ ዩናይትድ ክመጽእ እንከሎ እውን ብሉጽ እዩ። ካብ ሲቲ፡ ሊቨርፑልን ኣስቶንቪላን ጥራይ ዝተሓተ ፈተነ ሽቶ እዩ ኣጋጢምዋ።

ብካልእ ሸነኽ ኣርሊንግ ሃላንድን ፊል ፎደንን ነፍሲ ወከፎም 6 ሸቶታት ኣመዝጊቦም እዮም። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ደርቢ ካብ ዝተመዝገባ 13 ሽቶታት እተን 12 ማለት እዩ።

ብጋርድዮላ እትምራሕ ሲቲ ካብ ዝሓለፉ 10 ጸወታታት ኣብተን 9: ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሸቶታት ኣኣንጊዳ እያ።

ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ 10 ጸወታታት ኣብ ሓንቲ ጥራይ እያ ሸቶ ዘይተመዝገባ።

ሕጂ ድማ ኣሰልጣኒኣ ፔፕ ጋርድዮላ ደኺመ ይብል ኣሎ።

ብመሰረቱ ክልትኤን ክለባት ኣብ ዝተሓተ ብቅዓት እየን ዝርከባ።

ኣብዚ ጸወታ ደርቢ ዝያዳ ሸቶታት ዘመዝገቡ ሰለስተ ተጻወትቲ ጥራይ እዮም - ሰርጅዮ ኣጉዌሮን ዋይን ሩኒን ነንሕድሕዶም 8 ከምኡ'ውን ኤሪክ ካንቶና 7 ሸቶታት ከምዝመዝገቡ ታሪኽ ይጠቅስ።

ግምት ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ - ብመሰረት ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ስቶን

4. ኣንጻር ማን ሲቲ ምጽዋት ቀሊል ክኸውን ይኽእል'ዩ - ግላስነር

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ ማንቸስተር ሲቲ 2ን2 ድሕሪ ምፍልላዩ፡ ኣሰልጣኒ ክሪስታል ፓላስ ኦሊቨር ግላስነርስ፡ ንድኽመት እታ ክለብ ክምዝምዙ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ ነይሩ።

"[ካብ ሲቲ] ዝለዓለ ጽዓት ክንጻወት ከም እንኽእል ፈሊጥና ኢና - ኵሉ እቲ መረዳእታ ነዚ ዘርእየና'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

5. ታክቲካዊ ትንተና

ከምቲ ግላስነር ዝገለጾ፡ ጽዓት፡ ቅልጡፍ ምቅብባል፡ ከምኡ'ውን ንቁጽሪ ሽዱሽተ ዕላማ ምግባር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንሲቲ ንምስዓር ክሕግዝ ይኽእል። ዩናይትድ ድማ ነዚ ዝገብር ዓቕሚ ኣለዋ።

3-4-2-1 ኣሰላልፋ ሩበን ኣሞሪም ድሕሪ ሓደ ኣጥቃዓይ ክልተ ቁጽሪ 10ታት ከሰልፍ የኽእሎ፡ ሲቲ ድማ 4-1-4-1 ኣሰላልፋኣ ንቁጽሪ ሽዱሽተ ኣብ ቦታኡ ዘጽንዕ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ኣሞሪም ካብ ዘመዝገበን 6 ሸቶታት እተን 5 ብቐጥታ ካብ ኣጸዋውታ ኣማድ ዲያሎ ዝመጻ እየን።

ዩናይትድ ጸረ መጥቃዕቲ እንተድኣ ኣሐይላ፡ ሽዑ እቲ ዝተዘርግሐ ማእከል ሜዳ ሲቲ ብኽልተ ማእከላይ ኣከፋፈልቲ ዩናይትድ ክጽመድን፡ እቶም ክልተ ቁጽሪ 10ታት ድማ ኹዕሶ ንምቕባል ከኽእሎም ይኽእል'ዩ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ዘጋጠመ ኣሰላልፋ እዩ። ሩበን ኣሞሪም ኣሰልጣኒ ስፖርቲንግ ሊዝበን እንከሎ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ፔፕ ጋርድዮላ ኣብ ዝገጠመሉ እዋን፡ 4ብ1 ከምዝተዓወተ ዝዝከር እዩ።

ይኹን'ምበር ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ስፖርት ክሪስ ሱተን ንጸወታታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ብዝምልከት ኣብ ዘስፈሮ ትንበያ: እቲ ጸወታ ብማን ሲቲ 3: 1 ማን ዩናይትድ ከምዝዛዘም ኣሚቱ ኣሎ።