'ምምካን ይሕሸና' ኢለን ሻምብቈ ማህጸነን ዝለጕማ ዘለዋ ደቀንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Nelly Naisula Sironka
ኔሊ ናይሱላ ሲሮንካ፡ ውላድ ተመንያ ኣይትፈልጥን።
እዚ ዳሕራይ ክትመልሶ ዘይትኽእል ውሳነ እታ ጓል 28 ዓመት ኬንያዊት፡ ሕጂ ንሓዋሩ ከም ዘይትጠንስ ኣረጋጊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ 'ቱባል ላይጌሽን' [tubal ligation] ተባሂሉ ዝፍለጥ ንሓዋሩ ማዕጾ ኣደነት ዝህርህር፡ መስርሕ ምምካን ሓሊፋ።
"ሓራ ዝወጻእኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡" ኢላ።
ክኢላ ልምዓት ትካል ዝዀነት ኔሊ፡በዚ መገዲ መጻኢኣ ምሉእ ብምሉእ ናታ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸት ትዛረብ።
እቲ መብጣሕቲ ንሻምብቆታት ማህጸን ጓል ኣንስተይቲ ብምዕጻው ጥንሲ ዝከላኸል ኰይኑ፡ ሓሓሊፉ "ምእሳር ሻምብቈታት" ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓደ እንቋቑሖ ካብ ማህጸን ተፈቲሑ ብሻምብቈ ማህጸን ኣቢሉ'ዩ ናብቲ ማህጸን ዝኸይድ።
ካብ 2020 ክሳብ 2023ን ኣብ ኬንያ ኣስታት 16 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ሻምብቈታት ማህጸነን ክዕጾ ከም ዝገበራ ሓበሬታ ምኒስትሪ ጥዕና የመልክት።
ካብዚአን ግን፡ ክንደየኖት'የን ፈጺመን ዘይወለዳ ዝብል ንጹር ኣይኰነን።
ይዅን እምበር ክኢላ ሕክምና ማህጸን ዶክተር ኔሊ ቦሲረ፡ ኣብ ኬንያ ዓይነት እዚ ኣገልግሎት ደልየን ዝመጽኣ ዘለዋ ደቀንስትዮ ይቕየር ከም ዘሎ ትዛረብ።
"ቅድሚ ሕጂ፡መብዛሕትአን ምእሳር ሻምብቈታት ደልየን ዝመጽኣ ድሮ ብዙሓት ቈልዑ ዝወለዳ ደቀንስትዮ'የን ነይረን። ውሑዳት ቈልዑ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣገባብ ክመርጻ ንርኢ ኣለና።"
እዚ ውሳነ ናብ ንቡር ክትመልሶ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ስጕምቲ ዝወስዳ ደቀንስትዮ ኣብ መጻኢ ምስአን ስጋዊ ዝምድና ዘለዎ ቈልዓ ክወልዳ ከም ዘይደልያ ርግጸኛታት ምስ ዝዀና ጥራይ እቲ ኣገልግሎት ክረኽባ እዩ ዝምከር።
"ሓካይም ምልቋም ሻምብቈ ኣየተባብዑን እዮም፤ ምኽንያቱ ጸኒሕካ ንድሕሪት ክትመልሶ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ፡" ትብል ዶ/ር ቦሲረ።
ኔሊ ናይሱላ፡ ብዙሕ ኣባላት ስድራ ካብ ዘለዎ ቤተሰብ'ኳ እንተመጽአት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ቤተሰብ ክትምስርት ግን ዝዀነ ጸቕጢ ተሰሚዑዋ ኣይፈልጥን።
ኣብ ኬንያ፡ ልክዕ ኣብ ሕብረተሰብ ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበለ ማሕበረሰብ ዘለወን ሃገራት፡ ደቀንስትዮ ቈልዑ ክወልዳ ልዑል ትጽቢት'ዩ ዝግበር።
ኔሊ፡ኣቦኣ ኣብ ትምህርቲ ከተተኩር ስለ ዘተባብዓ - ፍቕሪ ንባብ ድማ ስለ ዘውረሳ ካልእ ኣይትደልን።
ከም በዓል ቶኒ ሞሪሰን፡ ኣንጀላ ዳቪስን ቤል ሁክስን ዝኣመሰላ ኣመሪካውያን ፈሚኒስት ጸሓፍቲ ዝጸሓፍኦ መጻሕፍቲ ኣረኣእያኣ ክሰፍሕ ጽልዋ ገይሮም'ዮም።
"ምስ ዛንታታት ህይወት ቈልዑ ዘይብለን ደቀንስትዮ ተላልየ'የ። እዚ ድማ ህይወት ብዘይውላድ'ውን ምንባር ከም ዝክኣል ክግንዘብ ገይሩኒ፡" ትብል።
ኔሊ፡ ሕጂ ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ጾታዊ ዓመጽ ንምውጋድ ዝሰርሕ ትካል 'ፈሚኒስትስ' ትሰርሕ።
ምምካን፡ ንዓመታት ክትሓስበሉ ድሕሪ ምጽናሕ ምጥናስ ርጉእ ስራሕን እዅል ገንዘብን ምስ ረኸበት እቲ መስርሕ ክትሓልፎ ወሲና።
እዚ ኣገልግሎት፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ሆስፒታል 30 ሽሕ ሽልን ኬንያ (230 ዶላር) እዩ ዝሓትት።
ኔሊ ናይሱላ፡ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ደቀንስትዮ ኣብ 2022 ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ምስ ስኣና፡ ኣብ መላእ ዓለም መሰል ደቂ ኣንስትዮ ይህሰ ከም ዘሎ ተሰሚዕዋ ።
እዚ ድማ ንውሳነኣ ጸልይዎ።
ጓለንስተይቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣካላት ናይ ምቁጽጻር መሰላ ትንፈግ ድያ ዘላ ዝብል ስግኣት ፈጢሩላ።
"ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃን ኣመሪካን፡ ብራኸ ፋሽሽትን ምልካውያን ስርዓታትን ተራእዩ'ዩ፡ ኬንያ ናይዚ ኣብነት'ያ፡" ክትብል ትምጕት።
ብዛዕባ ውሳነኣ ንስድራኣ ክትነግሮም እንከላ፡ ውላድ ኣይደልን ዝብል እምነት ስለ ዝጸንሓ ኣይሓደሶምን።

ምንጪ ስእሊ, Muthoni Gitau
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ቈልዓ ክወልዳን ክጠንሳን ከም ዘይደልያ ብግልጺ ዘዕልላ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣለዋ።
እዚ ምርጫ ብዙሓት እናዀነ'ውን ይመጽእ ኣሎ።
ሙቶኒ ጊታው ሓንቲ ካብኣተን እያ። ሙቶኒ ዲዛይነርን ፖድካስተርን እያ።
ኣብ መጋቢት ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝዘርግሓቶ ቪድዮ፡ ሻምብቈ ማህጸና ክልቈም ከም ዝገበረት ገሊጻ።
"ንመጀመርታ ግዜ ቈልዓ ኣይደልን ክብል እንከለኹ፡ ቈልዓ ዓሰርተ ዓመት ዝነበርኩ ይመስለኒ፡" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብቲ እዋን ኣደኣ ኣዝያ ነፍሰጾር ስለ ዝነበረት፡ ብዛዕባ መጻኢኣ ብሃንደበት ንዝቐረበ ሕቶ ከም ብዋዛ ኣይደልን ክትብል ገይሩዋ።
"ብዛዕባ መጻምደይ ክኸውን ዝደልዮ ይሓስብ ነይረ፤ ውላድ ግን ፈጺመ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን።"
ልክዕ ከም ኔሊ፡ ሙቶኒ ህይወተይ ንዓይ ክነብሮ ኣለኒ ዝብል ድልየታ ዝደረዀ ውሳነ'ዩ።
ጽልዋ ከም ዘሕድረላ እትገልጾ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት ድሕሪ ምፍታን፡ ዝያዳ ነባሪ ፍታሕ ደልያ።
ጓል 23 ዓመት እንከላ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ምልቋም ሻምብቈ ንሓኪም ከተማኽር እንከላ፡ ተቓውሞ ገጢሙዋ።
ውላድ በረኸት ኣምላኽ'ዩ ዝብል ለበዋታት ተዋሂቡዋ።
እቲ ሓኪም፡ "ቈልዓ ዝደሊ ሰብ እንተገጠመኪ'ኸ? ኢሉ ሓቲቱኒ፡" ትብል፤ ብዛዕባኣ ገዲፉ ብዛዕባ "ሓደ ዘየለ ሕልማዊ ሰብ" ኣብ ግምት የእቱ ምንባሩ ኣይተዋሕጠላን።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ እትደልዮ ቅድሚ ምፍጻማ ዓሰርተ ዓመታት ተቘጺሮም።
ዶክተር ቦሲረ፡ እዚ ኣብ ኬንያ ሓደ ርኡይ ብድሆ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ሓካይም ኣተሓሳስባኦም ክቕይሩን ሓደ ተገልጋሊ ብዛዕባ ጥዕናኡ ውሳነታት ናይ ምውሳድ መሰሉን ክንእዱን ኣለዎም ትብል።
"እዚ ምስ ባህልና ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ሰባት ደቀንስትዮ ክወልዳ ዘይ ምድላየን ንቡር ከም ዘይኰነ ይእመን።"
ካልእ ኬንያዊ ሓኪም ማህጸን ዶክተር ኪረኪ ኦማንዋ፡ እቲ ጕዳይ ኣብ መንጐ መሳርሕቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ሰባትን ኣዝዩ ኣካታዒ ጕዳይ ከም ዝዀነ ተኣሚኑ።
"ክሳብ ሕጂ ውዱእ ኣይኰነን፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሙቶኒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ውጥን ስድራቤት ዝህብ ዘይመንግስታዊ ትካል ብምኻድ ነቲ እትደልዮ ዓይነት ኣገልግሎት ሓቲታ።
ንውሳነኣ ዝድግፍ ምኽንያታት ዝሓዘ ዝርዝር ኣቕሪባ።
"እቲ ሓኪም ኣዝዩ ሕያዋይ እዩ ነይሩ።"
ኣብዚ እዋን እታ ጓል 34 ዓመት መንእሰይ ብውሳነኣ ሕጕስቲ'ያ።
"ደቂ ኣንስትዮ ብኻልእ ብዙሕ መገድታት ንዓለም ኣበርክቶ ክገብራ ይኽእላ እየን -ግድን ምሉእ ወዲ ሰብ ብምዕባይ ክኸውን የብሉን። ምርጫ ኣብ ዘለወሉ ዘመን ይነብር ምህላወይ ክኣ ዕድለኛ'የ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







