ኢትዮጵያ-ሶማልያ፡ ቀንዲ ነጥብታት ስምምዕ ቱርኪ እንታይ'ዮም?

ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ኣብ ቱርኪ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን 'ንሓድሕዶም ልኡላዊ ግዝኣታቶም ብምክብባር' ዘለዎም ጸገማት ንኽፈትሑ ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንካራ ብኣካል ዝተራኸብሉ ዝርርብ "ታሪኻዊ ስምምዕ" ኢልዎ።

ወሲኹ "እዚ፡ ናብቲ ሓድሽ ምጅማር ንቀዳማይ ስጕምቲ 'ዩ" ክብል ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ምስታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትቘጽር ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረኽብ ዘኽእላ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታማ ምስ ሶማልያን ኣብ ወጥሪ ከምዘላ ይፍለጥ።

ካብዚ ብምብጋስ ሶማልያ ነቲ ኣብ መንጐ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ንልኡላዊ ግዝኣተይ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ክሳብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝበጽሐ ክሲ መስሪታ።

ነቲ ስምምዕ'ውን ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ኲናት ከም ምእዋጅ ገይራ ከምእትሓስቦ ብትሪ ገሊጻ።

እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ወደብን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ክትሃንጽ ዘኽእላ ኰይኑ፡ ኣምሳያ ናይዚ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ከም እትህባ ጸብጻባት የመልክቱ።

እንተኾነ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ መረጋገጺ ኣይሃቡሉን።

ብመሰረት ኣብ መንጐ ኣብይ ኣሕመድን ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ዝተበጽሐ ሰምምዕ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝመጽእ ለካቲት 'ቴክኒካዊ ዝርርብ' ክገብሩ እዮም።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከኣ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ሶማልያ ብዘኽብር ኣገባብ ተጠቃምነት ወደብ ንኽትረክብ "ንክልተኣዊ ረብሓታት ዘማእከለ ንግዳዊ ምትዕርራይ" ክገብሩ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።

ቅድሚ ሕጂ ወከልቲ ክልቲኤን ሃገራት ብመንጐኛነት ቱርኪ ክልተ ግዜ'ኳ ኣብ ኣንካራ እንተተራኸቡ ተጨባጢ ስምምዕ ግን ከምጽኡ ኣይክኣሉን ነይሮም።

እንተዀነ እቲ ሶማልያ፡ ኣብ መንጐ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ክስረዝ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ቅድመ ኵነት ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ምላሽ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታመን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብወግዒ ብኣካል ክራኸቡ እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘይምርድዳእ ዘስዓበ ስምምዕ ምስ ሶማሊላንድ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ [ግእዝ] ምስተፈረመ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ነይሩ። ዛጊት ግን ብዛዕባ ግብራውነቱ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተበሃለ ነገር የለን።

ሶማልያ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ጥርዓን ካብ ምቕራባ ብተወሳኺ፡ ምስታ ብሰንኪ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክትዕ እትርከብ ግብጺ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ኣብ ዘኽእላ ስምምዕ ምብጽሓ ይዝከር፤ እቲ ወጥሪ ድማ እናገደደ ከይዱ።

ብዘይካ'ዚ ሶማልያ ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምስጓጕ ንኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰሓበቶ ይዝከር። ንዓመታት ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝጸንሐን ዓቢይ ተራ ከምዝጸንሖን ዝግለጽ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ'ውን ካብ ግዝኣታ ክወጽእ ብተደጋጋሚ ሓቲታ።

ቱርኪ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ዙር ዝርርብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራት ብምምራሕ ኣብ መንጐአን ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ከምዝፈተነት ይዝከር።

ቱርኪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓምለን ነሓሰን ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ክልተ ዙር ዝርርብ ብምክያድ ንኽልቲአን ሃገራት ንምቅርራብ እኳ እንተፈተነት ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።

ነጥብታት ስምምዕ ኣንካራ

ኣብቲ ሰለስቲኦም መራሕቲ ሃገራት ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ንሓደ ዓመት ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈትሐ ኣመልኪቱ።

"ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ዘራኽባ መስመር ምድላያ ንጎረባብትና'ውን ዝጠቅም ሰለማዊ ጻዕሪ'ዩ፡ እዚ ድሌት እዚ ብዓይኒ ምትሕብባር'ምበር ብዓይኒ ምጥርጣር ክርአ ኣይግባእን" ብምባል'ውን ሃገሩ ዘለዋ ድሌት ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ዝተገበረ ዝርርብ "ሃናጺ ዘተ" እዩ ብምባል ገሊጽዎ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብወገኑ፤ ኣብ ኣንካራ ዝተበጽሐ ስምምዕ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ደው ዘብል'ዩ ብምባል "ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት" ከምዝዀኑ ኣመልኪቱ።

  • መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናይ ንሓድሕዶም ልኡላውነት፡ ነጻነትን ሓድነታዊ ግዝኣተን ከምኡ'ውን ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝሰፈሩ ዓለምለኻውያን ሕግታት ከኽብሩ ተሰማሚዖም።
  • ብመንፈስ ምክባባርን ምሕዝነትን ፍልልዮምን ኣሰሓሓብቲ ጉዳያትን ንድሕሪት ብምግዳፍ ብምትሕብባር ንሓባራዊ ብልጽግና ክሰርሑ ተሰማሚዖም።
  • ሶማልያ፡ ኣብ ትሕቲ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ተዋፊሮም መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትህብ'ያ።
  • ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ብዘኽብር መንገዲ ኢትዮጵያ ኣተኣማማኒ መስመር ባሕሪ ምርካባ ንዝህልዎ ኵሉ መዳያዊ ረብሓታት ክልቲኦም ሃገራት ኣፍልጦ ይህባ።
  • ብመሰረት እቲ ኣብ ቱርኪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክልቲኤን ሃገራት ብመንጐኝነት ቱርኪ ኣብ ዝመጽእ ለካቲት ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ክዛተያ'የን እዚ ከኣ ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝውዳእ ክኸውን'ዩ።
  • ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ልኡላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዘተኣማምንን ውሑስን ዘላቒን ናብ ባሕሪ መተሓላለፊ ክህልዋ ዘኽእል ንኽልቲኦም ዝጠቕሙ ውዕላት፡ ክራይ፡ ከምኡ'ውን ተመሳሰልቲ ንግዳዊ ኣሰራርሓታት ብሓባር ንምዝዛም ተሰማሚዖም።
  • ክልቲኤን ሃገራት ደገፍ ቱርኪ ተቐቢለን ካብ ትርጕምን ምትግባርን እቲ ስምምዕ ዝፍጠር ፍልልያት ብዘተን ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሓ ተሰማሚዐን።