ገለ ሓቅታት ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክህነፅ ዝበሃል ገዚፍ ፋብሪካ ድዅዒ

ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴ

ምንጪ ስእሊ, X/@AlikoDangote

መግለጺ ስእሊ, ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴ

መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴን ብሓባር ኣብ ክልል ሶማል ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ፋብሪካታት ድዅዒ (መዳበርያ) ኣፍሪቃ ክሃንፁ እዮም።

ወሰንቲ ትካላት ወፍሪ መንግስቲ ከም ዘመሓድር ዝንገረሉ 'ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ' ምስ ትካል 'ዳንጎቴ ግሩፕ' ስምምዕ ብምፍራም እቲ ፋብሪካ ብሓባር ብኽልቲኦም ወገናት ክውነን እዩ።

ኢትዮጵያ፡ በብዓመቱ ብማእከላይ ገምጋም ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዘበናዊ ድዅዒ ካብ ወጻኢ ሃገራት ከም እተምፅእ መረዳእታታት ይሕብሩ።

እዚ ድማ ብዙሕ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘስእን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሓረስቶት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዋጋ ድዅዒ ከም ዝኸበሮም የማርሩ እዮም።

ኣብዝሓ እቲ መሬት ድማ ዘመናዊ ድዅዒ ምጥቃም ለሚዱ ስለ ዘሎ፡ ሓረስቶት ትግራይ ሓዊሱ፡ ገባራት እታ ሃገር፡ ብዘይካ ዘበናዊ ድዅዒ ሕርሻዊ ንጥፈታት ከካይዱ ኣብ ዘይክእልሉ ብርኪ ከም ዝበፅሑ እዩ ዝግለፅ።

እዚ ኣብ ክልል ሶማል - ፍሉይ ስሙ ጎዴ፡ ዝህነፅ ገዚፍ ፋብሪካ ድዅዒ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብዓይነቱ ካብ ዝዓበዩ ፋብሪካታት ሓደ ከም ዝኸውን ይእመነሉ።

ኣብ ህንጸት እዚ ፋብሪካ ዓቢ ብጽሒት ዘለዎ 'ዳንጎቴ ግሩፕ' ኰይኑ፡ ብናይጀርያዊ ኣሊኮ ዳንጎቴ ዝተባህለ ኣብ ኣፍሪቃ ግንባር-ቀደም ኣውፋሪ ዝውነን'ዩ።

ዳንጎተ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝሃፍተመ ጸሊም ኰይኑ፡ 24.9 ቢልዮን ዶላር ጽሩይ ሃብቲ ከም ዘለዎ ፎርብስ ሓቢሩ።

ትካል ዳንጎቴ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከውፍር እዚ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣይኰነን።

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ምፍራይ ስሚንቶ ዝነጥፍ ኰይኑ ወናኒ ዳንጎቴ ስሚንቶ እዩ።

ሓቅታት ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ፋብሪካ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓደ ካብቶም ለውጢ ዘምጽኡ ፕሮጀክትታት ክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ ፋብሪካ ድዅዒ ንምህናፅ፡ 2.5 ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ከም ዝሓትት ተገሚቱ ኣሎ።

እቲ ኣብ ክልል ሶማል ዝህነፅ ፋብሪካ ድዅዒ፡ 60 ሚእታዊት ብ 'ዳንጎቴ ግሩፕ' ዝውነን ክኸውን ከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ 40 ሚእታዊ ክሕዝ እዩ።

ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዳንጎቴ ግሩፕን ዝተበፅሐ ውዕል፡ ክልቲኦም ወገናት ብሓባር ገንዘብ ክምድቡን ንጥፈታት ህንፀትን ምምሕዳርን እቲ ፋብሪካ ብሓባር ከካይዱን እዮም።

እቲ ፋብሪካ፡ ዘመናዊ ምፍራይ ድዅዒ ዩርያን ተዛመድቲ መሰረተ-ልምዓትን ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝማዕበሉ ፋብሪካታት ሓደ ክኸውን ትፅቢት ይግበረሉ።

ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘይበዝሕ ግዜ ክዛዘም መደብ ዝተትሓዛሉ እቲ ፋብሪካ፡ ህንፀቱ ተዛዚሙ ስራሕ ምስ ዝጅምር፡ ኣብ ዓመት ክሳብ ሰለስተ ሚልዮን ሜትሪክ ቶን ዩርያ ድዅዒ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክህልዎ እዩ።

እቲ ፋብሪካ ካብ ሚእቲ ኪሎ ሜትር ንታሕቲ ኣብ ዝዀነ ርሕቐት ኣብ ቀረብኡ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ክጥቀም ብምዃኑ፡ ፍርያቱ ኣብ ሓደ ቦታ ካብ ዘሰላስሉ ዓበይቲ ፋብሪካታት ዓለም ሓደ ክኸውን እዩ።

እዚ ድማ ንመጓዓዝያን ካልእን ዝግበር ወፃኢታት ዘጕድል ክኸውን እዩ።

እቲ ፋብሪካ በብቍሩብ እናሰፍሐን ሓደሽቲ ፍርያት ዘጠቓልልን ብምዃኑን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ማእከል ምፍራይ ድዅዒ ክትከውን ከም ዝገብራ ድማ ተገሊፁ።

እቲ ፋብሪካ ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሕ ምስ ጀመረ፡ ምስቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ዝዓበየ ፋብሪካ ድዅዒ ማዕረ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ይግመት።

ዳንጎቴ ግሩፕ፡ ኣብ ከባቢ ሌጎስ-ናይጀርያ ዝርከብ ዝዓበየ መፍረ ድዅዒ ኣፍሪቃ ዝውንን ኰይኑ፡ ኣብ ዓመት 3 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን ዩርያ ድዅዒ የፍሪ።

ፋብሪካ መዳበርያ ጎዴ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ስርሑ ምስ ዝጅምር፡ ኢትዮጵያ ምስ ናይጀርያ፡ ታንዛንያ፡ ሞሮኮ፡ ግብፂ፡ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪካን ተፀንቢራ ኣብ ኣፍሪካ ድዅዒ ካብ ዘፍርያ ቀዳሞት ሃገራት ክትከውን እያ።