ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወላይታ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ህጻናት ዝርከብዎም 28 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Dawuro Zone Gov. Comm.
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ወላይታ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና መጓዓዝያ ህዝቢ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም 28 ሰባት ቀቲሉ።
እታ መኪና ካብ ዞባ ወላይታ ተበጊሳ ናብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ዳውሮ ትጕዓዝ ዝነበረት እያ።
መራሒ እታ መኪና ዝርከቦም 19 ሰባት ብዝወረዶም ጉድኣት ናብ ሕክምና ከም ዝተወስዱ ፖሊስ እታ ዞባ ገሊጹ።
እታ ትማሊ ረቡዕ ካብ ከተማ ሰዶ ዝተበገሰት መጓዓዝያ ህዝቢ “መብዛሕትኦም ንበዓል” ዝጕዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 50 ሰባት ጽዒና ከም ዝነበረት ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ሓደጋን ትራፊክን ፖሊስ ዞባ ወላይታ ኢንስፔክተር ወልዴ ቢሊሲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ሓደጋ፡ “ሩባ ግርባ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣብ ዝርከብ “ዓቐበት ዝበጽሖ ኣጸጋሚ መገዲ” ከም ዘጋጠመ ዝገልጽ ኢንስፔክተር ወልዴ፡ እታ መኪና ነቲ ዓቐበት ትወጽኣሉ ኣብ ዝነበረት እዋን “ከም ዘንሸራተተት” ኣብሪሁ።
“ክሳብ ሕጂ ብዘሎ መረዳእታ፡ እታ መኪና ተንሸራቲታ እያ ዝብል’ዩ። ምስ ተንሸራተተት ነዊሕ ርሕቐት ናብ ዘለዎ ጸድፊ ቁልቁል ተገልቢጣ ናብቲ ሩባ ኣትያ” ይብል።
ክሳብ ሕጂ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት 28 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 19 ሰባት ከም ዝቘሰሉን ክግለጽ እንከሎ፡ ካብ 6 ክሳብ 8 ዓመት ኣብ ዝግመት ዕድመ ዝርከቡ ክልተ ህጻናት ከም ዝርከቡዎም ሓቢሩ። ካልኦት ሽዱሽተ ተጓዓዝቲ ድማ ብዘይ ዝዀነ ሓደጋ ብህይወት ከም ዝወጽኡ’ውን ጠቒሱ።
ብተወሳኺ እቲ ኢንስፔክተር፡ “ኣብታ መኪና ዝነበረ ህጻን ክመውት እንከሎ ኣደኡ ብህይወት ተሪፋ ኣብ ሕክምና ኣላ” ኢሉ።
መንነት እቶም ግዳያት ክሳብ ትማሊ ምሸት ከም ዝተጻረየ ዝገልጽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን ዞባ ዳውሮ ኣቶ ከበደ ሲሳይ፡ ሬሳ እቶም ግዳይ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ናብ ስድራቤት ክበጽሕ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።
ብሰሉስ 14 መስከረም 2017 [ግ] እውን፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣምቡላንስ ናብ ሩባ ብምጽዳፋ ህይወት ሰባት ክሓልፍ እንከሎ ኣብ ካልኦት ጉድኣት ከምዝወረደ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ገሊጹ እዩ።
እዛ ካብ ከተማ ጋምቤላ ናብ ዞባ ኑዌር ትጕዓዝ ዝነበረት መኪና “ግዝያዊ ድልድል ሩባ ባሮ ጥሒሳ ናብቲ ሩባ ብምእታዋ” ዘጋጠመ ሓደጋ ኰይኑ፡ ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ሰብ ሞያ ሕክምና ከም ዝርከብዎም ተገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







