ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ፖለቲካ ብዛዕባ ዝተመልሰ ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሒ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ሕብረት ክርስትያን (CDU) ዝኾነ ፍሪድሪክ መርዝ ዝቕጽል ቻንስለር ብምዃን ንጀርመን ክመርሕ ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ፡ ኣብዚ ዝተኻየደ መረጻ ኣስታት 28 ሚኢታዊት ድምጺ ከምዝረኸበ ዝግለፅ ኰይኑ፡ መንግስቲ ንምቛም ምስ መን ጥምረት ክፈጥር ይኽእል ዝብል ዛጊት መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ'ዩ።
እቲ ወዲ 69 ዓመት መርዝ፡ ንነባራት ኣባላት ውድቡ ጋሻ ኣይኮነን። ምስ ገሊኦም ነባራት ፖሊከኛታት እታ ሃገር'ውን ፊት ንፊት ገጢሙ ይፈልጥ እዩ።
እንተዀነ ከምዚ ናይ ሕዚ ብፖለቲካዊ መዳይ ቀኒዑዎ ኣይፈልጥን፤ ብዙሕ ውረድ ደይብ ኣሕሊፉ'ዩ።
ብፍላይ ኣብቲ ምስ ቻንስለር ጀርመን-ነበር ኣንገላ መርከል ዝነበሮ ውሽጣዊ ንሕንሕ ብተደጋጋሚ ተሳዒሩ ነይሩ። ተስፋ ቀቢፁ፡ ካብ ፖለቲካ ክርሕቕ'ውን ውሲኑ ነይሩ።
ብመርከል ክልተ ሰለስተ ግዜ ስዕረት ዝጠዓመ መርዝ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ባይቶ ወጺኡ ናብ ስራሕ ዓለም ኣቢሉ፡ ካብ ፖለቲካ ፈጺሙ ተረሲዑ፡ 'ኣኺሉዎ ናይ ትማሊ ሰብ' ተባሂሉ'ውን ነይሩ።
ድሕሪ 20 ዓመታት
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ብ23 ጥሪ ግን፡ መርዝ ኣብ ሓደ በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል በርሊን ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመልኪቱ መደረ ክህብ እንተሎ፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ሰሚዖሞ።
ኣብ ሆቴል ዲ ሮማ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ ደገፍ ድምፂ ዝጋነን'ኳ እንተዘይነበረ፡ ምስቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበሮ ደገፍ ግን ዝወዳደር ኣይኮነን።
መርዝ፡ ወግዓዊ ፍቓድ ዘለዎ ኣብራሪ (ፓይለት) ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ኣብ መርዓ ብጻዩ ፖለቲከኛ ክርስቲያን ሊንድነር ንምስታፍ ብናይ ብሕቱ ነፋሪት ናብታ ሰሜን ጀርመን ትርከብ ውቅብቲ ደሴት ሲልት ብምኻዱ ነቐፌታት በፂሑዎ ነይሩ።
እቲ መራሒ ናይቲ ቅድሚ መረጻ ኣብ ህዝቢ ብዘለዎ ደገፍ ክመርሕ ዝጸንሐ ሰልፊ ሲ-ዲ-ዩ ዝኾነ ፖለቲከኛ ኣብቲ ሆቴል ናብ መድረኽ ክድይብ ከሎ ናይ ጭዋ ጣቕዒት ይስማዕ ነይሩ።
እቲ ነዊሕ፡ ቀጢን፡ መነጸር ዝገበረ መርዝ፡ ንስልጣን ዘለዎ ድልውነት ንምጉላሕ፡ ርግኣት፣ ንቡርነትን ንግዳዊ መንነት ዝተለባሰን ዝመስል ምርእዩነት ነይሩዎ።
ኣብዚ ደረጃ ንምብጻሕ ነዊሕን ጥውይዋይን ጉዕዞ ክሓልፍ ነይሩዎ። ሕጂ ግን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝምነዮ ዝነበረ ስራሕ ክሕዝ ዝተዳለወ ይመስል።
መርዝ ንገለ ዓመታት ከም ጠበቓ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ ግን ኩሉ ግዜ ዓይኑ ኣብ ፖለቲካ እዩ ነይሩ፡ ኣብ 1989 ድማ ኣብ 33 ዓመት ዕድሚኡ ናብ ባይቶ ኤውሮጳ ተመሪጹ።
መርዝ ኣብ መወዳእታ ኣብ 2009 ካብ ፖለቲካ ወጺኡ፡ እዚ ድማ መወዳድርቱ ኣንገላ መርከል መሪሕነት ሰልፊ ሲዲዩ ድሕሪ ምዕዋታ ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ'ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ንውድቡ ንምምራሕ ሰለስተ ፈተነታት ኣካይዱ - ቀዳሞት ክልተ ፍሽለታቱ ኣብ 2018ን ጥሪ 2021ን ኢዩ። ጠንቂ ውድቀቱ ድማ ናብቲ ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላ ዝርከብ ህዝቢ ወሪዱ ክጉስጉስ ብዘይምኽኣሉ ዝሰዓበ ምዃኑ'ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።
ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታት
መርዝ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ኣይኰነን፤ ብዙሕ ትፅቢት ዝግበረሉ ዘሎ።
መራሒ ናይታ ማእከል ቁጠባዊ ስሕበት ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾነት ጀርመን ምዃን'ውን ንባዕሉ ኣብታ ኣህጉር ቀሊል ዘይኮነ ትጽቢት ዝፈጥር'ዩ።
ነታ ብቕልውላው ሓድነት ተጠቒዓ ዘላ ኤውሮጳን፡ ሕብረት ኣውሮጳን ክሕክማ ተስፋ ይግበረሉ ኣሎ።
ብሰንበት ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳን ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዘለዎ ተዳስነት ከምዘጥፍአ ዝነቐፈ መርዝ፡ እታ ኣህጉር ናይ ባዕላ ምክልኻል ከተሐይል ከምዝግባ ምዝራቡ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ነይሩ።
ንጀርመን ሓያል መሪሕነት ከምፀአላን፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ንብዙሕ ፀገማት ሃገሩ ክፈትሕን ቃል ኣትዩ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብደገፍ ናይ ሕሉፋት-የማናውያን ኣብ ባይቶ ሕግታት ስደት ንምጽናዕ ዝገበሮ ፃዕሪ ከም ነታጒ እዩ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ።
ከምኡ ብምግባሩ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ነዊሕ-ዕድመ ዘለዎ ሰልፊ ዘይተለምደን ከም ነውሪ ዝቑፀርን ብምዃኑ ከም ድፍረት'ዩ ተቖጺርሉ።
ነባር ርእዮተ-ዓለም (ስነሓሳብ) እቲ ውድብ ጥሒሱ፡ ጠላዕ ክፃወት ዝኽእል ሰብኣይ ምዃኑ'ውን ኣመስኪሩ።
እዚ፡ ሰልፊ ሲዲዩ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ መወዳድርቱ ኣንገላ መርከል እንከሎ ዝነበሮ ዝያዳ ማእከላይ መርገጺ ዝተፈለየ ምዃኑ ኣነጺሩ'ሎ።
መርዝ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሕጊ ክቕይሮ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ምፍራስ መንግስቲ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ዝተበገሰ ጎስጓስ መረፃ ክዕብልል ኣኽኢሉዎ እዩ።

ውልደትን ዕቤትን
መርዝ፤ ኣብ ምዕራብ ጀርመን ከተማ ብሪሎን ብ1955 ካብ ፍሉጣት ዓቃባውያንን ካቶሊካውያንን ስድራቤት ተወሊዱ።
ኣቡኡ ከም በዓልቲ ቤት ፍሪድሪክ መርዝ ሻርሎት ክሳብ ሎሚ ከም ዳኛ ናይቲ ከባቢ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
እቲ ንእሽቶ መርዝ ገና ኣብ ቤት ትምህርቲ እንከሎ እዩ ናብ ሰልፊ-ሲዲዩ ተጸንቢሩ።
ቅድሚ 25 ዓመት ምስ ጀርመናዊት ጋዜጣ ታገስፒገል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ካብቲ መንቅብ ዘይብሉ ዝመስል ድሕረባይታኡ ፍልይ ዝበለ መንእሰይ ምንባሩ'ዩ ኣመልኪቱ።
ገለ ካብቲ ብንእስነት ዝተደረኸ ዘይእዱብ ተግባራቱ ድማ፡ ኣብ ጐደናታት ብሞተርብሽክሌታ ምስ መዛንኡ ምቅድዳምን ኣብ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ክፍሊ ብድሕሪት ኮይኑ ካርታ ምጽዋትን ይርከቦ።
ኣብቲ ዝተማህረሉ ቤትምህርቲ ኣብ ዝርከብ መካነ-እንስሳ-ባሕሪ (ኣኳርዮም) ምስ ብጾቱ ምሻን'ውን ሓደ ካብቲ ጽዩቕ ተግባሮም ምንባረ ይእመን።
ገለ መተዓብይቱ ግን፡ ክሳብ ክንድ'ቲ ዝሩግ ከምዘይነበረን፡ እቲ ዝኸፍአ ዝብሃል ባህርያቱ ካብ 'ንዓይ ስምዑኒ' ምብል ዝሓልፍ ከምይነበረ'ዮም ዝምስክሩ። ገለ'ውን፡ ቢራ ዝፈቱን ምስ ሰብ ምቕራብ ዝፈቱን ምዃኑ ይዛረቡ።
ድሕሪ ትምህርቲ ድማ ሕጊ ቅድሚ ምጽናዑን ኣብ 1981 ምስ ብጻዩ ተማሃሪት ሻርሎት ጋስ ምምርዓዉን ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣትዩ።
እቶም ሰብሓዳር ሰለስተ ቆልዑ ከምዝወለዱ'ውን ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







