ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ብዘቕረቦ ‘ምኽሪ’ ተቘጢዓ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ጀይ ማሲንጋ ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዘተን ኣመልኪቱ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ዘይተመርኮሰ መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ ምዃኑ ብምግላጽ ምላሽ ሂቡሉ።

እቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሓሙስ 16 ግንቦት ዝወጸ ጋዜጣዊ ምላሽ፡ እቲ መግለጺ ‘ፖሊሲ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዘተን’ ብዝብል ዝቐረበ ትሕዝቶ መግለጺ እቲ ኣምባሳደር፡ ‘ክሲን ኣተሓሕዛ ጉዳያት እታ ሃገር ድማ ዘይተደለየ ምኽሪን’ እዩ ብምባል፡ እቶም ተጠቒሶም ዘለው ሓይልታት ‘ነቲ ዝተመርጸ መንግስቲ [ኢትዮጵያ] ብሓይሊ ክዓልዉ ዝፍትኑ፡ መዝገብ ገበናት ጭውያ፡ ቅትለትን ምፍጣር ራዕድን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዘለዎም እዮም ብምባል በቲ ዝተዋህበ ሚዛን ቅር ከምዝበሎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብቲ ብረቡዕ 15 ግንቦት ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ደው ክብል፡ ደረት ኣልቦ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉን ከም መበገሲ ድማ ግዝያዊ ሃገር-ለኸ ምቍራጽ ተዂሲ ክግበር እዩ ጸዊዑ።

ኢትዮጵያ ማእከል ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ምዃና መጠን፡ ኣብኡ ዝፍጸሙ ተግባራት ንመላእ እታ ኣህጉር ጽልዋ ክህልዎም፡ ክህልዎም ከም ዝኽእል ብምግላጽ ንዅሉ ዝሓቍፍን ግሉጽ ልዝብ ክህሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ ህወሓት እንተላይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንኽምለሱን ካልኦት ዘይተፈትሑ ጉዳያት መልሲ ንኽረኽቡን ኣብ ዝገብሮ ጽዕሪ "ንዅሉ ዝሓቍፍ፡ ስርዓት ዘለዎን ንሰባት ዘኽብርን" ኣገባብ ክኽተል ይግባእ ክብል ጸዊዑ።

እዚ ኣገባብ እዚ “ብሓይሊ ግዝኣታት ምምላስ” ዝብል ኣማራጺ ከጠቓልል ከምዘይብሉ'ውን ኣስሚሩ።

ንፋኖ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት ድማ፡ “ንዘተ ዕድል ዘይምሃብ” ነቲ ምንቅስቓስ ዝህቦ ረብሓ ኣገንዚቡ።

ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ፡ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝሳቐዩ ዘለዉ ንጹሃት ዜጋታት ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ኣምባሳደር፡ “ብዙሕ ህዝቢ ኣምሓራ ጠለቡ ፍትሓዊ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ድማ ብዘተ እምበር ብግርጭት ክረጋገጽ ኣይኽእልን።"

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣመልኪቱ እውን፡ “ናብ ዳረሰላም [ታንዛንያ] ተጓዒዙ ነቲ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ልባዊ ጻዕሪ ኣካይዱ ነይሩ።” ብምባል ነቲ በቲ ግጭት ዝሳቐ ዘሎ ሕብረተሰብ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ብዘይምሕላል እቲ ጽዕሪ ክቕጽል ሓቲቱ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕ፡ ዲሞክራስያዊ ትካላት ንምሕያል፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ዘተ ንምዕባይ፡ ምስ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ኰይኑ ክሰርሕ ተወፋይነት ከምዘለዎ’ውን ኣዘኻኺሩ።

እቲ ንታሪኻዊ ዝምድናን ምሕዝነትን ክልቲአን ሃገራት ዝጠቐሰ ናይ ሓሙስ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መግለጺ ኣምባሳደር ነዚ ዝምድናን ዲፕሎማስያዊ ኣቀራርባን ዘይተኸተለ ምዃኑ ዝጠቐሶ መግለጺ ቅር ከምዝበሎ ኣቐሚጡ’ሎ።

ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት - ጸጥታ፡ ሰላምን ምዅስኳስ ዲሞክራሲ ኣብታ ሃገር ይዅን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያት ሓቢርና ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና ብምባል ድማ፡ ነቲ ናብዚ መደምደምታ ዝመርሐ ግጉይ ሓበሬታታት ንምእራም፡ እቲ ሚኒስትሪ ምስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብቐረባ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።