ሶማልያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጣ

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘየለ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሶማልያ እቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ንተልእኾ ምዕቃብ ሰላም ኣብ ሃገሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬቱ ክወጽእ ከም ዝደሊ ብተደጋጋሚ ምግላጹ ይዝከር።

ቀንዲ ጠንቂ እዚ ውሳነ፡ ኢትዮጵያ ምስታ ንባዕላ ናጻ ሃገርነት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ስምምዕ’ዩ።

እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ፡ ኣምሳያኡ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ዝገብር ምዃኑ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ሃገሩ ትጥሕስ ምህላዋ ብተደጋጋሚ ክኸስስ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬቶም ክወጽእ ብተደጋጋሚ ክሓትት ጸኒሑ እዩ።

ሕጂ ድማ ሶማልያ፡ ኣብቲ ኣብ ጥሪ ግዜኡ ንዝዛዝም መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (ኣቲሚስ) ዝትክእ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪቃ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘይኣቱ ኣፍሊጣ’ላ።

ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዓብዱቃድር መሓመድኑር፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ተተካኢ ተልእኾ ወጻኢ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ሶማልያ - ‘ሶና’ ን ማዕከን ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒን ኣቃሊሐን።

እቲ ሚኒስተር ብቀዳም 09 ሕዳር 2024 ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝዋፈር ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይሳተፉ ነረጋግጽ" ኢሉ።

መበገሲ ናይዚ ውሳነ ሶማልያ ድማ "ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ብምጥሓሳ" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝርዝር ናይተን ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪቃ ሰራዊተን ዘዋፍራ ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝግበር ኣተንቢሁ።

ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሶማልያ ብዝገበረቶ ክልተኣዊ ስምምዕ ኣስታት 7 ሽሕ ወተሃደራት ከምኡ’ውን ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢላ 3 ሽሕ ወተሃደራት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ከምዘዋፈረት ይግለጽ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ብተሌቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ "ክሳብ እንፈልጦ፡ ኣብ ሶማልያ ሰራዊት ካብ መንጐ ዘለወን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ዘይትሳተፍ" ብምባል ውሳነ መንግስቱ ኣፍሊጡ።

ንስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ እናወሰኸ ይኸይድ ካብ ምህላዉ ብተወሳኺ፡ብሰንኪ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ንዓመታት ኣብ ምፍጣጥ ዝጸንሐት ግብጺ’ውን ናብ ሶማልያ ምትእትታዋ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ኣንጊሱ’ሎ።

ግብጺ ኣንጻር እቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝበጽሓቶ ስምምዕ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ከም እትብል ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ብምፍርራም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ደገፍ ኣጽዋር ግብጺ ብባሕርን ኣየርን ኣቢሉ ናብ ሶማልያ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ግብጺ ሰራዊታ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ዘዋፍሮ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ክሳተፍ ድሌት ከምዘለዋ ምግላጻን ብሶማልያ ተቐባልነት ከምዝረኸበን ጸብጻባት የመልክቱ። ኢትዮጵያ ብወገና እዚ ኵነታት ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጥር ስለዝዀነ ኣብቲ ክልል ዘይምርግጋእ ከምዘስዕብ ብምሕባር ተቓውሞኣ ኣስሚዓ።

ሶማልያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጺኡ ምህላዉ ሎሚ ወግዓዊ ቅድሚ ምግባራ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብ ዝቕጽል ምውፋር ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣየኖት ሃገራት’የን ሰራዊተን ከዋፍራ ዝኽእል ዝብል ብሶማልያ ከምዝውሰን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣእንፊቱ ነይሩ።

ብጽሒት ተሳትፎ ሃገራት ብዝምልከት ዝወሃብ ውሳነ “ምስ ሃገራዊ ረብሓን ምኽባር ልኡላዊ ግዝኣትን ሶማልያ ዝሰማማዕ ክኸውን ይግባእ” ክብል’ውን መርገጺ መንግስቲ ሃገሩ ጠቒሱ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ዓብዱልቃድር መሓመድ ኑር፡ ሃገራት ኣብቲ ካብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳ ጀሚሩ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሕ ሓድሽ ተልእኾ ንኽሳተፋ ዝዕድም ጻውዒት ብመንግስቲ ሃገሩ ወግዓዊ ከምዝግበር ሓቢሩ’ሎ።

"እዋኑ ምስ ኣኸለ፡ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ዝሳተፋ ሃገራትን ዘይሕወሳ ሃገራትን ከምኡ'ውን ዝኣትዋ ሓደስቲ ሃገራትን ወግዓዊ ክንገብር ኢና" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሶማልያ ሰራዊተን ዘዋፈራ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ብሩንዲን ዩጋንዳን እየን።