ዕዉት ምስግጋር ኵሊት ሓሰማ ዝተገበረሉ ፈላማይ ሰብ ዓሪፉ

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ንመጀመርታ ግዜ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ኵሊት ሓሰማ ዝተቐየረሉ ውልቀ ሰብ ከምዝዓረፈ ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደ ሕክምና ኣፍሊጡ።

ወዲ 62 ዓመት ሪቻርድ ሪክ ስለይማን ንነዊሕ ዓመታት ብሕማም ኵሊት ይሳቐ ስለዝነበረ’ዩ ኣብ መጋቢት ምምሕያሽ ዝተገበረላ ኵሊት ሓሰማ ተተኪኣትሉ።

ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደ ሓፈሻዊ ሕክምና ማሳቹሰትስ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጠንቂ ሞቱ ምስቲ ምቕያር ኵሊት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ዘርኢ ምልክታት ከምዘየለ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ናይ ሓሰማ ውሽጣዊ ኣካላት ኣመሓይሽካ ኣብ ሰብ ምጥቃም ዝተገበረ ፈተነታት ክፈሸል ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ሪቻርድ ሪክ ስለይማን ዝተኻየደ ፈተነ ግን ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ እቲ ዕዉት ካብ ሓሰማ ናብ ሰብ ዝተገበረ ምስግጋር ውሽጣዊ ኣካላት ተባሂሉ ክምዝገብ ክኢሉ።

ሪቻርድ ሪክ ስለይማን ብዘይካ ሕማም ኵሊት ብርቱዕ ጸቕጢ ደምን ሽኮርያን’ውን ነይርዎ’ዩ።

ሪቻርድ ኣብ 2018 ካብ ሰብ ዝተለገሰሉ ኵሊት’ኳ ተገይርሉ እንተነበረ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት እቲ ሕማሙ ናብቲ ዝነበሮ ስለዝተመለሰ እታ ኵሊት ከምእትእለ ተገይራ።

ኣብ 16 መጋቢት ዝተመሓየሸት ኵሊት ሓሰማ ምስ ተቐየረትሉ ግን ሓካይሙ ካብ ሕጂ ንደሓር ‘ድያሊስስ’ ከምዘየድልዮ’ዮም ነጊረሞ።

ሓፈሻዊ ሕክምና ማሳቹሰትስ ድሕሪ ሞት ሪቻርስ ሪክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሞቱ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ብምሕባር፡ “ሞያ ‘ዜኖትራንስፕላንተሽን’ ካብ ዝነበሮ ንኽብርኽ ምሉእ እምነት ኣንቢሩ ድልዉነቱ ስለዘረጋገጸ ንዘልኣለም ክዝከር ክነብር’ዩ። ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ተመሳሳሊ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ከኣ ተስፋ ዘሪኡ’ዩ” ኢሉ።

‘ዜኖትራንስፕላንተሽን’ ካብን ናብን ምስግጋር ዋህዮታንን ኣካላትን’ዩ።

ስድራ ሪቻርድ ሪክ ስለይማን ዛንታኡ ንብዙሓት ተስፋ ዘስነቕ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡“ነቲ መጥባሕቲ ክካየደሉ ክፈቅድ እንከሎ ነቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ዘለዎም ኣሽሓት ሰባት ተስፋ ንምሃብ’ዩ” ኢሎም።

እቶም ስድራ ኣስዒቦም፡ “ስለይማን እታ ክገብራ ዝግብኣ ገይሩ’ዩ። ንብዙሓት ተስፋ ኣስኒቑ ከኣ ሓሊፉ ኣሎ። ለዋህ፡ ተዋዛያይ፡ ንስድርኡ፡ ንየዕርኸቱን ንመሳርሕቱን ውፉይ’ዩ ነይሩ” ክብሉ ገሊጾም።

ቅድሚ ናይ ሪቻርድ ሪክ ክልተ ሰባት ዝተመሓየሸ ኵሊት ሓሰማ’ኳ ተቐይርሎም እንተነበረ፡ ክልቲኦም ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰሙት ስለዝሞቱ ስለይማን እዩ ከም ፈላማይ ዕዉት ምስግጋር ኵሊት ሓሰማ ኰይኑ ዝውሰድ።