ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሑድ 27 ሰባት ሞይቶም

ባርዕ ሓዊ ዘጥፍኡ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, @mchs_official

ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ግዝኣት ዳጊስታን ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ብዘጋጠመ ነትጒን ባርዕን ብውሑድ 27 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ነትጒ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካስፒያን ኣብ እትርከብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ማካችካላ እዩ ኣጋጢሙ።

ብሰንኪ እቲ መበገሲኡ ዘይተፈለጠ ሓደጋ ካልኦት ዓሰርተታት እውን ጉድኣት በጺሕዎም።

ካብቲ ከባቢ ዝተዘርግሑ ስእሊታት፡ እቲ በለይቲ ዘጋጠመ ሓድጋ ዝፈጠሮ ገዚፍ ብርሃንን ብዙሓት መጥፋእቲ ሓውን የርእዩ።

ሰብመዚ ብወገኖም ኣስታት 260 ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ከምዝተዋፈሩን ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ብነፋሪት ክግዕዙ ከምዝተገበረን ሓቢሮም።

ወኪል ዜና ሩስያ፡ ኢንተርፋክስ፡ ካብቶም መወትቲ ሰለስተ ህጻናት ከምዝርከቡዎም ንዶኳትር ብምጥቃስ ጸብጺባ።

ብተወሳኺ እቲ ባርዕ ሓዊ ናብ 600 ትርብዒት ኪሎሜትር ስፍሓት ከምዝተጋፈሐን ሓደጋ ተወሳኺ ነትጒ ከምዝነበረን እታ ወኪል ዜና ገሊጻ።

ጋዜጣ ኢዝቨስትያ ዝጠቐሰቶ ሓደ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ እቲ ሓዊ ብማዕዶ እቲ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዝነበረ መዕረፊ መካይን ከምዝጀመረ ተዛሪቡ።

እቲ ምስክር ዓይኒ “ድሕሪ እቲ ነትጒ፡ ኩሉ ነገር ናብ ርእስና ወዲቑ። ድሕሪኡ ዝኾነ ነገር ክንርእይ ኣይከኣልናን” ኢሉ።

ዳጊስታን ሪፐብሊክ ካብተን ንፌደረሽን ሩስያ ዘቖማ 83 ግዝኣታት ሓንቲ ኮይና ደቡባዊ ጫፍ እታ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ማካችካላ ድማ ካብ ከተማ ሞስኮ ኣስታት 1600 ኪሜ ርሒቓ ትርከብ።