እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደት፡ ካናዳን ኣመሪካን ብዶባተን ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ ክነጽጋ ተሰማሚዐን
ካናዳን ኣመሪካን ነቶም ብዘይወግዓዊ ኣፍደገታት ክልተኣዊ ዶባተን ብምእታው ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ክነጽጋ ከምዝተሰማምዓ ሰበስልጣን ገሊጾም።
እቲ ስምምዕ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብቲ ‘ሮክስሃም ሮድ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ መሰገጋሪ ክርአ ዝጸንሐ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ዝዓለመ’ዩ።
ኣብ 2004 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ስምምዕ ነቶም ብወግዓዊ ኣፍደገታት ካብን ናብን ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ ጥራይ ዝምልከት’ዩ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ካናዳ ነቶም ብወግዓዊ ኣፍደገታት ዝኣትዉ ስደተኛታት ክትነጽግ የኽእላ’ኳ እንተነበረ፡ ነቶም ብዙሓት ብኻልእ ክፋላት ናይቲ ዶብ ተዃሊሎም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ግን ዑቕባ ክትህቦም’ያ ጸኒሓ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት በቲ ዘይወግዓዊ መስመራት ኣቢሎም ናብ ክፍለሃገር ኲበክ (ካናዳ) ክኣትዉ ምጽንሖም ይግለጽ።
እዚ ሓድሽ ስምምዕ ግን ነቲ ብዘይስሩዕ ኣገባብን ብዘይፍሉጥ ኣፍደገን ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝሰግሩ ሓተትቲ ዑቕባ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ዕድል ዝዓጹ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ካናዳ ነቲ ኣብ ደቡብን ማእከላይን ኣመሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ንምፍታሕ ንኣስታት 15,000 ካብ ጎንጽን ምግሃስ መሰላትን ዝሃደሙ ስደተኛታት ዕቑባ ዝህብ ፕሮግራም ከተውጽእ ከምዝተሰመምዐት ስሞም ዘይተጠቕሰ ሰበሰልጣን ኣመሪካ ንኤስ-ቢ-ኤስ ዝተባህለ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ተዛሪቦም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ብዛዕባ ቁጠባዊን ንግዳዊን ጉዳያት ከምኡ’ውን ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ንምዝርራብ ናብ ርእሰከተማ ኦታዋ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
ናብ ሃገሩ ቅድሚ ምምላሱ፡ እቲ ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ ደስተኛታት ብወግዒ ክግለጽ ትጽቢት ይግበር።
በቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መሰረት፡ ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ካብን ናብን እተን ሃገራት ዝመጹ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ዝመጽዎ ክመልሱ ስልጣን ክህልዎም’ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት እናወሰኸ ምምጽኡ ጸብጻባት ይገልጹ።
እቲ ኣብ 2004 ዝተፈረመ ስምምዕ (Safe Third Country Agreement-STCA)፡ ስደተኛታት ኣብታ ቀዳመየይቲ “ውሕስቲ” ሃገር (ኣመሪካ ወይ ካናዳ) ዑቕባ ክሓቱ ዘገድድ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ነቶም ብወግዓዊ ኣፍደገ ዝመጽዎም ስደተኛታት ክመልሱ ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሰብመዚ ኒውዮርክ (ኣመሪካ) ክቕበልዎም ዘይደለዩ ስደተኛታት ናይ ኣውቶቡስ ቲኬት ቆሪጾም ናብ ዶባት ካናዳ የብጽሕዎም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም ነይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ነቲ ናይ 2004 ስምምዕ ምስፋሕ ከም ቀንዲ ዕላማ ወሲዱ’ዩ ክጽዕር ጸኒሑ።
ኣመሪካ፡ ብሰንከ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ዶባታ ዘሎ ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ነቲ ስምምዕ ካብ ምፍራም ከተድሓርሕር’ያ ጸኒሓ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ዘብቅዕ፡ ኣብ ዶባት ዘሎ እገዳታት ኮቪድ-19፡ ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ሓድሽ ተሪር መምርሒ ከውጽእ ትጽቢት ይግበረሉ። ተሓለቕቲ መሰላት ግን ነቲ እማመታት ይነቕፍዎ ኣለዉ።
እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ብባይቶ (ኮንግረስ) ክጸድቕ ዘየድልዮ ብምዃኑ፡ ቀልጢፉ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ይግመት።