እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝኣተዋኦ ውዕል ስለምንታይ'ዩ ክሳብ ሕጂ ተደናጒዩ?
ኣብ ፈለማ ጥሪ እዚ ዓመት፡ ኣብ መንጐ እታ ንገዛእ ርእሳ ናጻ ሃገር ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን፡ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣምሳያኡ ኣፍልጦ ሃገርነት ንሶማሊላንድ መሰረት ዝገበረ መረዳድኢ ስምምዕ ከምዝተፈራረማ ይዝከር።
እቲ ስምምዕ ዛጊት ግብራዊ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግን ጠንቂ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቍርቍስ ኰይኑ፡ ብፍላይ ንሶማልያን ኢትዮጵያን ኣተፋኒኑ ኣሎ።
ሶማሊያ፡ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣተይ እያ ምስ እትብላ ሶማሊላንድ፡ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ስምምዕ ልዑላውነትን ሓድነት ዓባይ ሶማልያ ዝግህስ እዩ ብምባል ካብ ምዅናን ሓሊፋ፡ ናብ ኲናት ክመርሕ ይኽእል እዩ ብምባል ከተፈራርሕን ተሰሚዓ እያ።
እዚ ይዅን ግን እታ ካብ ዝዀነት ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ዘይረኸበትን፡ ግን ከኣ ብዅሉ መለክዒታት ሃገራዊ መዋቕራት ከምዘለዋን ዝንገረላ ሶማሊላንድ፡ ዝመጸ ተቓውሞን ጸቕጢን ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ነቲ ዝኣተወቶ ስምምዕ ግብራዊ ካብ ምግባር ድሕር ከምዘይትብል፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሙሳ በሂ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ድሕሪ ክልተሰሙን ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት እዩ ነዚ ዝበለ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝተባህለ ስምምዕ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዘሎ ዝተሓተተ እቲ ፕረዚደንት፡ “ዝዀነ ነገር ከይተቐየሮ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ፤ ኣብ ምርድዳእ እዩ ዘሎ። ኵሉ ወገን ግብራዊነት እቲ መረዳድኢ ሰነድ፡ ዝፍረመሉ ግዜ እዩ ዝጽበ ዘሎ፡” ብምባል እቲ 10 ኣዋርሕ ሓሊፍዎ ዘሎ ስምምዕ ከምዘይተቐየረ ኣፍሊጡ።
ሶማልያ፡ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ፡ ምስታ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ወጥሪ ዘላ ግብጺን፡ ምስታ ካብ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ዝምድናታተን እናተበላሸወ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ስምምዕ ምትሕብባር ፈሪማ እያ።
እቲ ሰነድ ምርድዳእ ምስተኸተመ፡ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ፡ “ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣንጻር ኢትዮጵያ ጐስጓስ ኣካይዱ” ብምባል፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ ፈሪማ ዝብል ምጕት ከምዘልዓለ ኣመልኪቱ፡ እቲ ስምምዕ ግን ምስ ግዝኣት ሶማልያ ዘይኰነስ ምስ ሓንቲ ናጻ ሃገር [ሶማሊላንድ] እዩ፡ ብምባል ኣነጺሩ።
“ንሕና ምስ ኢትዮጵያ ኢና ተሰማሚዕና። [ፕረዚደንት ሓሰን] ናትና እዩ ናብ ዝብሎ መሬት ክኸይድ ወይ ክቈጻጸር ከምዘይክእል ይፈልጥ እዩ። ን34 ዓመታት ክልተ ዝተፈላለያ ናጻ ሃገራት ኢና፤ ክልተ መንግስታት ኢና፤ ነዚ ኸኣ ኵሉ ዝፈልጦ እዩ” ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ስምምዕ እቲ ዘይምርድዳእ ከምዝኸረረ ዘመልከተ ፕረዚደንት ሙሳ፡ “ኲናት ተሓሲቡ ነይሩ” እውን ኢሉ።
“ግብጺ ክትኣቱ ተገይሩ፤ ቅልውላው ስዒቡ፤ እዚ ድማ ካልእ ተወሳኺ ጉዳይ እዩ። ፍታሕ ኣይክኸውንን'ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። “ፕረዚደንት ሓሰን ክልተ ዝተፈላለና መንግስታት ምዃንና ተረዲኡ ምሳና ክዛረብ እንተዝመርጽ ጽቡቕ ምዀነ” ብምባል፡ ሶማልያ፡ ሕቶ ሃገርነት ሶማሊላንድ ተቐቢላ ንእትገብሮ ዝርርብ ኣፍደገና ርሑው እዩ ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ጉዳይ መሬት ሶማሊላንድ ዝዀነ ከምዘይምልከቶ ብምጥቃስ፡ እቲ “ንኢትዮጵያ መሬት ሂቦምዋ” እናበለ ዝዛረቦ ዘሎ ጉዳይ ኣይምልከቶን እዩ ክብል ይምጕት።
ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሶማላውያን ኣለዉ፤ ኣብ መንግስቲ ከይተረፈ ቦታ ዘለዎም ኣለዉ። ስለዚ፡ ንምንታይ እያ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፈሪምኩም ኢላ ትኸሰና ዘላ?” ክብል ሕቶ ኣቕሪቡ።
እቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክወዳደር ዝሸባሸብ ዘሎ ፕረዚደንት ሙሳ፡ ኣብ መንጐ ሶማልያን ግብጺን ዝተበጽሐ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ሕቶን ድሌትን ሃገርነት ህዝቢ ሶማሊላንድ ንምግታእ ዝዓለመ ምዃኑ ከምዝኣምን እውን ገሊጹ።
እቲ ዓመት ተገማጊሙ ዘሎ ክሳብ ሕጂ ግብራዊ ዘይኰነ ስምምዕ ምኽንያቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ሙሳ በሂ፡ ዓለምለኻዊ ስምምዓት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ናብ ባይታ ንምውራዱ እዅል ግዜ ከምዘድሊ ኣመልኪቱ።
ኣተሓሒዙ ድማ፡ እቲ ብወገን ሶማልያ ዝተገብረ ጸቕጢ፡ ኣብ ምድንጓይ ግብራውነት እቲ መረዳድኢ ሰነድ ዝዀነ ዕንቅፋት ከምዘይፈጠረ ብምግላጽ፡ “እቲ ስምምዕ ብናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕ ይኸይድ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲአን ሃገራት እየን ዝውስና፡” ብምባል ኣብ ኢድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን እዩ ዘሎ ክብል ኣስሚሩሉ።
ነታ ምስ ሶማልያ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝፈረመት ግብጺ ኣመልኪቱ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ምስሕሓብ ብጉዳይ ፈለግ ኣባይ ንሶማልያ ትጥቀመላን ናብ ኲናት ትጐታ ከምዘላን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሙሳ፡ እታ ናይ ገዛእ ርእሳ ጸገማት ኣለዋ ዝበላ ግብጺ፡ ንሶማልያ ናብቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ቍርቍስ ከተእትዋ ቅኑዕ ከምዘይኰነ ብምግላጽ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስምምዕ ኣብ ርእሲ’ቲ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ግጭት ንሶማሊላንድ ዝዓለመ ምዃኑ’ውን ከሲሱ።
“እቲ ቅማረ ንግብጺ ተጠቒምካ፡ ስምምዕ ጸጥታ ብምግባር ኣብ ሶማሊላንድ ምኽሳብ እዩ። ንገዛእ ርእሳ ኣብ ሽግር ዘላ ግብጺ ግን ካብዚ ጸገም ኣይትረብሕን እያ። ስለዚ እቲ ትዅረት ኣብቲ ስምምዕ ዘይኰነስ ሓሰን [ፕረዚደንት] ንግብጺ ኣንጻር ሶማሊላንድ ክጥቀመላ ምድላዩ እዩ።”
ኣብ ጉዳይ ናጽነት ሶማሊላንድ ምስ ዝዀነ ወገን ከምዘይዘራረብን ሕድገት ከምዘይገብርን ብዙሕ ግዜ ዝስማዕ ፕረዚደንት ሙሳ በሂ፡ ቅድሚ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ምፍራሙ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ነዚ መርገጽ ከምዘረጋገጸሉ እውን ኣነጺሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ መረዳድኢ ስነድ ቅድሚ ምፍራሙ ሒደት መዓልታት፡ ሙሳ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ጅቡቲ ከምዝተራኸበ ብምዝካር፡ “ውሑዳት ቃላት ኢና ተለዋዊጥና፣ ኵሉ ሰብ ይፈልጦ እዩ፣ 'ሶማሊላንድ ናጻ ሃገር እያ' ክንብል እንከለና ሓሰን ሸኽ ግን 'ንሶማልያ ክመቕላ ኣይክእልን እየ ኣካልና ክትኰኑ ኢኹም፡’ ኢሉ መሊሱ፡” ይብል።
ሶማሊላንድ፡ ብወግዒ ከም ሃገር ተፈላጥነት’ኳ እንተዘይረኸበት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ባይቶን መንግስትን፡ ባጤራ፡ ማእከላይ ባንክን ሰራዊትን ኣለዋ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብኣብነት ከምዝጥቀስ ዝንገረሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ፕረዚደንታዊ መረጻ ተካይድ፤ ሎምዘበን ድማ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ከተካይዶ ኣብ ምድላው ትርከብ።