ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ 'ዒሮ' መን’ዩ?

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ንርእሳ ሃገር ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝዀነ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዲላሂ፡ ኣብቲ ብ13 ሕዳር 2024 ዝተኻየደ መረጻ ተዓዊቱ።

ንሱ ብብዝሒ ‘ዒሮ’ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ 63.92 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መነሓንሕቱ ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲ ብምስዓር ሻድሻይ ፕረዚደንት እታ ርእሰ ምምሕዳር ኰይኑ።

እቲ 34.81 ሚእታዊት ድምጺ ዝረኸበ ሙሰ ቢሂ፡ ስዕረቱ ብጸጋ ብምቕባል ንመቀናቕንቱ ዮሃና ኢሉ።

"ንሰላማዊ ምስግጋር ዘለኒ ምሉእ ደገፍ ቃል እኣቱ። ዘመነስልጣንካ ንፍትውቲ ሃገርና ሰላም፡ ግስጋሰን ነባሪ ዓወትን ዘምጽኣላ ይግበሮ" ክብል ቢሂ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

"ንደቂ ሃገረይ ድማ፡ ፕረዚደንትኹም ክኸውን ዝሃብኩምኒ ሓለፋ የመስግነኩም። ዋላ'ኳ እብረ ስልጣነይ የብቅዕ እንተሎ፡ ንሃገርና ንምምዕባል ዘለኒ ተዋፋይነት ግን ጸኒዑ ክቕጽል'ዩ" ኢሉ።

ሶማሊላንድ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቍርቍስ ርእሰ ምሕደርኣ ኣዊጃ’ኳ እንተጸንሐ፡ ክሳብ ሕጂ ንናጽነታ ኣፍልጦ ዝሃበት ሃገር የላን።

ኣፈጕባኤ ነበር ወዲ 69 ዓመት ዒሮ፡ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ኣካታዒ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ዳግም ክርአ ከም ዝዀነ ይገልጽ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ጥሪ እዚ ዓመት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ን50 ዓመታት ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ዘኽእሎ ናይ 20 ኪሎ ሜትር ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መንግስቲ ሶማሊላንድ ሰነድ መረዳድኢ ከም ዝፈረመ ይፍለጥ።

ኣምሳያኡ፡ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነትን ካልእ ረብሓታትን ክትረክብ ምዃና ክግለጽ ጸኒሑ። ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ተፈጢሩ።

ሶማሊላንድ፡ ዋላ’ኳ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ሲያድ ባረ፡ ኣብ ፈለማ 1990ታት ሶማልያ ናብ ቅልውላው ምስ ኣተወት ካብ ሶማልያ ናጽነታ እንተኣወጀት፡ ሶማልያ ክሳብ ሕጂ ከም ልኡላዊ ግዝኣታ ስለ እትቘጽራ ምፍራም እቲ ሰነድ ስምምዕ ተቓዊማቶ እያ።

እቲ ሕጂ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ርእሰ ምምሕዳር ኰይኑ ዝተመርጸ ዒሮ፡ ዋላ’ውን ነቲ ስምምዕ እንተዘይነጸጐ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን ግን ዲፕሎማሲያዊ ቋንቋታት ብምጥቃም ናይ ኣንፈት ለውጢ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ’ዩ።

ሶማሊላንድ፡ ኣብ ዓለምና ሓንቲ ካብተን ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ዘለወን ከባቢታት ኰይና፡ ንወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን መእተዊ በሪ’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዕቝድ ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲያውነት ዝተራእዮ ተባሂሉ ብኣብነት ዝጥቀስ ፕረዚደንታዊ መረጻታት’ኳ እንተኣካየደት፡ ክሳብ ሕጂ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሃገር የላን።

“ኵላትና ኢና ተዓዊትና፤ ሶማሊላንድ ተዓዊታ” ዝበለ ዓብዲራሕማን [ዒሮ]፡ ህዝቢ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ ሰላማዊ ኰይኑ ንኽዛዘም ብምግባሩ ኣመስጊኑ።

እቲ መረጻ ኣመሪካ ሓዊሱ ዲፕሎማት ትሸዓተ ሃገራት ኣውሮጳ ተዓዚቦምዎ’ዮም።

ነቐፍቲ፡ በሂ ብሰንኪ ኣቦኣዊ ኣተኣላልያኡ ደገፍ ከም ዝሰኣነ ይዛረቡ - ቍጠባዊ ጸገማት ንዋጋ ናይቲ ውሽጢ ዓዲ ባጤራ ኣብ ዘዳኸመሉ እዋን ንርእይቶ ህዝቢ ይነጽግ ከም ዝነበረ’ውን ይገልጹ።

ዓብዲራሕማን [ዒሮ] መን’ዩ?

ንሱ፡ ብ29 ሚያዝያ 1955 ኣብ ከተማ ሃርጌሳ ተወሊዱ።

መባእታዊ ትምህርቱ ኣብ ሶማልያ ወዲኡ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ኣብ ኣመሪካ ክከታተል እንከሎ፡ ብምሕደራ ዋኒን [ቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን] ካልኣይ ዲግሪ ኣለዎ።

ዒሮ፡ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሶማልያ ዲፕሎማት ብምዃኑ፡ ካብ 1981 ጀሚሩ ንዓሰርተ ዓመታት ኣገልጊሉ’ዩ።

ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሶማልያ ድማ ኣብ 1991፡ ግዝያዊ ኣምባሳደር ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ኰይኑ።

ድሒሩ ኣብ ፊንላንድ ስድራኡ ንምርካብ ምስ ከደ ዜግነት ፊንላንድ ረኺቡ።

ዒሮ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ናብ ሶማሊላንድ ተመሊሱ፡ ኣብ 2002 ሓባራዊ መስራቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ፍትሕን ድሕነትን (UCID) ኰይኑ ናብ ፖለቲካ ተጸንቢሩ።

ሶማሊላንድ ቅድሚ 30 ዓመታት ርእሰ ምምሕዳር ምዃና ካብ እትእውጅ ንድሓር ድማ፡ ካብ 2005 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ጀሚሩ ን12 ዓመታት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ሶማሊላንድ ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብቲ ግዜ’ዩ ኣብ ሶማሊላንድ ሓያልን ዝለዓለ ጽልዋ ዘለዎን ንተቓዋሚ ሰልፊ ወዳኒ መስሪቱ።

ብ2012 ዓ.ም ንሰልፊ ወዳኒ ክምስርት እንከሎ፡ ኣብ መረጻ 2017 ብሙሰ በሂ ተሳዒሩ።

ሕጂ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ ዘሎ ዒሮ፡ 14 ታሕሳስ 2024 ቃለ መሓላ ክፍጽም’ዩ።

ህዝቢ እታ ርእሰ ምምሕዳር ድማ ከም ሓደ ሕብረት ዝፈጥር መራሒ ይርእዮ።

ንሱ፡ ምስታ ካብ ቻይና ተፈልያ ርእሰ ምሕደራ ኣለኒ እትብል ታይዋን ዘሎ ርክባት ከቐጽሎ ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ።

ክልቲአን ምምሕዳራት ብ2021 ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ምስ ጀመራ፡ ቻይናን ሶማልንያን ተቘጢዐን ነይረን።

ሶማሊላንድ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበረት ኰይና፡ ብሓደ ሓምለ 1961 እያ ናብ ሶማልያ ተጸንቢራ።

ድሕሪ እቲ ኣብ 1991 ፕረዚደንት ሲያድ ባረድ ክሳብ ምዕላው ዝበጽሐ ጐንጺ ምስ ተላዕለ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ሶማሊላንድ ክሞቱ እንከለው፡ ርእሰ ከተማ ሃርጌሳ ብደብዳብ ነፈርቲ ዓንያ ነይራ።

ሲያድ ባረ ኣብ ዝወድቀሉ ግዜ ድማ፡ ሶማሊላንድ ናጽነታ ብምእዋጅ፡ ነታ ከተማ ዳግም ሃኒጻ፡ ናይ ባዕላ ባጤራ፡ ትካላትን መንግስትን መሓውር ጸጥታን ዘርጊሓ።

እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ምስታ ንዓሰርተታት ዓመታት ብስርዓት ኣልቦነት ዝፈረሰትን ክሳብ ሕጂ ካብ እስላማውያን ዕጡቓትን ካልእን ብዙሕ ብድሆታት ዘጋጥማን ቀጥታዊ መረጻ ዘይተካይድን ሶማልያ ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ።