እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሓማስ 'ደቂ ከልቢ' ክብል ዝጸረፈ መራሒ ፍልስጤም
ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ንጕጅለ ሓማስ "ደቂ ኸልቢ" ክብል ብምግላጽ ነቶም ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ሰባት ክፈትሖም ጠሊቡ።
ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ ብዛዕባ ኵነታት ቓዛ ብቑጠዐ ዝተሰነየ መግለጺ ሂቡ።
ጕጅለ ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕን ምምሕዳር እታ ወሽመጥ ነቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ከረክብን ድማ ጸዊዑ'ሎ።
እቲ ድሕሪ ሓያለ ዓመታት ብወገን ዓባስ ዝወሃብ ዘሎ ተሪር መግለጺ ንብዙሓት ወገናት ኣገሪሙ'ሎ።
ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ እቲ ፕረዚደንት "ጽዩፍ ቋንቋ" ብምጥቃም "ንዓቢ ክፋል ህዝቡ" ምጽራፉ ኮኒኑ።
እቲ ንፍሉጥ መራሒ ፍልስጤም ያሲር ዓራፋት ብምትካእ ስልጣን ዝተረከበ ዓባስ፡ ብሰንኪ ተግባራት እቲ ጕጅለ ህዝቢ ቓዛ ግዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝዀነ'ዩ ዝኸስስ።
ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ብእስራኤል ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ምቍራጽ ተዂሲ ነጺግዎ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ እማመ፡ እቲ ጕጅለ ዕጥቂ ክፈትሕን፡ ንሽዱሽተ ሰሙን ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር፡ ከምኡ'ውን 10 ካብቶም ኣብ ጅሆ ዝርከቡ 59 ሰባት ክፈትሕን ዝብል ይርከቦ።
ወሽመጥ ቓዛ ካብ 2007 ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቍጽጻር ናይቲ ብሓማስ ዝተመስረተ ምምሕዳር'ያ ጸኒሓ።
ምምሕዳር ፍልስጤም ብዛዕባ እስራኤል ኣብ ቓዛ ከተካይዶ ዝጸንሐት ኣዕናዊ ኲናት ተሪር ተቐውሞን ግብረመልሲን ብዘይምሃቡ ብብዙሓት ፍልስጤማውያን ክንቀፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዓባስ ኣብ ከተማ ራማላህ ኣብ ዝሃቦ ቍጠዐ ዝሓዘለ መደረ፡ ዕጡቓት ሓማስ ብረቶም ከረክቡ ተማሕጺኑ።
"ሓማስ ንገበናዊ ጎበጣ [እስራኤል) ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ገበናት ክትፍጽም ምኽንያት ሂቡዋ ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ካብቲ "ምኽንያታት" ድማ ሰባት ጅሆ ምሓዙ'ዩ።"
"ኣቱም ደቂ ኣኽላባት፡ ዝዀነ ዝሓዝኩሞ ሰብ ፍትሕዎ፡ ብእኡ ወድኡ። ምኽኒታቶም ዕጽውዎ መሓሩና፡" ይብል እቲ ጸርፊ ዝተሓወሶ መግለጺ ዓባስ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ጕጅለ ኣጽዋሩን ሓላፍነት እታ ወሽመጥን ንምምሕዳሩ ኣረኪቡ፡ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክልወጥ ተማሕጺኑ።
ኣባል ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ሓማስ ዝዀነ ባሰም ናይም ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ንዓቢ ኣካሉ ዝዀነ ህዝቡ ብኸምዚ ዓይነት ጽዩፍ ቋንቋ ምግላጹ" ዘለዎ ነቐፌታ ከምዝገለጸ ኤ-ኤፍ-ፒ ጸብጺቡ።
"ዓባስ ተደጋጊሙን ብዘጠራጥር ኵነታትን ንገበናት ጎበጣን ዝቕጽል ዘሎ ወራርን ኣብ ልዕሊ ህዝብና የንብሮ ኣሎ" ይብል እቲ መራሒ ሓማስ።
ኣብ መንጐ ማሕሙድ ዓባስ (ኣቡ ማዘን) ዝመርሖ ውድብ ፋታሕን ሓማስን ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ምትፍናን ከምዘሎ ይፍለጥ። እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ምትፍናን ድማ ፍልስጤማውያን ኣብ ሓደ ምምሕዳር ከይጥመሩ ዕንቅፋት ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ወዲ 89 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ማሕሙድ ዓባስ ብዓይኒ ፍልስጤማውያን ጽልዋኡ ዝሃሰሰ ምዃኑ'ዩ ዝንገረሉ።
ኣብ 2005 ፈለማ ናብ ስልጣን ዝደየበ ኣቡ ማዘን፡ ምርጫ ከይገበረ ንዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽንሑ፡ ልሙስ መሪሕነት ብምሃቡን ብብልሽውናን'ውን ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
ሓማስ ብወገኑ፡ ምምሕዳር ፍልስጤም ምስ እስራኤል ከምዝወገነ'ዩ ክምጕት ዝስማዕ።
እቲ ግዳያት ጅሆ ክፍትሑን ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብታ ዝተኸርደነት ወሽመጥ ክኣቱን ዘኽኣለ ቀዳማይ ምቁራጽ ተዂሲ ድሕሪ ምብቅዑ፡ እስራኤል መጥቃዕታ ዳግማይ ምጅማራ ይፍልጥ። ካብ ፈለማ መጋቢት ጀሚሩ'ውን ረዲኤት ናብ ቓዛ ከይኣቱ ኣጊዳ'ያ።
እቲ ስጕምቲ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ግዳያት ጅሆ ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ጸቕጢ ንምፍታሕ ዝተወስደ ምዃኑ'ዮም ሰብመዚ እስራኤል ዝገልጹ።
ኣብዚ ዳግማይ ዝተጀመረ መጥቃዕታት ጥራይ ኣስታት 2000 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ የመልክቱ።
ሕቡራት ሃገር ከምዝብሎ፡ እቲ 53 መዓልታት ዝገበረ እገዳ ሰብኣዊ ረዲኤት ነቲ ኣስታት 2.1 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ እታ ወሽመጥ "ንኽድሕን ዘድልዮ መሰረታዊ ነገራት" ከይረክብ ሓሪምዎ ከምዘሎ የጠንቅቕ። ድሮ ጥምየትን ሕጽረት ቀረባት ሕክምናን ከጋጥም ጀሚሩ ከምዘሎ'ውን ይሕብር።
ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን እስራኤል ነቲ ዕጽዋ ደው ከተብሎ ትማሊ ረቡዕ ጸዊዐን ነይረን። ኣብቲ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ እታ ሃገር ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምኽባር ንሲቪላውያን ረዲኤት ክበጽሕ ከተፍቅድ ተማሕጺነን።
እስራኤል ግን ንኣዋርሕ ከጽንሕ ዝኽእል ሰብኣዊ ረዲኤት ኣቐዲሙ ናብታ ወሽመጥ ከምዝኣተወ ብምግላጽ ዝጠሓሰቶ ዓለምለኻዊ ሕጊ ከምዘየለ'ያ ትምጉት።
ኲናት ቓዛ፡ ድሕሪ'ቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ'ዩ ተወሊዑ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ብዕጡቓት ሓማስ ክቕተሉ እንከለዉ፡ 251 ድማ ጅሆ ክተሓዙ ተወሲዶም።
እስራኤል፡ ካብታ መዓልቲ ጀሚራ ኣብ እትቕጽሎ ዘላ ሓያል ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ድማ ልዕሊ 51,300 ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና እታ ወሽመጥ ይገልጹ።