እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍላይናስ ካብን ናብን ኣስመራ ጅዳ ቀጥታዊ በረራ ጀሚሩ
ስዑዳዊ መገዲ ኣየር ፍላይናስ ካብን ናብን ጅዳ ናብ ኣስመራ ቀጥታዊ በረራ ምጅማሩ ተገሊጹ።
ብረቡዕ 17 ጥሪ ነፋሪት ፍላይናስ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሐትሉ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ኣምባሳደር ስዑዲ ኣብ ኤርትራ ሳቒር ቢን ሱሌማን ኣልቁራሽ፡ ሚኒስተር መጕዓዝያን መራኸቢታትን ሃብተስላሰ ብርሃነ፡ ፕረዚደንት ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ጳውሎስ ካሕሳይን ካልኦት ሰብመዝን ተረኺቦም ምንባሮም እቲ ኤምባሲ ብትዊተር ሓቢሩ።
እቲ ናይ ትሑት ባጀት መገዲ ኣየር ሰሙናዊ ክልተ በረራታት ማለት ረቡዕን ሰንበትን ክህልዎ ምዃኑ ተፈሊጡ።
መርበባቱ ናብ ዕደጋታት ኣፍሪቃ ናይ ምስፋሕ መደብ ከምዘለዎ ዝገልጽ እቲ መገዲ ኣየር፡ እቲ ሓድሽ መስመር፡ ነቲ መገዲ ኣየራት እታ ሃገር ንዝበጽሓኦ ከተማታት፡ ኣብ 2030 ናብ 250 ክብ ንምባል ዝብል ዕላማ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ፍላይናስ ሰሙናዊ ናብ ልዕሊ 70 ውሽጣውን ኣህጉራውን መዓርፎ ነፈርቲ፡ ልዕሊ 1500 በረራት ከምዘለዎ መርበብ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር የረድእ።
ብዘይካ’ዚ እቲ መገዲ ኣየር ብ15 ጥሪ ቀጥታዊ በረራ ናብ ሙምባይ ህንዲ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ታሕሳስ ኣብ መንጐ ጅዳን ብራስለስ ቤልጅዩምን፡ ኣብ ጥቅምቲ ከኣ ካብ ሪያድን ጅዳን ስዑዲ ዓረብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ በረራታት ምጅማሩ ተገሊጹ ነይሩ።
እዚ ንቱሪዝም፡ ንግድን፡ ሃይማኖታዊ መገሻታት ሕጃን ዑምራን ኣብ ምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብዚ እዋን ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝበሩ ሓሙሽተ መገዲ ኣየራት ኣለው።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ፍላይዱባይ፡ መገዲ ኣየር ቱርኪ፡ መገዲ ኣየር ግብጽን ታርኮ ኣቭየሽንን እዮም።
መገዲ ኣየር ስዑዲ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራ ድሕሪ ምቍራጹ ኣብ መንጐ ስዑድን ኤርትራን ዝንቀሳቐሱ ገያሾ ብኻልእ ሃገራት ኣቢሎም ክሓልፉ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ 2007 ናስኣየር ብዝብል ስም ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመረ እቲ መገዲ ኣየር፡ ኣብ 2013 እዩ ስሙ ናብ ፍላይናስ ቀዪሩ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ 2023 ብደረጃ ዓለም ኣብ ተርታ ትሑት ታሪፍ ዘለዎም መገዲ ኣየራት ኣብ ራብዓይ ከም ዝስራዕ መርበብ ሓበሬታኡ የረድእ።