እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣስመራ ምጋሹ እንታይ ፖለቲካዊ ትርጕም ኣለዎ?
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንወግዓዊ ዑደት፡ ረቡዕ 25 ታሕሳስ ናብ ኣስመራ ኣቕኒዑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣማስያኦም ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምሕያልን፡ "ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ምዕባለታትን" ከምዝተዛተዩ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ "ኣካል ቀጻሊ ርክባት ምምኽኻር" ከምዝዀነ ዝተገልጸ ዘተ፡ "ሶማል ከም ዓባይ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጠን፡ ርግኣታ ምርግጋጽን ምውሓስን፡ ንሰላምን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ" ምዃኑ ብምጥቃስ ክልቲኦም ነዚ ኣብ ዝሕግዝ ዛዕባታት ከምዝተዘራረቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ኣስመራ ቅድሚ ምቕናዑ ኣብ ዝነበራ ክልተ መዓልቲ ሃገሩ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ንሰራዊት ሶማል "ኣጥቂዖም" ክትብል ከሲሳ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሓበሬታ ብምንጻግ፡ "ሳልሳይ ወገን" ተሓተትቲ ናይቲ ፍጻመ ምዃኖም ገሊጹ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝጸንሐ ሓርፋፍ ዝምድናአን በቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ዝፈራማኦ ውዕል ኣሐዲሰን ቀንየን ከምዝነበራ ይዝከር።
ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ብጉዳይ'ቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ብዝኣተወቶ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ፡ ነንሓድሕደን ይካሰሳ ኣብ ዝነበራሉ ግዜ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ብተደጋጋሚ ናብ ኣስመራ ይገይሽ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኣንካራ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሐን፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ሶማልያ ዓሊ ዑመር ዝምራሕ ልኡኽ ሶማልያ ብ 23 ታሕሳስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ ምንባሩ ይዝከር።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሓይልታት ኢትዮጵያ ንከተማ ጁባላንድ ዱሎው ኣጥቂዖም" ክብል ከሲሱ።
ከም ግብረ መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ዝተመሓየሸ ዝምድና ሶማልያን ኢትዮጵያን ክዘርጉ ዝደልዩ ሓይልታት ዝፈጠርዎ ፍጻመ'ዩ" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም መንነቶም ዘይገለጾምን "ሳልሳይ ወገን" ኢሉ ዝጸውዖምን ሓይልታት "ንሰላም እቲ ዞባ ስግኣት ዝኾኑ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምህዋኽ ቆሪጾም ዝተበገሱ" ምዃኖም ገሊጹ።
ታሕሳስ 24 ታሕሳስ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ምስ ሚኒስተር ዴኤታ ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ሶማልያ ዓሊ መሓመድ ዑመር ዘተ ከምዝገበሩ ይግለጽ።
ብዘይካ'ዚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ሶማላዊ መዘናኡ ዓብደላሂ መሓመድ ከምዝዘተየ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣፍሊጡ።
እቲ ክንዮ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ክፈጥር ዝጸንሐ ዘይምቅዳው፡ኢትዮጵያ ምስ እታ ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ገማግም ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእላ ውዕል ድሕሪ ምፍራማ እዩ።
ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ምስ ግብጺ፤ ከምኡ'ውን ምስ ሶማሊላንድ ብዝኣተወቶ ውዕል ምርካብ ወደብ ባሕሪ ድማ ምስ ሶማልያ ኣብ ምስሕሓብ ከምዘላ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብ ክትረክብ ዘለዋ ድሌት ምስ ኣፍለጠት ኤርትራ ዋላ'ኳ ብቐጥታ ኣይኹን እምበር ሕጕስቲ ከምዘይኰነት ክተርኢ ጸኒሓ ኣላ።
በዚ ድማ ፕረዚደንት ሶማልያ ብቐጻሊ ግዜ ናብ ኤርትራ በጺሑ።
ሶማልያ ምስ ግብጺ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝፈረመት ኰይና እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስሉሳዊ ስምምዕ 'ኣንጻር' ኢትዮጵያ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መጀመርታ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ መደበር ተለቪዥን ሃገሩ ቀሪቡ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳያት ቃለ-መሕትት ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ነቲ 'ኣንጻር' ኢትዮጵያ'ዩ ዝብል መግለጺታት ነጺግዎ።
ኣብዚ ናይ ትማሊ ርክቡ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን እውን እቲ ስሉሳዊ ስምምዕ፡ "ንረብሓታት ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዘገልግል እምበር ካልእ ዕላማ የብሉን" ኢሉ ከምዝገለጸ እቲ ዜና ኣቃሊሑ።
ቱርኪ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ፕረዚደንት ኤርዶጋን ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣናት እታ ሃገር ድሕሪ ንኣዋርሕ ዘካየድዎ ጻዕሪ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ እቲ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣፍሊጡ እዩ።
መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ምስ በጽሑ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ዝሃቦ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ወደብ ኣልቦ ዝዀነት ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ንምውጻእ ዘኽእላ ከምዝዀነ ጠቒሱ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ "ኣብ ትሕቲ ልኡላዊት ሶማልያ ውሑስን ዘላቕን መሕለፊ ባሕሪ" ክህልዋ ዘኽእል ንግዳውን ክልተኣውን ስምምዕ ብምግባር ብቐረባ ከምዝሰርሓ ይጥቀስ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኤርትራ ኣብ ህንጸት ሃገራዊ ሰራዊትን ልኡላዊ ትካላትን" ሃገሩ ዓቢ ኣበርክቶ ትገብር ብምህላዋ ጠቒሱ።
ከምዝፍለጥ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ሶማል - ሰራዊት፡ ሓይሊታት ኣየርን ባሕሪን፡ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ክወስዱ ጸኒሖም እዮም።