ንጉስ ክሪፕቶ ሳም ባንክማን-ፍራይድ፡ ብገበን ምትላል ን25 ዓመታት ተፈሪዱ

ሳም ባንክማን-ፍራይድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መሻርኽትን መስራትን ናይቲ ፍሹል ክሪፕቶ ኤክስቸንጅ ኤፍቲኤክስ፡ ሳም ባንክማን-ፍራይድ፡ ንዓማዊልን ኣውፈርትን ናብቲ ሕጂ ዝጠፈሸ ትካሉ ኣታሊሉ ብምእታው፡ ን25 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

እዚ ብይን’ዚ፡ ንውድቀት ናይቲ ኣብ 2022 ብዘደንቕ ቅልጣፈ ዝዓበየ ወናንን ኣካያድን ክሪፕቶ ኰይኑ ዝተቐልቀለ ቢልዮነር ዝድርዕ እዩ። እቲ ትካል ማዕረ ዕብየቱ ብዘደንቕ ቅልጣፈ እዩ ጠፊሹ።

ቅድሚ ምጥፋሹ ከኣ ካብ ዓማዊል ቢልዮናት ከም ዝሰረቐ ተረጋጊጹ።

እዚ ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ "ብዙሓት ሰባት በቲ ዘጋጠመ ከምዝጐሃዩ” ከም ዝፈልጥ ገሊጹ።

ቅድሚ ፍርዲ ምውሃቡ፡ "ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ይቕሬታ እሓትት። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዘጋጠመ ይቕሬታ እብል" ክብል ብትሑት ድምጺ ተዛሪቡ።

FTX ቅድሚ ምጥፋሽ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ዓለምና መናገዲ ክሪፕቶ ኰይኑ፡ ነቲ መድረኽ ሚልዮናት ዓማዊል ንዕድግን መሸጣን ክሪፕቶካረንሲ ይጥቀሙሉ ነይሮም።

ኣብ 2022፡ ወረታት ፋይናንሳዊ ጸገም ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠቀምቲ ስምባደ ፈጢሩ፤ ምፍንጃርን ምሩኽማሽን ናይቲ ትካል ኣቀላጢፉ፡ ንገበናት ባንክማን-ፍራይድ ድማ ኣቃሊዑ።

ንሱ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኒውዮርክ ብምትላልን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ውዲት ምፍጻሙ፡ ካብ ዓማዊል ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ወሲዱ ኣባይትን ካልእን ብምግዝኡን ፖለቲካዊ ወፈያታት ብምግባሩን ተፈሪዱ።

ዳኛ ሉዊስ ካፕላን ብሓሙስ ነቲ ፍርዲ ቅድሚ ምንባቡ፡ ብዛዕባ ባህርያት ባንክማን-ፍራይድ ተሪር ገምጋም ኣቕሪቡ። ፍራይድ፡ እቲ ተግባር ገበን ምዃኑ ይፈልጥ ምንባሩ፡ ግን ምስክርነት ክህብ እንከሎ ነቲ ጉዳይ ክሳብ ናይ መጨረሻ ደቒቕ ካብ ዓማዊል ገንዘብ ከምእተወስደ ይፈልጥ ከምዘይነበረ ገይሩ ከቕርቦ ከምዝፈተነን ከምዝሓሰወን ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ባንክማን-ፍራይድ፡ እቲ ተግባር ገበን ምዃኑን ብዛዕባ ክሳራ ዓማዊል ይፈልጥ ምንባሩን፡ እንተዀነ፡ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ገበናት ፈጺሙ ክነሱ ናይ ጣዕሳ ቃል'ውን ተዛሪቡ ኣይፈልጥን’ዩ" ክብል እቲ ዳኛ ተዛሪቡ።

ባንክማን-ፍራይድ ን25 ዓመት ማእሰርቲ ምፍራዱ ነዊሕ እኳ እንተመሰለ፡ ብመሰረት ወግዓዊ መምርሒታት መንግስቲ ግን ን100 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራል፡ ንውሕ ዝበለ ፍርዲ ምሃብ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ንፈራዶ ሓቢሮም። ይዅን እምበር፡ ባንክማን-ፍራይድ ንሕጊ ደፊሩ ዓቢ ምትላል ብምፍጻሙ እንተወሓደ 40 ዓመት ክእሰር መጒቶም።

ብኣንጻሩ ጕጅለ ጠበቓታት ባንክማን-ፍራይድ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ዝበጽሕ ቀሊል ፍርዲ ክወሃቦ ይግባይ ክብሉ ትጽቢት ይግበር።

ንሳቶም፡ እቲ ሰብ ጎነጻዊ ዘይምዃኑ፡ ንመጀመርታ ግዜ ገበን ምፍጻሙን ናይ አእምሮ ጸቕጢ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ዓማዊል ካብቲ ተኣዊጁ ዘሎ ክሳራ (ባንክራፕሲ) ብመንገዲ ቤት ፍርዲ ደሓን ዝዀነ ገንዘብ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ይምጕቱ።

ጠበቓኡ ማርክ ሙካሲ፡ ትማሊ ሓሙስ ንግሆ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ "እቶም ግዳያት ገንዘቦም ክምለሰሎም ይደልዩ ኣለው፡ ክረኽብዎ ድማ ይግባእ። ስለዚ ኣበርቲዑ ክሰርሕን ገንዘቦም ክመልሰሎምን ፍርዲ ክወሃብ ይግባእ" ክብል ተኻቲዑ።

ሕጂ ኣብ ሮተንበርግ ሊፕማን ሪች ጠበቓ ኰይኑ ዝዓይ ዘሎ ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ነበር ሚቸል ኤፕነር፡ በቲ ውሳነ "ኣዝዩ ከምዝተገረመ" ብምግላጽ፡ ባንክማን-ፍራይድ ድሕሪ ኣስታት 13 ዓመታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

ኣብ ዌስተርን ኒው ኢንግላንድ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ሕጊን ክኢላ ገበን፡ ጀኒፈር ታውብ ግን ንውሓት ናይቲ ፍርዲ ግቡእ እዩ ክትብል ገሊጻ።

"ዕድሚኡን ገበናቱን ዘገናዘበ ቅኑዕ ሚዛን'ዩ" ትብል።

ዳኛ ካፕላን ኣብቲ ናይ ፍርዲ መደረኡ፡ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ኣድላዪ ከምዘይኮነ፡ ግን ከኣ ባንክማን-ፍራይድ ኣብ መጻኢ ገበናት ንኸይፍጽም እኹል መቕጻዕቲ ክረክብ ኣለዎ ኢሉ።

"እዚ ሰብ፡ ኣብ መጻኢ ኣዝዩ ሕማቕ ነገር ክገብር ኣብ ዝኽእለሉ ሓደጋ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ሓደጋ ኣይኮነን" ይብል።

ባንክማን-ፍራይድ ንግዳያት ንምኽሓስ ክውዕል ዝኽእል 11 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል እውን ተኣዚዙ’ዩ።

ፍራይድ፡ ነቲ ብይን ብዙሕ ዝረአ ግብረ መልሲ ኣይሃበሉን።

ሳም ባንክማን-ፍራይድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ወለዱ ከኣ፡ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "በቲ ፍርዲ ልብና ተሰይሩ እዩ፡ ንወድና ድማ ክሳብ መጨረሽታ ክንቃለሰሉ ኢና" ኢሎም።

ባንክማን-ፍራይድ፡ ኣብቲ ምሕደራ ጌጋታት ከምዝተፈጸመ እኳ እንተኣመነ፡ ንሱ ግን ብጽቡቕ ድሌት ይሰርሕ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ቅድሚ እቲ ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኤፍቲኤክስ ጥፈሻ ክእውጅ እንከሎ ንዓማዊል ገንዘብ ክመልስ እኹል ገንዘብ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ እዚ ክፋል ዛንታ’ዚ "ብግቡእ ዝተነግረ" ኣይመስለንን ክብል ተዛሪቡ።

“ዓማዊልና ብኣይን ብዙሓት መሳርሕተይን ተጎዲኦም እዮም። እዚ ከኣ ናይ ብሓቂ ዘቐንዙ እዩ” ኢሉ።

ባንክማን-ፍራይድ ንዓማዊል ጥራይ ዘይኮነስ ንከም ካሮሊን ኤሊሰንን ጋሪ ዋንግን ዝርከቡዎም፡ ኣብ እዋን ፍርዲ ኣንጻሩ ዝመስከሩን ኣብ መደረኡ ዝነኣዶምን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ነበር፡ ተስፋ ብምቝራጹ ከምዝሓዘነን ሓቢሩ።

"ኵሎም ናይ ብሓቂ ተወፍዮም ጽቡቕ ነገር ሰሪሖም፡ ኣነ ግን ኣግዲዐዮም፡ እቲ ተግባር ከኣ ኣይከቕስነንን’ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ብዙሓት ዓማዊል ኤፍቲኤክስ ነበር፡ ስድራ ቤት፡ ፈተውቲ ወለዱን ዝርከቡዎምን ካልኦትን ፍጹም ዘይፈልጦም ዓሰርተታት ሰባት ነቲ ቤት ፍርዲ [ብይኑ ንምንካይ] ዓሰርተታት ሰባት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ደብዳበታት ኣቕሪቦም ነይሮም።

እቲ ትካል ብሚልዮናት ዶላር ክኸስር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ኤፍቲኤክስ ን200 ኣውፈርቲ ዝውክል ዝነበረ ሶፍትዌር ዲቨሎፐር ዊንሰንት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳሙኤል ሃፓክ፡ እቲ ውሳነ "ፍትሓዊ" ኮይኑ ከምዝስምዖ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ብዙሕ'ዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኢንዱስትሪ ኣሰራርሓኡ ንከሐይሎ ከምዘለዎ ዘረድእ ርትዓዊ ምልክት’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ኢሉ።

ዳኛ ካፕላን፡ ባንክማን-ፍራይድ ኣብ ዝለዓለ ጸጥታ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ፍርዱ ከሕልፍ ከምዘይመክር ገሊጹ።

ጉዳይ ባንክማን-ፍራይድ ካልኦት ኣካየድቲ ስራሕ ክሪፕቶን ክሲ ዝገጥሞም ትካላትን ብቐረባ ይከታተልዎ ነይሮም።

ኣብዚ ናይ ክሪፕቶ ኢንዱስትሪ ግን ናይ መጀመርታ ዝተፈርደ ሰብ ኣይኮነን።

ምስ 'ክሪፕቶኲን' "Cryptoqueen" ሩጃ ኢግናቶቫ ዝሰርሐ ካርል ሰባስቲያን ግሪንዉድ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ናይ ምትላል ባጤራ ዋንኮይን ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ንኽገብሩ ኣብ ምእማን ብዝነበሮ ተራ ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ኣብቲ ስራሕ ዝተሳተፈ ጠበቓ እውን ን10 ዓመት ተፈሪዱ።

እዚ ጉዳይ ምስቲ ብ64 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምትላል፡ ገበነኛ ኰይኑ ምስተረጋገጸ ን150 ዓመታት ክእሰር ዝተፈርደ በርኒ ማዶፍ ዝወዳደር እዩ።

ኣብ ልዕሊ ማዶፍ ኣብ ዝቐረበ ክሲ ዝተጣበቐ ሕጂ ኣብ ዋክተል ሚስሪይ ዝሰርሕ ዘሎ ጠበቓን ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ነበር ማርክ ሊት፡ ኣብ መንጐ እቶም ክልተ መደናገርቲ ዓቢ ፍልልይ ከምዝረኣየ ብምግላጽ፡ ማዶፍ ክፍረድ ከሎ ካብ ባንክማን - ፍራይድ ብዕድመ ዝዓበየ ምዃኑ፡ እቲ ገበን ኣብ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፈጸሞ ኣጸቢቑ ካብ ዝፈልጦም ሰባት ኣታሊሉ ገንዘብ ዝወሰደ ምዃኑ ዝተፈልየ ይገብሮ ይብል።

"ቤት ፍርዲ ብመገዱ ነቲ ናይ ገበን ዓይነት ፍልልይ ኣብ ግምት ኣእትዩዎም'ዩ። እቲ ሕጂ ዝተዋህበ ምኽንያታዊ ፍርዲ ብይግባይ ክቕየር ተኽእሎ ዘሎ ኣይመስለንን" ኢሉ።