ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ዶብ ሊባኖስ እስራኤል ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጸዊዐን

ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘተሓሳሰበን ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብአን መሻርኽቲ ሃገራት፡ ኣብ ሊባኖስ ግዝያዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር ጸዊዐን።
እቲ 12 ሃገራት ብዝሓቘፈ ጕጅለ ዝቐረበ ጻውዒት፡ “ንዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ዝኸውን ቦታ ንምሃብ” ብቕልጡፍ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበርን ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብልን ሓቲቱ።
እቲ ተጻብኦታት “ዘይጽወር” ምዃኑን ንረብሓ ህዝቢ እስራኤል ይዅን ሊባኖስ ዘይጠቅም "ዘይቅቡል ሓደጋ ሰፊሕ ዞባዊ ምዕባለ” እዩ ክብል ወሲኹ ይገልጽ።
ብረቡዕ፡ ወተሃደራዊ ሓላፊ እስራኤል ንወተሃደራቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ንሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ “ናብ መሬት ጸላኢ” ንኽኣቱ መንገዲ ክኸፍት ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ብሌተና ጀነራል ሃሌቪ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ናብ ሊባኖስ ብምድሪ ዝግበር ወራር ዘይተርፍ መደብ ክህሉ ከም ዝኽእል ዘመላኽት’ዩ።
ኣብዚ እዋን፡ እቲ ዝጕሃሃር ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ዝጽውዕ መግለጺ፡ ሃገራት ኣመሪካ፡ ኣውስትራሊያ፡ ካናዳ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጥልያን፡ ጃፓን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፡ ብሪጣንያን ቐጠርን ፈሪመናሉ ኣለዋ።
እዚ ድሕሪ እቲ መራሕቲ ዓለም ኣብ ኒውዮርክ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ጕባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝመጽእ ዘሎ እዩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፈረንሳዊ መዘናኡ ኢማኑኤል ማክሮንን ኣብ ዘውጽኡዎ ሓበራዊ መግለጺ ድማ፡ “ሰላማውያን ሰባት ናብ መንበሪ ገዛኦም ንኽምለሱ ድሕነትን ውሕስናን ንምርግጋጽ” መፍትሒ ክመጽኣሉ ዝግባእ ግዜ’ዩ ኢሎም።
እቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ተጻብኦታት፡ “ሰፊሕ ዶባዊ ኲናት ክለዓልን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ጕድኣት ከብጽሕን’ዩ” ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ዶባት ክልቲአን ክመጽእ ንዝኽእል ተወሳኺ ምዕባለታት ንምውጋድ፡ ንዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ዕድል ንምሃብ “ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ” ንኽግበር ጸዊዕና ኣለና ኢሎም።
ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ካብ ኣውሮጳን ሃገራት ዓረብን ኣገዳሲ ሓገዝ ኣሎ . . . እቲ ኲናት ክሰፍሕ የብሉን” ክብል ተዛሪቡ።
ክሳብ ሕጂ እስራኤልን ሊባኖስን እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ከም ዘይተቐበላኦን መንግስቲ ኣመሪካ ግን ምስ ክልቲአን ሃገራት ብቐረባ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ምምሕዳር ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ን21 መዓልታት ምቍራጽ ተዂሱ ክግበር ዝቐረበ ጻውዒት፡ “ኣብ ዝተሓላለኸ ስምምዕ” እውን እንተዀነ ንምብጻሕ ዝርርባት ንኽካየዱ ዕድል ክህብ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ኣብ ክንዲ ምስ ሕዝቦላህ ምስ መንግስቲ ሊባኖስ ትዘራረብ ከም ዘላ ጠቒሱ። ንሱ፡ ካብ “መንግስቲ ወጻኢ ምስ ዝዀኑ ተዋሳእቲ” ምዝርራብ ሓላፍነት መንግስቲ ሊባኖስ እዩ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ነጂብ ሚካቲ፡ ሃገሩ፡ “ብሰንኪ ጨካን ተግባራት ጸላኢት እስራኤል ቅሉዕ ግህሰት ልኡላውነትን ሰብኣዊ መሰላትን” ከም ዘጋጠማ ገሊጹ።
ካብቲ ሕቡራት ሃገራት ዘካይዶ ዘሎ ጕባኤ፡ “ብዅሎም ግንባራት ቅልጠፍ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ዘሕድር ዕቱብ ፍታሕ” ሒዘ ክምለስ’የ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር እዩ ዝብል “ተስፋ” ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ እስራኤል ዳኒ ዳኖን፡ እቲ ግጭት ከይጕሃሃር ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ልዑል ቦታ ከም ዘለዎ'ኳ እንተገለጸ፡ “ዕላማታትና ንምዕዋት ግን ዓለምለኻዊ ሕጊ ተኸቲልና ኵሉ ኣማራጺታት ክንጥቀም ኢና” ኢሉ።
እስራኤል፡ “ምሉእ ኲናት ኣይትደልን’ያ” ብምባል ሰላም ከም እትደሊ’ውን ተዛሪቡ።
ብሰንኪ እቲ እስራኤል ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሊባኖስ ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ልዕሊ 600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።
እቲ ጽዑቕ ወፍሪ፡ ሕዝቦላህ ዝሃነጾምን ዝጥቀመሎምን ትሕተ ቅርጺታት ንምዕናው ዝዓለመ ከም ዝዀነ ትምጕት።
እስራኤልን ሕዝቦላህን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኲናት ዝኣተውሉ ኣብ ብ2006 [ኣ.ኤ] እዩ ነይሩ።
ኣብ ክሊ እቶም ቅድሚ እዚ ሕጂ ዝረኣይ ዘሎ ምዕባለታት ተመዛቢሎም ዝጸንሑ 110 ሽሕ ሊባኖሳውያን፡ ካልኦት 90 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ኣስታት 40 ሽሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝተዳለው ግዝያዊ መዕቈቢ ቦታታት ይርከቡ።
እቲ ዳርጋ ሓደ ዓመት ገይሩ ዘሎ ኣብ ቓዛ ዝተላዕለ ኵነታት ዘስዓቦ ዶባዊ ግጭታት፡ ካብ ሰሜን እስራኤል ኣስታት 70 ሽሕ ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ነዚኦም ብውሑስ ኵነታት ናብ ቦታኦም ምምላስ ዕላማ እቲ ሕጂ ትወስዶ ዘላ ጽዑቕ መጥቃዕቲታት ከም ዝዀነ እስራኤል ትገልጽ።
ሕዝቦላህ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ንፍልስጤም ዘለዎ ድጋፍ ዘንቀሎ ከም ዝዀነ ክገልጽ እንከሎ፡ ክሳብ ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ተጻብኦ ዝግበር ደው ከም ዘየብል ሓቢሩ’ዩ።
ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስን ሕዝቦላህን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት ኰይኖም፡ እስራኤል፡ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ኣሸበርቲ ጕጅለታት ከም ዝዀኑ ይገልጻ።
ብረቡዕ፡ እቲ ስግረ-ዶባዊ ውግኣት ክካየድ ዝውዓለ ኰይኑ፡ ሕዝቦላህ ንኣብያተ ጽሕፈት ኤጀንሲ ስለያ እስራኤል ሞሳድ ዒላማ ዝገበረ’ዩ ዝበሎ ሚሳይል ንፈለማ እዋን ናብ ቴልኣቪቭ ወንጪፉ’ዩ።
እዚ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ክፈሽል እንከሎ ዘስዓቦ ዕንወት እንተሎ ኣይተገለጸን። ናብ ሰሜን እስራኤል ብዝወንጨፎም ዓሰርተታት ሮኬታት ግን ክልተ ሰባት ቈሲሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







