ዝለዓለ ምስጢራዊ ሰነዳት ኣሜሪካ ብኸመይ ልሒዅ፡ ስለምንታይ?

ብዛዕባ'ቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሖም ዝረኣዩ ዘለዉ ዓሰርተታት፡ ንኲናት ሩስያ ዩክረይን ዝምልከቱ ምስጢራዊ ሰነዳት ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ካርታታት፡ ቻርትታትን ስእልታትን - እንታይ ክንገብሮም ወይ እንታይ ክንብል ንኽእል?

እቶም ብግዜ ዝተቐመጡ፡ ብዓሰርተታት ወተሃደራዊ ኣሕጽሮተ ቃላትን ዝተማልኡ፡ "ዝለዓለ ምስጢር" ምልክት ዝተገብረሎም ሰነዳት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ኲናት ዝርዝር ስእሊ ዝህቡ እዮም።

እዞም ስነዳት፡ ብዛዕባ’ቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝወረደ ጉድኣት፡ ወተሃደራዊ ተነቃፍነት ነፍሲ ወከፎምን፡ ተዛማዲ ብልጫታትን ድኽመታትን፡ ብዓቢኡ ድማ ብዛዕባ’ቲ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዝመጽእ ጸረ-መጥቃዕታ ዩክረይን ይነግሩ።

እዞም፡ ምናልባት ኣብ መመገቢ ክፍሊ ሓደ ሰብ ዝተሓትሙ ወይ ዝተጋህዱን ዝተሳእሉን ክዀኑ ዝኽእሉ ሰነዳት ሓቂ ይህልዎም ዶ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይንፈልጦ ወይ’ውን ንሩስያ ሓድሽ ዝዀነ ሓበሬታ ዝሓዙ ድዮም?

ቀዳማይ ነገር፡ እዚ ኣብቲ 14 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ዝወጽእ ዘሎ፡ ናይ መጀመረታ ዝዓበየ ምስጢራዊ ስነድ ኣሜሪካ ብዛዕባ’ቲ ኲናት እዩ። ገለኦም ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ዝዕድመኦም’ኳ እንተዀኑ፡ ትርጕሙ ግን ዓቢይ እዩ።

ሰበስልጣን ፔንታጐን እዞም ሰነዳት ናይ ብሓቂ ምዃኖም ይገልጹ።

ብዛዕባኦም ኣብ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ ድሒሩ ዝመጸ ቅዳሕ ገለ ዝተቐየረ ይመስል፤ ካብቲ ክሳብ 100 ዝበጽሕ ሰነዳት ግን፡ እዚ ብተዛማዲ ንእሽቶ ዝርዝር እዩ።

ቢቢሲ፡ ልዕሊ 20 ካብቲ ሰነዳት ርእይዎ ኣሎ። እዞም ሰነዳት፡ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ከተካይዶ ንእትኽእል [ጸረ] መጥቃዕቲ ልዕሊ ዓሰርተታት ሓደስቲ ብርጌዳት ተዳሉ ምህላዋን፡ ዝወሃብ ዘሎ ታዕሊምን መሳርሒታትን ዝርዝር ጸብጻባት ዘጠቓልሉ እዮም።

ብተወሳኺ፡ እተን ብርጌዳት መዓስ ድልዋት ከም ዝዀና ዝገልጽ ኰይኑ፡ ኵለን እተን ብምዕራባውያን መሻርኽቲ ዩክረይን ዝቐርባ ዘለዋ ታንክታት፡ ወተሃደራዊ መካይንን ከበድቲ ኣጽዋርን ይዝርዝር።

"ግዜ ምቕራብ መሳርሒታት ግን ኣብ ስልጠናን ድልውነትን ጽልዋ ከምዘሕድር" ይሕብር።

ሓደ ካርታ "ብጭቃ - [ቅዲ ሑጻ ዓይነት] ብሰሌዳ ግዜ ዝተመልከተ" ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ኣብ መላእ ምብራቓዊ ዩክረይን ንዝህሉ ኵነታት መሬት ዝድህስስ እዩ።

ድሕሪ’ቲ ብቕዓት ጸረ-ነፈርቲ ዩክረይን ዝፈተነ መጥቃዕቲ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ኪቭ ንሲቪላት፡ ወሳኒ ትሕተ-ቅርጽን ንወተሃደራታ ኣብ ቅድመ-ግንባርን ንምክልኻል ዝጸንሓ ውሱን ዓቕሚ፡ ሚዛን ክትሕዝ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ ብዛዕባ’ቲ እናንቈልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ዓቕሚ ምክልኻል ኣየራ’ውን ዘስደምም ትንታነ ኣሎ።

እዚ‘ሞ ሓድሽ ድዩ?

ብዙሕ ካብቲ ዝርዝራት ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ ሓደ ተጠቓሊሉ ዝቐረበ ካልእ ብዙሕ ግን ኣሎ።

ንኣብነት፡ ኣሃዝ ጉድኣት ንርአ፤ ኣሜሪካ ካብ 189,500 ክሳብ 223,000 ወተሃደራት ሩስያ ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝቘሰሉ ምግማታ ምፍላጥ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን።

እቲ ተነጻጻሪ ኣሃዝ ክሳራታት ዩክረይን - ካብ 124,500 ክሳብ 131,000 - ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንጋዜጠኛታት ዝተዋህበ ኣሃዛት ዝሰማማዕ እዩ።

ኣብ ክልቲኡ ጉዳያት፡ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ብሰንኪ ዘይምሉእ ሓበሬታ፡ ጸጥታዊ ጉዳያትን ምናልባት’ውን ብኽልቲኡ ወገን ንምድንጋር ተባሂሉ ኮነ ኢልካ ዝግበር ፈተነታት፡ ኣብቲ ኣሃዛት እቲ ጸብጻብ ጕድለት ንኽህልዎ ኣስተዋጽኦ ገይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

እቲ ዘገርም ግን፡ ዩክረይን ዝበኣሰ ጉድኣት ዝወርዳ ዘሎ ንምምሳል ነቶም ሰነዳት ንምስናዕ ፈተነታት ዝተገብረ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ሓደ ንሩስያ ዝድግፍ ቴሌግራም መርበብ ሓበሬታ ዝወጸ ኣሃዝ፡ ቍጽሪ “ኣብ ተግባር’ [ኣብ ቀጥታዊ ኲናት] ዝተቐትሉ ዩክሬናውያን 16 ሽሕ-17.5 ሽሕ ወሲዱ ኣብ መዝገብ ሩስያ ኣቐሚጥዎም፣ ኣብ ወገን ዩክረይን ድማ ነተን ቍጽሪታት ብምግልባጥ 61 ሽሕ ክሳብ 71.5 ሽሕ ከም ዝንበብ ገይሩ።

ዝዀነ ይዅን ግን እዚ ዅሉ ናብቲ፡ “ነዚ ሰነዳት መን’ዩ ኣልሒኹዎ፣ ስለምንታይከ?” ዝብል ሕቶ እዩ ዝመርሓና።

እቶም ሰነዳት ካብ መድረኽ መልእኽቲ ዲስኮርድ፡ ብኸመይ ናብ 4ቻንን ቴሌግራምን ልሒኾም ዝገልጽ ዛንታ፡ ድሮ ብኣሪክ ቶለር ካብ መርማሪ ጕጅለ ቤሊንግካት ተነጊሩ ኣሎ።

ቶለር፡ መበቆላዊ ምንጪ ናይቲ ሓበሬታ ክቕላዕ ከምዘይተኻእለ ይዛረብ። እንተዀነ ኣብ መጀመርታ መጋቢት ነቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ ጸወታታት ኮምፒተር ገይም ብመልክዕ ሰንጠረዥ ሰፊሩ።

ብ4 መጋቢት፡ ብዛዕባ ኲናት ዩክረን ኣብ ጸወታታት ኮምፒተር ማይነክራፍት፡ ተጻወትቲ ብተደጋጋሚ ዝበጽሕዎ ዲስኮርድ ሰርቨር ሓደ ተጠቃሚ፡ 10 ካብቶም ሰነዳት ቅድሚ ምልጣፉ፡ "ኣብዚ፡ ገለ ዝሞለቝ ሰነዳት ኣለዉ" ኢሉ ጽሒፉ።

ዘይተለምደ፡ ግን ከኣ ዳርጋ ፍሉይ ዝዀነ ላሕኲ ሓበሬታ እዩ።

ኣብ 2019፡ ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ ብሪጣንያ፡ ምስ ንግዳዊ ዝምድናታት ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት ኣብ ረዲት፡ 4ቻንን ካልኦት መርበባትን ተዘርጊሖም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ ረዲት፡ እቶም ሰነዳት መበቆሎም ካብ ሩስያ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣብ ካልእ ጉዳይ፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ ተጻወትቲ ናይቲ ብኢንተርነት ዝካየድ ጸወታ ዋር ታንደር፡ ኣብ መንጐኦም ኣብ ዝነበረ ክትዕ መን ሰዓረ፡ ተሃዋሲ ወተሃደራዊ ሰነዳት ብተደጋጋሚ ፖስት ገይሮም ነይሮም።

እዚ ናይ ሕጂ ግን ዝያዳ ተነቃፍን ኣዕናውን እዩ።

ዩክረይን "ስርሒታዊ ጸጥታኣ" ትሕሉ ስለዘላ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ ሓበሬታ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወሳኒ መድረኽ ምቕልቃሉ ፍጹም ኣይከሐጕሳን እዩ።

ተወጢኑን ተገሚቱን ዘሎ መጥቃዕቲ ጽድያ ዩክረይን፡ ንመንግስቲ ዘለንስኪ ናይ ‘ዓወት ወይ ሞት’ ህሞት ኰይኑ፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ዲናሚካዊ ለውጢ ብምምጻእ፡ ድሒሩ ንዝካየድ ዝርርብ ሰላም ላዕለዋይ ወይ ዘተኣማምን ሚዛን ሓይሊ ሒዝካ ንምቕራብ እዩ።

ሰበስልጣን ዩክረይን፡ ብዛዕባ’ቲ ብሩስያ ክካየድ ዝኽእል ወፍሪ ስኑዕ ሓበሬታ ብቐጻሊ እዮም ዘልዕልዎ።

ካልኦት ወተሃደራዊ ብሎገራት ኣንጻር’ዚ እዮም ሓሳብ ዝህቡ። እዚ ዅሉ ኣካል ናይቲ ምዕራባውያን ንኣዘዝቲ ሩስያ ንምድንጋር ዝገብርዎ ውዲት ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

እቲ ወሳኒ ነገር፡ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝወጸ ሰነዳት፡ ኣንፈት ወይ ድፍኢት ጸረ-መጥቃዕቲ ዩክረይን ዘመልክት ዝርዝር ነገር የለን።

ሩስያ፡ ድሮ ብዛዕባ ስፍሓት ምድላዋት ዩክረይን ጽቡቕ ገምጋም ወሲዳ ከም ዘላ እዩ ዝግመት (ሽሕ’ኳ ኣብዚ ኲናት ተደጋጋሚ ፍሽለት ስለያ ሩስያ እንተተራእየ)። ዩክረይን ግን እቲ ወፍሪ ከመይ ክግንፍል ከም ዝኽእል ኣቐዲማ ክትግምት የድልያ።