እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኣቦኣ ዝተቐትለት ኮዀብ ዩትዩበር
መንእሰይ ቲባ ኣል-ዓሊ፡ ኣብ ዩትዩብ ብዛዕባ ህይወታ ብዝገልጹ ፍቱው መዘናግዒ ቪድዮታት ፍልጥቲ እያ።
ኣብ 2017 ኣብ 17 ዓመት ዕድመኣ ካብ ትውልዲ ሃገራ ዒራቕ ናብ ቱርኪ ድሕሪ ምግዓዛ፡ ብዛዕባ ናጽነታ፡ ሕጹያ፡ መመላኽዒን ካልኦት ነገራትን እትገልጸሉ ቻነል ጀሚራ። ቲባ ሕጕስቲ ኰይና እያ እትርአ፤ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰዓብቲ ድማ ረኺባ።
ኣብዚ ጥሪ ንስድራኣ ክትበጽሕ ናብ ዒራቕ ምስ ተመልሰት ብኣቦኣ ተቐቲላ። እንተዀነ እቲ ቅትለት "ኣቐዲሙ ዝተሓሰበ" ከም ዘይኰነ ስለ ዝተቖጽረ፡ ኣቦኣ ንሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ ክእሰር ተፈሪዱ።
ሞት ቲባ ኣብ መላእ ዒራቕ ብዛዕባ "ቅትለት ክብሪ" ዝበሃሉ ሕጊታታ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ፤ እቲ ጉዳይ ኣብታ ዓቃባዊ ኣተሓሳስባታት ዓብላሊ ዝዀነላ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ከም ዝረኣያ ዘጕልሕ እዩ።
'ብድቁሳ ተሓኒቓ'
ቲባ ልዕሊ 20 ሽሕ ተኸታተልቲ ነይሮምዋ፡ እዚ ኣሃዝ ካብ ሞታ ጀሚሩ እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።
ንሳ መዓልታዊ ቪድዮታት ትዝርግሕን ቱርኪ ዝኸፈተትላ ሓድሽ ኣነባብራ ድማ ተስተማቕርን ነይራ።
ቲባ ኣብ ሕዳር 2021 ኣብ ዘውጽኣቶ ናይ መጀመርታ ቪድዮ፡ ትምህርታ ንምምሕያሽ ከም ዝገዓዘት፡ እንተዀነ ኣብኡ ህይወት ስለዘስተማቐረት ክትጸንሕ ከም ዝመረጸት ሓቢራ።
ብመሰረት ጸብጻባት፡ ኣቦኣ ጣይፕ ዓሊ፡ ናብቲ ናብኡ ንምግዓዝ ዝወሰደቶ ውሳነ ኣይተሰማምዐን።
ብተወሳኺ ምስቲ ኣብ ኢስታንቡል ምስኣ ዝነብር ኣብ ሶርያ ዝተወልደ ሕጹያ ክትምርዖ እውን ኣይደለየን።
ቲባ ኣብ ጥሪ ኣብ ዲዋንያ ናብ ዝርከብ ገዛኣ ክትበጽሕ ናብ ዒራቕ ምስ ተመልሰት ኣብ ስድራቤታዊ ባእሲ ከም ዝተጸምደት ይግመት።
ጣይብ ዓሊ፡ ብ31 ጥሪ ኣብ ድቃሳ ሓኒቝ ከም ዝቐተላ ጸብጻባት ይሕብሩ። ድሒሩ ንነብሱ ናብ ፖሊስ ኣረኪቡ።
ቲባ ዝተቐትለትሉ ኣባል ምምሕዳር ከባቢ፡ ኣቦኣ ኣብ ሚያዝያ ንሓጺር ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ገሊጹ።
ድሕሪ ቅትለት ቲባ፡ ኣማኢት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዒራቕ ናብ ጐደናታት ወጺአን፡ ኣብ ዙርያ "ቅትለት ክብሪ" ንዝምልከት ሕጊ ዘለወን ተቓውሞአን ኣስሚዐን።
ሕጊ መቕጻዕቲ ዒራቕ፡ "ክብሪ" ከም መቃለሊ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ንዝፍጸም ገበናት ዓመጽ ከም ዝፈቅድ ትንታነ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብር።
እቲ ሕጊ ን"ቅትለት ክብሪ" ብዝብል ምኽንያት ወይ ድማ ተኸሳሲ "ንክብሪ" ድራኸ እንተሃልይዎ ቀሊል መቕጻዕቲ ክወሃብ ይፈቅድ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዒራቕ፡ ጀነራል ሳዓድ ማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ልዕሊ ቲባ ኣል-ዓሊ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ብዓይኒ ሕጊ ገበናዊ ሓደጋ'ዩ፡ ብኻልእ ኣረኣእያ ድማ ናይ ክብሪ ቅትለት ሓደጋ'ዩ" ኢሉ።
ጀነራል ማን፡ ቲባን ኣቦኣን ንሳ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን ብርቱዕ ዘይምርድዳእ ከም ዝነበሮም ሓቢሩ።
ቅድሚ ቅትለታ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ፖሊስ ጣልቃ ክኣትዉ ከም ዝፈተኑ እውን ገሊጹ።
ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ሰብመዚ ነቲ ቅትለት ዝሃብዎ ምላሽ ምስ ተሓተተ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ጉዳይ ብዝለዓለ ደረጃ ሞያዊ ብቕዓት ሒዞምዎ፡ ነቲ ሕጊ ድማ ተግባራዊ ገይሮም" ኢሉ።
"መባእታውን ፍርዳውን መርመራ ጀሚሮም፡ ኵሉ መርትዖታት ኣኪቦም፡ ነቲ ፋይል ናብ ፍርዳዊ ኣካል ኣመሓላሊፎም ፍርዲ ኣሕሊፎም።"
'ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ደቂ ኣንስትዮ’
ቅትለት ቲባን ንኣቦኣ ዝተዋህበ ልኡም ፍርድን፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዒራቕን ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ቁጥዐ ኣለዓዒሉ’ዩ። ብመሰረት ሕጊ ዒራቕ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ካብ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝከላኸል ሕጊ ዘይምህላዉ ነቒፈን።
ንኣብነት ኣብ ዓንቀጽ 41 ገበናዊ ሕጊ ዒራቕ "ሰብኣይ ንሰበይቲ ምቕጻዕ" ከምኡ'ውን "ወለዲ... ኣብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ ህጻናት ብዝተወሰነ ደረጃ ምቕጻዕ" ከም ሕጋዊ መሰላት ይቝጸሩ።
ዓንቀጽ 409 ብኻልእ ወገን ከምዚ ይብል፡ "ሰበይቱ ዝሙት ክትፍጽም ወይ ንኣፍቃሪቱ ምስ ኣፍቃሪኣ ኣብ ዓራት ረኺቡ ብኡንብኡ ንሓደ ካብኣቶም ዝቐተለ፡ ወይ ንሓደ ካብኣቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸመ፡ ካብ ሰለስተ ዓመት ዘይበዝሕ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ይቕጻዕ።"
ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዶክተር ለይላ ሑሴን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "እዚ ቅትለታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ደቂ ኣንስትዮን ድሌት ምቍጽጻር ኣካላተን ዝምንጩ'ዩ" ኢላ።
"ቅትለት ክብሪ" ዝብል ቃል ምጥቃም፡ ነቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል። "ብገለ መንገዲ ንሞቶም ተሓተትቲ ምዃኖም ዝገልጽ ሓሳብ ዘደልድል’ዩ።"
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዓመት 5 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብኣባላት ስድራቤተን ብ"ቅትለት ክብሪ" ከም ዝቕተላ ሕቡራት ሃገራት ይግምት።
'እዚ ደው ክብል ኣለዎ'
ቲባ ምስ ተቐተለት ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ኣብ ባቕዳድ ካብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፍርዲ ወጻኢ 20 ደለይቲ ፍትሒ ሰልፊ ከየካይዳ ከልኪሎም።
"ደቂ ኣንስትዮ ምቕታል ኣቋርጹ" ከምኡ'ውን "[ዓንቀጽ] 409 ደው ይበል" ዝብል ጽሑፍ ሒዘን፡ "ኣብ ገበን ምቕታል ደቂ ኣንስትዮ ክብሪ የለን" ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዐን።
ዒራቓዊት ተቓላሲትን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ሩኣ ካላፍ፡ "ሕጊ ዒራቕ ክመሓየሽ፡ ክእረም ምስ ዓለምለኸ ውዕላት ክሰማማዕን ኣዝዩ የድልዮ" ኢላ።
እቲ ንኣቦ ቲባ ዝተዋህበ ፍርዲ "ዘይፍትሓዊ" ምዃኑን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከም መርትዖ "መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝግህሱ ድንጋገታትን ሕግታትን" ከም ዝርእዩ’ውን ሓቢራ።
ዒራቓዊት ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሓናን ዓብደልኻልቕ ብወገና፡ "መፍትሒ ክረኽባ ኣለወን፤ እዚ ደው ክብል ኣለዎ። ምቕታል ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ቀሊል ኰይኑ'ሎ" ትብል።
"ምሕናቕ፡ ምውጋእ ቀሊል ኰይኑ ኣሎ። እቲ ሕጊ ዓንቀጽ 409 ክስረዝ ተስፋ ንገብር።"
ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፋ ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ'ውን፡ ቅትለት ቲባ ዝተነጸለ ፍጻመ ከም ዘይኰነን ብዙሓት "ቅትለት ክብሪ" ከይተሓበረ ከም ዝተርፍን ኣመልኪተን።
እቲ ቅትለት ኣብታ ሃገርን ክንዮኡን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንምክልኻል ዝዓለመ ተሪር ሕግታት ብዝምልከት ዝርርባት ኣለዓዒሉ'ሎ።