ኮርያዊ ንኽመስል ገጹ ዝቐየረ ነጋዳይ ዕጸፋርስ

ሓደ ታይላንዳዊ ነጋዳይ ዕጸፋርስ፡"ምልኩዕ ኮርያዊ ሰብኣይ" ብምምሳል ካብ ሕጊ ንምህዳም ሓያሎ መጥባሕቲ ገጽ ከምዝገበረ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ሴኦንግ ጂሚን ዝብል ቅጽል ስም ዝወሰደ ሳሃራት ሳዋንግጃንግ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ ኮንዶሚንየም እዩ ተታሒዙ።

ነቲ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክሃድንዎ ዝጸንሑ ፖሊስ "ካብቲ መቦቈላዊ ገጹ ዝተረፈ የለን" ክብሉ ገሊጾም።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ባንኮክ ንዝርከቡ ሸየጥትን ዓደግትን ዕጸፋርስ ዝኣመሰሉ ነገራት ኣብ ዝርግሑ ኣሰራት ብምድህሳስ እዮም ክሕዝዎ ክኢሎም።

መሰኻኽር ዓይኒ "ምልኩዕ ኮርያዊ ሰብኣይ" ክብሉ እዮም ዝገልጽዎ፤ ስሙ እውን ኮርያዊ ቀይርዎ እዩ ነይሩ።

ሚስተር ሳሃራት ድሕሪ ማእሰርቱ ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ ናብ ደቡብ ኮርያ ክግዕዝ ከምዝደሊ ብምሕባር "ሓድሽ ህይወት ክጅምር ደልየ ኣለኹ፤ ታይላንድ ኣሰልቺዩኒ" ኢልዎም።

ሳሃራት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዕጸፋርስ ካብ ወጻኢ ብምእታው’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ንሱ ዕጸፋርስ ብጸሊም መርበብ ሓበሬታ ክሪፕቶካረንሲ ተጠቒሙ ከም ዝኣዘዞ ከምዝረኣመነ ፖሊስ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እንተወሓደ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰብ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተኣሲሩ። ፖሊስ ድማ 290 ከኒናታት ‘ኤክስታሲ’ን 2 ኪሎ ብመልክዕ ፈሳሲ ዕጸፋርስ ኣብ ኢዱ ረኺቦም።

ኣብቲ እዋን ካብ ማእሰርቲ ሃዲሙ ካብ ፖሊስ ንምስዋር ሰፊሕ መጥባሕቲ ተገይሩሉ።

ሜጀር ጀነራል ፖሊስ ታይላንድ ቴራዴጅ ታማሱቲ "ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ለበዳ ዕጸፋርስ ባንኮክ" ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

"ንሱ ኣብ 25 ዓመት ዕድመኡ ጥራይ ኤምዲኤምኤ (MDMA) ካብ ኤውሮጳ ዝኣቱ ጐይታ ዕጸፋርስ'ዩ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝያዳ ጥርጡራት ከምዘለዉ ንኣምን። መርመራና ክንቅጽሎ ኢና" ኢሉ ታማሱቲ።

ሳሃራት ኣብቲ ቪድዮ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሆላንድ ዕጸፋርስ ከም ዘእቱ ክገልጽ እንከሎ መንነት እቶም ምስኡ ዝሰርሑ ሰባት ከም ዘይፈልጥ ወሲኹ ገሊጹ።