ፍሉይ ሓይሊ ምዕራባውያን ኣብ ዩክረይን ከምዘሎ ልሒዅ ዝወጸ ሰነድ ኣቃሊዑ

ልሒዅ ዝወጽአ ሰነድ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ዝርከብዎም ወተሃደራት ኣብ ዩክረይን ከምዝርከቡ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ትሕቲ 23 መጋቢት ዝብል ዝተጻሕፎ ሰነድ ሰፊሩ ዝርከብ ኣሃዝ፡ ዓባይ ብሪጣንያ 50 ወተሃደራት፡ ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝዀነት ላቲቭያ 17 ወተሃደራት፡ ፈረንሳ 15 ወተሃደራት፡ ኣሜሪካ 14 ወተሃደራት ሆላንድ ከኣ ሓደ ወተሃደር ኣብ ዩክረይን ኣዋፊረን ከምዘለዋ ተጠቒሱ ኣሎ።

እቲ ቍጽሪ ኣዝዩ ውሑድ’ኳ እንተዀነ ፍሉያት ሓይልታት ውጽኢታውያን ተዋጋእቲ ስለዝዀኑ፡ እታ ምስ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ’ምበር ምስ ዩክረይን ጥራይ ትዋጋእ ከምዘየላ ክትገልጽ ዝጸንሐት ሩስያ፡ ዓቢ መርትዖ ክዀና’ዩ።

እዚ ልሒዅ ዝወጸ ሰነዳት፡ ‘ዝልዓለ ምስጢር’ ዝብል ዝተጻሕፎ ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ዘለዎ’ዩ።

ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክትፍጽሞ ትሸባሸበሉ ንዘላ መልሰ መጥቓዕቲ’ውን ብዝርዝር ኣቐሚጡ ኣሎ።

ኣሜሪካ እቲ ሰነድ ካብ ምንታይ ከም ዝልሓኸ ክትምርምር ጀሚራ ከምዘላ ገሊጻ ኣላ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ላሎይድ ኦስቲን፡ ነዚ ሰነዳት ዘውጽአ ሰብ ንምፍላጥ መርመራ ከምዝተጀመረ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ሚኒሰተር፡ “መርመራና ክንቅጽል ኢና፡ እቲ ምንጭን ስፍሓቱን ክሳብ ንፈልጦ ዘይንፍንቅሎ እምኒ ኣይክህሉን’ዩ” ኢሉ።

ኣብቲ ሰነድ፡ እቶም ኣብ ዩክረይን ኣለዉ ዝተበሃሉ ፍሉያት ሓይልታት ኣበየናይ ክፋል ዩክረይን ከምዘለዉን ዕማሞም እንታይ ምዃኑን ኣይጠቅስን’ዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቡ ርእይቶ የለን፤ እንተኾነ ትማሊ ሰሉስ ብትዊተር፡ እዚ ምስጢራዊ ሰነዳት እናተበሃለ ዝዝርጋሕ ዘሎ ጽሑፋት ‘ዓበይቲ ጌጋታት’ ስለዝህልዎ ኣንበብቲ ጥንቓቐ ክገብሩ ይግባእ ኢሉ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ እቲ ጌጋ ይህልዎ’ዩ ዝበሎ ሰነዳት ኣየናይ ምዃኑ ግን ኣየነጸረን።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ እቶም ሰነዳት ሓሶት ኣለዎም ደኣ ይበል’ምበር ፔንታጎን እቶም ሰነዳት ቅኑዓት ምዃኖም ምግላጹ ይንገር ኣሎ።

ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ ዓብን ዝተፈላለየን ወተሃደራዊ ክእለት ብዘለዎም ወተሃደራት ዝቘመ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ፍሉያት ሓይልታት እቲ ዝደልደለ ኣሃዱ ከምዝዀነ’ዩ ዝግለጽ።