እቲ ዝዓበየ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት መበል 40 ዓመት ስልጣኑ ይጽንብል

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ እቲ ብዕድማ ዝዓበየ ፕረዚደንት ፖል ቢያ፡ መበል 40 ዓመት ስልጣኑ፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ክጽንብል እዩ።
ነቲ በዓል ንምድማቕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምድላዋት ክግበር እንከሎ፡ ደገፍቱ ንዓወታት እቲ ፕረዚደንት ይጽንብሉ ኣለው።
ተቓወምቲ እቲ ወዲ 89 ዝዕድሚኡ መራሒ ግና፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድን መንበር ንሓድሽ ወለዶ ከረክብን ይጠልቡ።
ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ፖል ቢያ፡ ብዓበይቲ ግን ከኣ ዘይተተግበሩ ብዙሕ ውጥናት ይፍለጥ።
ሱር ዝሰደደ ብልሽውና ዝዓበየ ውድቀት ካሜሩን ምዃኑ ሓላፊ 'ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናልን' ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ነበርን ኣከር ሙና ይዛረብ።
“ኣብ ትካላት ዕደና፡ መን’ዮም ዓደንቲ? እንታይ የፍርዩ? ነታ ሃገር እንታይ ይኸፍሉ? ስለምንታይ ዜጋታት ብዛዕባ ወጻኢታት ሃገሮም ዘይንገሮም?” ክብል ከኣ ይሓትት።
ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኣብተን ብቐንዱ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረባ ክልተ ዞባታት እታ ሃገር፡ ኣንጻር ተነጸልቲ ኣንግሎፎን መሪር ግንባር ገጢሙ ይርከብ።
ብሰንኪ እቲ ግጭት ከባቢ ክልተ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣሽሓት ከኣ ተቐቲሎም ኣለው።
“ንሱ ንስም እታ ሃገር ካብ ‘ዩናይትድ ሪፓብሊክ’ ናብ ‘ላ ረፓብሊኲ ዱ ካሜሩን’ ቀዪርዎ ኣሎ። እዚ እታ ቋንቋ ፈረንሳ እትዛረብ ሪፓለሊክ ካሜሩን፡ ንሕና ኣብ 1961 ቅድሚ ምጽንባርና ትጽውዓሉ ዝነበረት እዩ፡” ይብል ሓደ ኣብ መገዲ ርእይቶኡ ዝሓተትክዎ ሰብኣይ።
ወሲኹ’ውን እዚ ንምዕዝምዛማት ናይ’ቶም ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዝኾኑ ዞባታት ዘጋድድ ምዃኑ’ውን ይገልጽ።
“እቲ ስርዓት ክልወጥ እንተዝፍትን ጽቡቕ ኔሩ” ዝበለት ካልእ ሰበይቲ ከኣ “ስለምነታይ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ብዕድመ ንዝነኣሰ ሰብ ዘየረክብ?” ክትብል ትሓትት።
ካልእ ሰብኣይ'ውን፡ “ነቲ ዝገበሮ ሒደት ነገራት ነድንቖ” ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ቢያ “ዘዕርፈሉ ግዜ” ምዃኑ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ቢያ ግና ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ክመውት ዝምነየሉ ዝኾነ ሰብ እንተሃልዩ፡ 20 ዓመታት ክጽበ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







