ዩክረይን፡ 'ተወሳኺ ኣጽዋር እንተዘይቀሪቡለይ ፀረ-መጥቃዕቲ ኣይፍፅምን' ኢላ

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ እትገብሮ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ምዕራባውያን መሓዙት ሃገራት ተወሳኺ ወተሃደራዊ ደገፍ ክሳብ ዘይሰደዳ ክጅመር ከምዘይክእል ገሊጹ።

ንሱ ንሓንቲ ጃፓናዊት ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዘይ ተወሳኺ ቀረብ ታንክታት፡ መዳፍዕን ሂማርስ ሮኬት ተኮስትን ሰራዊቱ ናብ ግንባር ከምዘይሰድድ ኣፍሊጡ።

ምስ ጋዜጣ ‘ዮሚዩሪ ሺምቡን’ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኵነታት ምብራቓዊ ዩክረይን "ጽቡቕ ኣይኮነን" ኢሉ።

"ካብ መሓዙትና ተተኮስቲ ክሳብ ዝመጽእ ንጽበ ኣለና" ክብል እውን ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸረ-መጥቃዕቲ ምስ ተሓተተ ድማ፡ "ክንጅምሮ ኣይንኽእልን ኢና፤ ተባዓት ወተሃደራትና ብዘይ ታንክታት፣ መዳፍዕን ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ሮኬታትን ናብ ቅድመ ግንባር ክንሰዶም ኣይንኽእልን" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ፖለቲካዊ ድሌት እንተሃልዩኩም ነዓና እትሕግዙሉ መገዲ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኲናት ኢና ዘለና፡ ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሩስያ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትጅምር ውጥን ከምዘሎ ዝተሰምዐ ኰይኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ቀረባ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተንቢሆም ነይሮም።

ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ዩክረይን ኦሌክሳንድር ሲርስኪ ኣብዚ ሰሙን "ኣብ ቀረባ እዋን" ክፍጸም ከምዝኽእል ገሊጹ’ሎ።

ገለ ተንተንቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዩክረይን ብዛዕባ ጸረ-መጥቃዕቲ ዝዛረቡ ዘለዉ ንሩስያውያን መጋጥምቶም ንምጭንናቕ ብምሕሳብ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ።

ተንተንቲ ግን እቲ ጸረ መጥቃዕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኲናት፡ መጥቃዕቲ ሩስያ ናህሪ ክስእን ከምዝኽእል ብምግላጽ "ዩክረይን ነቲ ተበግሶ ዳግማይ ክትረክብን ኣብዚ እዋን ወሰንቲ ኣብ ዝበሃሉ ግንባራት ጸረ መጥቃዕቲ ክትጅምርን ጽቡቕ ዓቕሚ ኣለዋ" ክብል ደምዲሙ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግን ተስፋ ዝቐበጸ እዩ ዝመስል። ምዕራባውያን መሓዙት ሃገራት ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ እንተዘየቀላጢፈን እቲ ኲናት ንዓመታት ክናዋሕ ከምዝኽእል ብዙሕ ግዜ ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ሎ። እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ንባዕሉ ብሰንኪ ሕጽረት መሳርሒታት ምዕራባውያን ክድንጉይ ይኽእል እዩ ክብል ብንጹር ወግዓዊ ክገብር ግን ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ።

መሓዙት ዩክረይን ተወሰኽቲ ታንክታት፡ መዳፍዕን ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ሚሳይላትን ክሰዳ ቃል ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ገለ ሃገራት ግን ነቲ ዝኣተዋኦ ቃል ከማልኣ ክጽገማ ከለዋ፡ ገለ ሃገራት ድማ ነቲ መሳርሒ ናብ ዩክረይን ንምብጻሕ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ግዜ ይወስዳ ኣለዋ።

ምዕራባውያን ሰበስልጣናት ወተሃደራዊ ደገፍ ይመጽእ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጹ፡ ስልጠናን ትልምታትን ግን ግዜ ከምዝወስድ ይገልጹ።

ከም ረግረግ ዝመልኦ መሬት ዝበሉ ካልኦት ምኽንያታት ድማ፡ ሰራዊቱ ብቐሊሉ ምንቅስቓስ ክጅምርን ብግንባራት ሰንጢቑ ክኣትውን ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ይሕብሩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ዜጋታት ሃገሩ ብዛዕባ ጸረ-መጥቃዕቲ ዩክረይን ብፍላይ ድማ መዓስን ኣበይን ክፍፀም ከምዝኽእልን ክህልዉ ዝኽእሉ ውጥናትን ብዝምልከት ምዝራብ ደው ከብሉ ተማሕጺኑ።

ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ሃና ማልያር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ብዛዕባ እቲ ወተሃደራዊ መደባት ክገልጹ መሰል ከምዘለዎም ኣፍሊጣ።

ንሳቶም ድማ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ዋና ኣዛዚን ጥራሕ ምዃኖም ኣነጺራ።