11 ኪሎ ግራም ሓሽሽ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ተሰፍዩ ተረኺቡ

ሰበስልጣን ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ሆንግ ኮንግ ብኤሌክትሪክ ኣብ እትንቀሳቐስ ዓረብያ ስንኩላን ተሓቢኡ ዝነበረ 11 ኪሎ ዝምዘን ኮኬይን ረኺቦም።

እቲ 1.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዕጸፋርስ፡ ወዲ 51 ዓመት ሰብኣይ ብሰንበት ብጉምሩክ ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ተረኺቡ።

እቲ ትማሊ ሰንበት ካብ ካሪብያን ሃገር ሲንት ማርተን ብፓሪስ ኣቢሉ ዝኣተወ ሰብኣይ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ነዚ ሓደገኛ ዕጸፋርስ ብምሻጥ ገበነኛ ኰይኑ እንተተረኺቡ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ጉምሩክ፡ እቲ ጥርጡር ነታ ብሞተር እትሰርሕ ዊልቸይር ክልተ ሻንጣታት መሊኡ ናብታ ሃገር ኣምጺእዋ።

ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየር ክጥርጥሩ ምስ ጀመሩ፡ ኮፍ መበሊኡን መደገፊ ሕቘኣን ዳግማይ ከም ዝተሰፍየ ምስ ኣረጋገጹ፡ ተወሳኺ መርመራ ክግበር ተኣዚዙ።

እቲ ብመሰረቱ ካብ ሆንግ ኮንግ ዘይኮነን ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ዘለዎን ሰብኣይ፡ ዳይረክተር ናይ ሓደ ኩባንያ ምክራይ መኪና ምዃኑን እታ ዊልቸይር ካብ ዓርኩ ከም ዝተለቅሓን ንሰበስልጣን ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ፍጻመ መርመራ ተጀሚሩ ኣሎ።

ነዚ ኣመልኪቶም ሰበስልጣን ጉምሩክ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ንምምካት ካብ "ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ዞባታት" ዝመጹ በጻሕቲ ዝግበር ምቍጽጻር ከበርትዑ ምዃኖም ገሊጾም።

ብመሰረት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ኣብ 2022 ኣብ ምቍጽጻር ጉምሩክ፡ 931 ሓደገኛ ዕጸፋርስ ዝተረኸበ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዓመት ዝነበረ 906 ዝበዝሐ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ገበናት ኣስታት 178 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዓረብያ ስንኩል ዝተሓብአ ሓሽሽ ክርከብ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን።

ኣብ ሕዳር፡ ሰበስልጣን ኒውዮርክ፡ ኣብ ወንበር ሓንቲ ስንክልቲ ዝተረኽበ 450 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ ኮኬይን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም።

ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሚላኖ ድማ፡ ኣስታት 1.6 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኮኬይን ኣብ ውሽጢ ብሞተር እትሰርሕ ወንበር ስንኩል ተዓሺጉ ተረኺቡ ነይሩ።