እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓይሻ መሓመድ ደጊማ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኰይና ተሸይማ
ዓይሻ መሓመድ ነቲ ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ብምትካእ ሚኒስተር ምክልኻል ኰይና ከም ዝተሸመት ሎሚ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
ንሳ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሽመት ተዋሂብዋ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኰይና ከም ዝሰርሐት ይዝከር።
ዶክተር ኣብርሃም በላይ ከኣ ናብቲ ዓይሻ መሓመድ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ሚኒስትሪ መስኖን ቆላን ተቐይሩ ከም ዘሎ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ዓይሻ መሓመድ ኣብ 6 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም (ኣ.ግ) ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስትይቲ ሚኒስተር ምክልኻል ተባሂላ’ኳ ተሸይማ እንተነበረት ኣብቲ ጽፍሒ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ’ያ ሰሪሓ።
እታ ሚኒስትር፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት እቲ ሽመት “ንኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ክብሪ’ዩ፤ ነቲ ኣነ ዝተወለድክሉ ከባቢ’ውን ክብሪ’ዩ፤ ንዓይ ንውልቀይ’ውን ክብሪ’ዩ” ምባላ ዝዝከር’ዩ።
ዓይሻ መሓመድ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ምስ ተቐየረት ናብቲ ቅድሚኡ ትሰርሓሉ ዝነበረት ሚኒስትሪ ህንጻ’ያ ተቐይራ ነይራ።
ካብ 10 ሚያዝያ 2011 ክሳብ መስከረም 2014 [ግ] ከኣ ሚኒስተር ልምዓትን ህንጻን ኰይና ሰሪሓ።
ቅድሚ ክልተ ዓመትን ትሽዓት ወርሕን ሓዲሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዝተመስረተሉ ከኣ ሚኒስተር መስኖን ቆላን ኰይና ተመዚዛ።እቲ ኣቐዲማ ትሰርሓሉ ዝነበረት ሚኒስትሪ ልምዓትን ህንጻን ከኣ ብጫልቱ ሳኢ ክምራሕ ጀሚሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሽዱሽተ ግዜ ምቕይያራት ኣካይዱ ኣሎ።
ንሱ መጀመርታ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ንኣቶ ሞቱማ መቃሳ ሚኒስተር ምክልኻል ገይሩ ሸይምዎ።
ኣቶ ሞቱማ ኣብቲ ስልጣን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ጸንሐ ንዓይሻ መሓመድ ሚኒስተር ምክልኻል ገይሩ ሸይምዋ።
ዓይሻ መሓመድ ከኣ ኣብ 2011 ቦትኣ ንለማ መገርሳ ኣረኪባ፤ኣቶ ለማ መገርሳ’ውን ነቲ ሚኒስትሪ ንሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ምስ መረሖ ቦትኡ ብዶክተር ቀንዓ ያደታ ተተኪኡ።
ሓጂ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ዶክተር ቀንዓ ንኣስታት ሓደ ዓመት ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ምስ ሰርሐ ቦትኡ ብዶክተር ኣብርሃም በላይ ተተኪኡ።
ዶክተር ኣብርሃም በላይ ካብ መስከርም 2014 ዓመተ ምህርት ክሳብ ሎሚ ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ብዓይሻ መሓመድ ተተኪኡ ኣሎ።