እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ ብሪጣንያን ካልኦት መሓዙትን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓቕለን ተጸንቂቑ ድዩ?
ድሕሪ'ቲ ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ ኢንግሊዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነበራ ዓቕሊ ዝተጸንቀቐ ይመስል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመርን ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ዴቪድ ላሚን ንኣባላት ባይቶ መግለጺ ኣብ ዝሃብሉ እዋን፡ ቍጥዐ የስምዑ ነይሮም።
ሰር ኬር ኣብ ቓዛ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ህጻናት ዘሎ ደረጃ ስቓይ "ዘይጽወር" እዩ ኢሉ።
እስራኤል ውሑድ ሓገዝ ክትፈቅድ ዝወሰደቶ ውሳነ ድማ፡ "ፍጹም እኹል ኣይኰነን" ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ እስራኤል እትወስዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክዓቢ ብዝወሰደቶ ውሳነ "ከም ዝሰንደበ፡" ሓቢሩ።
ላሚ ተመሳሳሊ ቋንቋ ተጠቒሙ፡ ኵነታት ቓዛ "ዘስካሕክሕ" እዩ ኢሉ።
ንሱ፡ ነቲ ቓዛ ካብ ሲቪላዊ ህዝባ ክትጽረግ ኣለዋ ዝብል ብሚኒስተር ፋይናንስ እስራኤል፡ ቤዛለል ስሞትሪች ዝቐረበ ሓሳብ "ኣሰቃቒ" ክብል ኰኒንዎ።
ተግባራት እስራኤል፡ እታ ሃገር ካብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፈተውትን መሻርኽትን ክትንጸልን "ኣብ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ክሃስስን፡" ምዃኑ ላሚ ገሊጹ።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ምስ እስራኤል ዘለዎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዝምድና ዘመሓድረሉ ምስ እስራኤል ዘካየዶ ስምምዕ ሕብረት ይግምግም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ፖሊሲ ጕዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ ዝበዝሓ ኣባላት ነቲ ን25 ዓመታት ዝጸንሐ ስምምዕ ዳግማይ ጠመተ ክግበረሉ ከም ዝድግፉ ገሊጹ።
ብሰኑይ፡ ብሪጣንያ ምስ ፈረንሳን ካናዳን ብምዃን፡ ንወተሃደራዊ ስጕምቲ እስራኤል ብምኹናን፡ ሰብኣዊ ኵነታት ቓዛ እንተዘይጸዲቑ "ተወሳኺ ጭቡጥ ስጕምቲ" ክውሰድ ምዃኑ ኣጠንቂቐን፤ ብተሪር ቃላት ዝተጻሕፈ ሓባራዊ መግለጺ ድማ ፈሪማ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ብዓባይ ብሪጣንያ ሓዊሱ ብ27 ለገስቲ ሃገራት ዝተፈረመ ኰይኑ፡ ነቲ ብእስራኤል ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ሓድሽ ሞዴል ኣወሃህባ ሓገዝ ቓዛ ኰኒኑ።
እቲ ሞዴል ንሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ነተን ዝጸንሓ ሰብኣዊ ትካላት ብሰራዊት እስራኤል ብዝድገፋ ሲቪላውያን ኮንትራክተራት ንምትካእ ዝዓለመ እዩ።
ሕቡራት ሃገራትን ለገስቲን፡ እቲ ሓድሽ ሞዴል ቅንዕና ዝጐድሎን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን'ዩ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐን ዝተፈተነን ኣህጉራዊ ስነ-ማሕድሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትክእ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ይገልጹ።
ወኪል ናይ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቓዛ ዝንቀሳቐሳ ትካላት ረድኤት ዝዀነ ሰብኣዊ ፋውንዴሽን ቓዛ "ፍጹም ዘይበቕዐ" ምዃኑን፡ እስራኤል ንሰፊሕ ምዝንባል ሓገዝ፡ ሓማስ ተሓታቲ ምዃኑ ዝድግፍ መርትዖ ኣቕሪባ ከም ዘይትፈልጥ ሓቢሩ።
ሓደ ምዕራባዊ ዲፕሎማት፡ ኣብ ሊበራላዊት ጋዜጣ ሃሬትዝ እስራኤል፡ ነቲ ሓድሽ ሞዴል "ጽሉል ውጥንን፡ ፍጹም ዕብዳንን" ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ፈረንሳ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብሓባር ኣብ እተአንግዶ ዋዕላ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህባ ምዃና፡ ብሪጣንያ እውን ነዚ ክትስዕብ ገለ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።
እዚ እንተዘይኰይኑ'ዉን፡ ደገፍቲ እስራኤል ይቑጥዑ ከም ዘለዉን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ "ሰረገላታት ጊዴዎን" ተባሂሉ ዝሰመዮ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ክልተ ሚልዮን ሲቪላት ቓዛ ንሓደጋ ጥሜት ኣብ ዝተቓልዑሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ሕሰም ከየስዕብ ተሰጊኡ እዩ ዘሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከይተረፈ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዞባዊ ዑደቱ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ "ብዙሕ ሰብ ብጥሜት ይመውት ኣሎ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ኔታንያሁ፡ ካብ ገለ ጽኑዓት መሓዙት እስራኤል ከይተረፈ ደገፍ ይስእን ኣሎ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኮንግረስ ኣይሁድ ዓለም፡ ፕረዚደንት እቲ ትካል ሮናልድ ላውደር ንሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ነቒፉዎ።
ላውደር፡ ናታንያሁ ንምንታይ ነዚ ዝዓግት ሓደ ነገር ዘይገብር ብምባል፡ "እስራኤል እትገብሮ ኵሉ ዝበለጸ ነገራት ብስሞትሪች (በዛለል ዮኤል ስሞትሪች እስራኤላዊ ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛን ጠበቓን ኰይኑ፡ ካብ 2022 ጀሚሩ ሚኒስተር ፋይናንስ ኰይኑ ዘገልገለ) ይጠፍእ ኣሎ፤ ምኽንያቱ ንቓዛውያን ምጥማይን ዕንወት ክስዕብ ምግባርን ኢሉ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ መላእ ዓለም ተቓሊሑ'ዩ፡" ኢሉ።