ኬንያ፡ ሬሳ ራይላ ኦዲንጋ ንምቕባል ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ጥሒሶም ዝኣተዉ ደገፍቲ

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኬንያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓዘንተኛታት ኣስክሬን ራይላ ኦዲንጋ ንምቕባል ይጽበዩ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኬንያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓዘንተኛታት ኣስክሬን ራይላ ኦዲንጋ ንምቕባል ይጽበዩ ኣለዉ

ሬሳ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ራይላ ኦዲንጋ ንምቕባል ኣብ ዝተኣኻኸቡ ኣልቀስቲ ናብ ውሽጢ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብምእታው በረራታት ኣተዓናቒፎም።

እቲ "ጥንቃቐ ውሕስነት" ንምርግጋጽ ንክልተ ሰዓታት ዝተዓጸወ ማዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ፡ እቲ ኩነታት ምስ ሃድአ ናብ ንቡር ኣገልግሎት ከምዝተመልሰ ሰብመዚ ሓቢሮም።

ሬሳ እቲ ትማሊ ኣብ ህንዲ ኣብ ሕክምና እንከሎ ዝዓረፈ ውሩይ ፖለቲከኛ፡ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ኣትዩ።

ሰብመዚ፡ ሓዘንተኛታት ናብ ዝተዳለወሎም ቦታታት ክኣትዉ ከም ዝኸኣሉን እዚ ድማ ጕጅለታት ጸጥታ ስርዓት ንምሕላውን ድሕነት ንምርግጋጽን፡ "ብጥንቃቐ ምዕጻው" ከም ዝተገብረ ገሊጾም።

"ህዝብን ገያሾን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃቦም ርግእ ኢሎም ክጸንሑን ናብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ምኻድ ክቍጠቡን ይመዓድ፡" ይብል ኤጀንሲ ኣቭየሽን ዝሃቦ መምርሒ።

ኣብታ ሃገር ናይ 7 መዓልታት ናይ ሓዘን ግዜ ተኣዊጁ ኣሎ። ኦዲንጋ ምሉእ ወተሃደራዊ ክብሪ ብዘለዎ ናይ መንግስቲ ስነስርዓት ቀብሪ ከም ዝፍጸመሉ ፕረደዚንት ዊልያም ሩቶ ተዛሪቡ።

እቲ '"ኣቦ ደሞክራሲ ኬንያ" ተባሂሉ ዝግለጽ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ መበል 80 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ ትማሊ ምንጭታት ስድራቤት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ኦዲንጋ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ እንከሎ እዩ ብ15 ጥቅምቲ ዓሪፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ገለ ካብ ኣባላት ስድራቤቱን መቕርቡ ፖለቲከኛታትን ንዅነታት ጥዕናኡ ኣመልኪቱ ክበሃል ዝቐነየ እኳ እንተ ነጸጉዎ፡ ዝተፈላለየ ግምታት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ክብ ዝበለ ቦታን ሓያል ናይ ምውዳብ ክእለትን ዝነበሮ ራይላ ኦዲንጋ፡ ንሓሙሽተ ግዜ ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ ኣይተዓወተን። ነፍስወከፍ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ዝተገልጸሉ ድማ ይነጽጎን ዓወቱ ከም ዝተሰርቀን ይምጕት ነይሩ።

ኣብ ምርጫ 2017፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኬንያ ንዓወት ኡሁሩ ኬንያታ ብምስራዝ እቲ ምርጫ ዳግማይ ክካየድ ኣዚዙ።

እንተዀነ፡ ንዳግማይ ምርጫ ብምንጻግ ኣብ ኣገባብ ምርጫ ጽገና ክግበር ሓቲቱ።

ኦዲንጋ ንነዊሕ ዓመታት መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኰይኑ ክጸንሕ እንከሎ፡ ኣብ ሓሙሽተ ፕረዚደንታዊ መረጻታት ተሳዒሩ።

እቲ ብብዙሓት ኬንያውያን "ባባ" ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ኦዲንጋ፡ ፈታዊ ኵዕሶ እግሪን ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝን ደፈፊ ጋንታ ኣርሰናል ኰይኑ፡ ሉዎ ካብ ዝብሃሉ -ኣብ ኬንያ ዝዓበየ ብሄር - ዝመጽአ እዩ።

እቶም ሚሒር ፍቕርን ክብርን ዘለዎም ደገፍቱ ድማ ከም "ኣግዋምቦ" (ተግባር ኣምላኽ)ን "ቲንጋ" (ትራክተር)ን ዝኣመሰሉ ሳጓታት ኣሂቦምዎ - እዚ ካብቲ ኣብ ምርጫ 1997 ዝነበረ ምልክት ዝመርሖ ሰልፊ ዝተወስደ እዩ-።

ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ኦዲንጋ ሚኒስተር ፍትሒ ነበር ማርታ ካሩዋ ምኽትሉ ገይሩ ተወዳዲሩ።

በዚ፡ ሰፊሑ ተቐባልነት ረኺቡ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ጓል ኣንስተይቲ ምክትል ገይሩ ብምምራጽ ፈላመይቲ ለስ ዝነበረት።

ኦዲንጋ፡ ከም ወራሲ ፖለቲካ ድሕሪ ናጽነት ፈላማይ ምክትል ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ኣቡኡ ጃራሞጊ ኦዲንጋ እዩ ዝርአ።

ኣብ ፕረደዚንታዊ መረጻ ኬንያ ዓወት ዘይቀንዖ ራይላ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንኣቦ መንበር ኮሚሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ውድድር ሕጹይ ኰይኑ ቀሪቡ ምንባሩ ይዝከር።