ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 71 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, SM
ንባብ: 1 ደቓይቕ
ኣብ ክልል ሲዳማ ወረዳ ቦና ትማሊ ሰንበት ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሑድ 71 ሰባት ከም ዝሞቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሓን።
እቲ ሓደጋ፡ ኣይሱዙ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና ብዙሓት ሰባት ጽዒና ክትከይድ እንከላ ከም ዘጋጠመ ፖሊስ እቲ ክልል ሓቢሩ።
እታ መኪና ናብ መርዓ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ጽዒና ከም ዝነበረት ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ከባቢ 'ጋላና' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሩባ መገዲ ስሒታ ናብቲ ሩባ ከም ዝኣተወት ጸብጻባት ኣመልኪቶም።
ፖሊስ፡ ክሳብ ሕጂ 71 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ፤ ካልኦት ጕድኣት ዝበጽሖም ሰባት ድማ ናብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለው።
ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤትን ነበርትን ድማ ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝዀኑ ሰባት ይደልዮ ከም ዘለው ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ገሊጹ።
ኣብዚ ጕዳይ ዘለው ምዕባለታት እናተኸታተልና ከነቕርብ ኢና።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



