እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝብል ክሲ ሞቓድሾ መልሲ ሂባ
ሓይልታት ኢትዮጵያ ናብ ውሽጢ ሶማልያ ብምእታው መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክትብል ሞቓድሾ ዘቕረበቶ ክሲ ኣዲስ ኣበባ ነጺጋቶ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዱሎው ኣብ ዝተባህለት ከተማ "ሓይልታት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ፈጺሞም" ክብል ኮኒኑ ነይሩ።
እቲ መግለጺ "ሓይልታት ኢትዮጵያ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 4፡00 [10፡00] ኣብ ዱሎዉ ኣብ ዝርከብ መደበር ሰራዊት ሶማልያ ዘይምኽኑይ ትንኰያን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲን ኣካይዶም" ይብል።
"እዚ ኰነ ኢልካን ብውጥንን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ መደበራት ሰራዊት ሶማልያ፣ ኤጀንሲ ሃገራዊ ድሕነትን ሓይሊ ፖሊስን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ" ክብል'ውን ኣነጺሩ።
እቲ መጥቃዕቲ "ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሶማልያ ሞትን መጉዳእትን ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ መጉዳእቲ ከም ዘስዓበ" ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝቘሰሉ ግን ኣይጠቐሰን።
እቲ መግለጺ ወሲኹ "እዚ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ሶማልያ ብመሰረት ስምምዕ ኣንካራ መስርሕ ሰላም ከሐይል ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎን፡ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝለኣኸሉን እዋን እዩ ተፈጺሙ" ኢሉ።
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሶማልያ ዓሊ ዑመር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ትማሊ ሰኑይ ንወግዓዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘምርሐ ተገሊጹ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ['X'] ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ልኡኽ "ኣብ ስምምዕ ኣንካራ ንዝተኣተወ ቃል ንምድልዳል" ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸደ የመልክት።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ብሓይልታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ንውዕል ኣንካራ፣ ሕግታት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ከምኡ'ውን ንጉርብትና ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝጥሕስ'ዩ" ብምባል፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ስቕ ኢሉ ከም ዘይርእዮ ከምኡ'ውን ንልኡላውነቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ከም ዘኽብር ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብ ከተማ ድሎው ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ "ሓቂ ኣይኰነን" ብምባል ክነጽጐ እንከሎ፡ በቲ ዝቐረበ ክሲ ከም ዝተሻቐለ ሓቢሩ።
"እዚ ፍጻመ ነቲ አብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝርአ ዘሎ ምምሕያሽ ዝምድናታት ክዝረግ ካብ ዝደልዩ ባእታታት ዝድረኽ እዩ" ኢሉ።
እቶም "ሳልሳይ ወገን" ክብል ዝጠቐዕሶም ብስም ዘይተጠቕሱ ኣካላት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ክፍጠር ከም ዝደልዩን ብቐጻሊ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰላም ይዘራርጕዎ ከም ዘለውን ከሲሱ።
እዞም ኣካላት፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንካራ ብዝገበርኦ ስምምዕ ንሰላም ዘለወን ቅሩብነት ከናውጽዎ "ክፍቀደሎም የብሉን" ክብል'ውን ኣተሓሳሲቡ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመሳሰልቲ ክስታት ንምክልኻል ኣብ ኣገደስቲ ኣጀንዳታት ምስ ዝምልከቶም ትካለት ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ብሓባር ክሰርሕ'ዩ" ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ይዝከር።
ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ነቲ ስምምዕ "ታሪኻዊ" ብምባል፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት "ሰላምን ምትሕግጋዝን ንምምጻእ ቀዳማይ ስጉምቲ" ከም ዝኸውን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ገይሩ።
ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ
ብተዛማዲ ዜና፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ልኡኽ ተልእዀ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክካተቱ ምዃኖም ምዝራቡ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብጺ ባድር ዓብደላቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ብመሰረት ካብ መንግስቲ ሶማልያ ዝቐረበ ሕቶ፡ ግብፂ ኣብ ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ክትሳተፍ ወሲና ኣላ" ምባሉ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ልኡኽ ምርግጋእን ደገፍን ሕብረት ኣፍሪቃ [ኣፍሪካን ዩንየን ስታቢላይዜሽን ኤንድ ሰፖርት ሚሽን -(አውሶም)] ኣብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ኣውሮፓ ኣብ ሶማልያ ክዋፈር ትፅቢት ይግበር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ነበር ሙሴ ቢሂን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ክልተኣዊ ስምምዕነት ምፍራሞም ይዝከር።
ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክተፍቅደላ ከም ኣምሳያኡ ድማ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ክትህብ ምዃና እቲ ስምምዕ ይገልጽ።
ነዚ ሰነድ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክጓሃሃር ጸኒሑ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ከኣ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ኣልሲሲን መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ዝምድናኡ ኣጠናኺሩ።
ስምምዕ ኣንካራ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድን ኣብ ዝተረኽብሉ ከምዝተኸተመ ይዝከር።
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐላ እትገልጽ ቱርኪ ንክልቲአን ሃገራት ክተቀራርብን ክተዘራረብን ጸኒሓ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣውራጃ ዱሎዉ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘምርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሶማልያን ዝብሎ ነገር የለን።