'ጽላል ዝብኢ' እናበልና ንጻወተሉ ነይርና፡ ዕውትቲ ኣውፋሪት ቅንጥሻራ

ኣብርሀት ሽልማት እንክትቕበል

ምንጪ ስእሊ, Abrehet Gebregiorgis

ኣብርሀት ገብረግዮርጊስ ኣብ ጥቓ ከተማ ፍረወይኒ ኣብ ትርከብ ቁሸት ደልቃ'ያ ተወሊዳ ዓብያ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብኮምፕዩተር ሳይንስ ተመሪቓ፤ ኣብኡ ድማ ተቖጺራ ከም መምህር ክተገልግል ጀሚራ።

ኣብ 2017 [ኣ.ኣ]፡ ንሓደሽቲ ተመረቐቲ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ዘመቻችው መደብ ከምኣዳላዊት ተሳቲፋ።

ካብቶም ካብ ውሽጢ ዓዲን ካብ ደገን ዝተሳተፉ ብዙሓት ኩባንያታት ሓደ ኣብ ቻይና ዝመደብሩ ኰይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጨንፈር ንምኽፋት ብዝብል ዕላማ፡ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን መልሚሉ ንስልጠና ናብ ታይላድ ልኢኹ ነይሩ።

ሓንቲ ካብኣቶም ዝነበረት ኣብርሀት ናብ ታይላንድ ግዒዛ ከም ኣካያዲት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ክትስልጥን ጀሚራ።

ይዅን'ምበር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ገና ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ስልጣን እንከሎ ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር "ዕግርግር" ተላዒሉ ነይሩ።

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ ድማ እቲ ኵነታት ከምዝገደደ ኣብረሀት ትዝክር።

ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ንስልጠና ዝወሰዶም ቻይናዊ ኵባንያ፡ መደባቱ ከናውሕ ግድን ኰይኑ። ናይ እኒ ኣብረሀት ውዕል'ውን ብሽዱሽተ ዓመት ከናውሕ ወሲኑ።

ኣብረሀት ግን ውዕላ ክተናውሕ ኣይመረጸትን።

ግን ትምህርቲ ከክትቅጽል ዘኽእላ ዕድላት ኣላሊሻ፤ ኣብ ርዋንዳ ብኣይኦቲ (ኢንተረኔት ኦቭ ቲንግስ) ናይ ማስተርስ ዕድል ድማ ረኺባ።

"ኣብቲ እዋን ክፍሊ ትምህርቲ ኣይኦቲ ሓዱሽ'ዩ ነይሩ፤ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ርዋንዳ'ዩ ተኸፊቱ" ክትብል ኣብ 2018 ናብ ርዋንዳ ግዒዛ ትምህርታ ከምዝጀመረት ትዛረብ።

ኣብ 2020 ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ስዒቡ ግን ትምህርታ እትዛዝመሉ እዋን ተናዊሑ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ንመነባብሮ ዝኽፈሎም ዝነበረ ገንዘብ ተቛሪጹ።

ኣብረሀት እውን ዝዓቖረተን ገንዘብ ካብ ምጥቃም ወጻኢ፡ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበራን።

"ገዛ ክራይ ንምኽፋል ዝጽገመሉ ግዜ ነይሩ" ትብል።

'ጽላል ዝብኢ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንክልተ ዓመታት ዝዘለቀ ደማዊ ኲናት ትግራይ ተወሊዑ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ሚልዮናት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፤

ኣብቲ እዋን "ገፃ ዓፅየ በኽየ" እትብል ኣብረሀት፡ "ህይወተይ ኵሉ ምስ ትግራይ ኰይኑ" ትብል።

"ምስቲ ዝበኪ ምስኡ እበኪ፡ ምስቲ ዝሓዘነ ምስኡ እሓዝን።"

ከምቲ ኩሉ ኣብ ደገ ዝነብር ትግራዋይ፡ ብስነ-ኣእምሮ ከይተረፈ ተጎዲአ ነይራ።

"ብዙሕ ነገር ምርሳዕ ጀሚረ ነይረ። ተረጋጊዐ ክሰርሕ ኣይክእልን ነይረ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ትግራይ ዝኸውን ዝነበረ፡ ንዓየይ ተቖጻጺሩኒ እዩ ነይሩ። ህይወት፡ ምንባር ዳርጋ ትርጉም ኣይነበሮን።"

ብድሕሪ'ዚ፡ ሓደ ብቦንባ ዝቖሰለ ህጻን ኣብ ቪድዮ "ጠምዩኒ" ኢሉ ከእውይ ብል ምስ ረኣየት፡ እንታይ ክትገብር ከምእትኽእል ብዙሕ ክትሓስብን ክትጭነቕን ጀሚራ።፤

"እቲ ኲናት በዚ ግዜ ክውዳእዩ ትብሎ ተስፋ ዘለዎ ኲናት ኣይኰነን። ይቕጽል እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ትግራይ 360 ዲግሪ ተዓጽያ እያ ነይራ። ኣብ ውሽጢ [ትግራይ] ዘሎ እውን ኣብሪሶምዎ፡ ሰሪቖምዎ እዮም። እዚ ህዝቢ እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ብህይወት ክጸንሕ?" ኢላ ከምዝተጨነቐት ትዝክር።

"ኣብ እንዳማትካ ሃገር፡ እሞ ድማ ሸቕሊ ኣልቦ ኰይንካ፡ ኣሽንኳይ'ዶ ንንግዲ ዝኸውን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝዀነ መነባብሮ ምምራሕ'ኳ ዘይሕሰብ እዩ" ትብል ኣብረሀት።

ይዅን'ምበር ኢዳን እግራን ኣሳሲራ ተዀርምያ ክትቅመጥ ኣይፈቐደትን።

"መኣዛዊ ዝዀነ ግን ከኣ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክራባሕን ብቕልጡፍ ክባጽሕን ዝኽእል ኣትኽልቲ" ምፍራይ ክትሓስብ ጀሚራ።

ካብ ብዙሕ ኣማራጺታት "እቲ ዝበለጸ ግን ቅንጥሻራ [ቃንጥሻ] ኰይኑ ረኺበዮ" ትብል።

"ብዙሕ ንጥረ ነገራት ኣለዎ፡ ናይ ስነ-መኣዛ ትሕዝቶኡ ኣዝዩ ብልጹግ'ዩ። ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክራባሕ ይኽእል። ብቕልጡፍ'ዩ ዝፈሪ። ናይ ሕርሻ ተረፈ-ምህርቲ ተጠቒምካ ኢኻ ተራብሖ። ስለዚ ቃንጥሻ እቲ ተመራጺ ፍርያት ኰይኑ ረኺበዮ" ብምባል ቃንጥሻ ምርጫኣ ከምዝገበረት ተብርህ።

ኣብ ግዜ ንእስነታ፡ ምስ ቆልዑ 'ጽላል ዝብኢ' እናበሉ ክፃወቱሉ ትዝክር።

"ከራብሖ እንተዀይነ ግን፡ መጀመርታ ኣነ ባዕለይ ክጥዕሞ ኣለኒ" ብምባል መጀመርያ ገዚአ ብምፍታን ነቲ ዝሓሰበቶ ዕላማ ምቹእ ክኸውን ከምዝኽእል ኣረጋጊጻ።

ቃንጥሻ ብመኣዛ ዝሃብተመን ኣትክልቲ ንዝምገቡ ድማ ከም ምንጪ ፕሮቲን ጥዑም ኣማራጺ ስጋ ከገልግል ይኽእል እዩ

ምንጪ ስእሊ, Abrehet Gebregiorgis

መግለጺ ስእሊ, ቃንጥሻ ብመኣዛ ዝሃብተመን ኣትክልቲ ንዝምገቡ ድማ ከም ምንጪ ፕሮቲን ጥዑም ኣማራጺ ስጋ ከገልግል ይኽእል እዩ

ሕርሻ ቃንጥሻ

ኰይኑ እታ ብዘይ ዝዀነ እቶት ንኣዋርሕ ክትጽገም ዝጸንሐት መነንእሰይ ንወፍሪ ዝኸውን ገንዘብ ኣይነበራን። ልቓሕ ሓቲታ'ውን ኣይሰመረን።

ንገዛ ክራይ ከይተረፈ ክትጽገም እንከላ "ኣብ ዓዲ ዓረብ እትነብር ሓፍተይ ብተደጋጋሚ ክትሕግዘኒ ትሓትት ነይራ። ኣነ ግን ኣይቅበላን ነይረ። ኣብ ጥቃይ ካብዘለዉ ልቓሕ ሓቲተ ምስ ሰኣንኩ፡ ግዴታ ናብ ሓፈተይ ገጸይ ኣዚረ ማለት እዩ" ትብል።

ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን፡ ካብ ደቂ ዓዲ ንእሽቶ መሬት ተኻርያ ኣብኣ ቃንጥሻ እተፍርየሉ ግዜያዊ ገዛ ሃኒጻ።

"እቲ ስራሕ ብዙሕ'ዩ ዝጠልብ" ትብል ኣብረሀት። ቃንጥሻ ዘድልዩ ኵሎም ንጥፈታት ናይ ምክያድ ሓላፍነት ተሰኪማ።

ካልእ ከባድ ፈተና ዝነበረ ድማ "ዕዳጋ ምርካብ" እዩ ነይሩ።

"ቃንጥሻ ሎምዓንቲ ኣፍሪኻ፡ ሎምዓንቲ እንተዘይሸይጥካያ፡ ጽባሕ ክትሸጣ ኣይትኽእልን። ኣነ ከኣ ጀማሪት ስለዝዀንኩ፡ ፍሪጅ የብለይን። ዋላ ሓንቲ ኪሎ ክትሓድር የብላን። ዓማዊል ጽባሕ ክምለሱኒ ስለዝደልዮም 'ፍረሽ' ኰይኑ ብጽሬት ክበጽሖም ኣለዎ። ገንዘብ እውን የድልየኒ ነይሩ" ትብል ኣብረሀት።

እዋኑ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ኵሉ ንጥፈታት ዝሒሉ፡ ሰባት እውን ኣብ ገዛ ተዓጽዮም እዮም ዘሕልፉ ነይሮም።

"ሞተር ሳይክል የለ፡ ታክሲ የለ፡ ኵሉ ኣብ ዕፅዋ እዩ ነይሩ።"

ኣብረሀት ግን ኵሉ ዝከኣላ ክትገብር ውፉይነት ነይርዋ።

ብእግራ "ገዛ ንገዛ" እናዞረት ክትሸይጥ ግድን ነይሩ።

'ንዓኹም ዝግባእ ጽሬት ዘለዎ ፍርያት' ብዝብል ጭርሖ ፍሉይ ቃንጥሻ ከተፍርይ ጀሚራ።

ከም ኣጀማምራኣ ብጽሬት ብምቕጻል ግን፡ ጽሬት ዘለዎ 'ትዩብ' ቃንጥሻ ክትረክብ ግድን እዩ። 'ትዩብ' ማለት ኣብቲ ፍረ ዝህብ ኣካል ቃንጥሻን ዓይነት ፋንጋስን፡ ዘርኢ ንምዕቃብን ንምብታንን ዝውዕል ኣቃውማ እቲ ተኽሊ እዩ። ከም ፈልሲ ድማ የገልግል።

ኣብ ገለ እዋናት እትረኽቦ 'ትዩብ' ቃንጥሻ ግን ጽሬቱ ዝሓለወ ኣይነበረን። ስለዚ ናይ ባዕላ ጽሬት ዘለዎ 'ትዩብ' ቃንጥሻ ክተፍርይ መደብ ሒዛ። እዚ ግን ተወሳኺ ገንዘብ ዝጠልብ እዩ።

ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሰብ ብሰብ ምስ ሓደ ኣብ ርዋንዳ ወፍሪ ክገብር መደብ ዝሓዘ ትግራዋይ ትላለ። ብዛዕባ ስርሓ ዝርዝር ነገራት ኣዕሊሎም። ንሱ'ውን ኣብቲ ንግዲ ክሳተፍን ወፍሪ ክገብርን ደለየ። ፐሮፖዛል ተዳልዩ፤ ኣብ መጠን ወፍሪን ካልኦትን ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ይዅን'ምበር ኣብ ትግራይ ይካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት፡ ተጋሩ ዝውንንዎ ባንኪ ሒሳብ ስዝተኣገደ፡ መስመር እናሓዘ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣብረሀት፡ ካልእ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ። እቲ ምስኣ ክዋፈር ተዳልዩ ዝነበረ ሰብ፡ ወፍሩ ክስርዝ ተገዲዱ።

ኣብ ክንድኡ ግን በልቓሕ መልክዕ ዝተወሰነ ገንዘብ ስለዝሃባ፡ እቲ ዝሓዘቶ መደባ ክተሳልጥ ቀጺላ።

"ኣብ ሕርሻ እንከሎ ጽሩይ እዩ፡ ክእከብ እንከሎ ጽሩይ እዩ፡ ኣተዓሻሽጋ እውን ጽሩይ እዩ። ዋላ ንእሽተይ ንግዲ እንተዀነት፡ ኣብ ሕድ ሕድ ንጥፈት ግን ጽሬቱ ብዝሓለወ ኣገባብ ክኸይድ ይፍትን ነይረ።"

'እቲ ስራሕ ንጥፈታትብዙሕ'ዩ ዝጠልብ' - ኣብረሀት

ምንጪ ስእሊ, Abrehet Gebregiorgis

መግለጺ ስእሊ, 'እቲ ስራሕ ንጥፈታትብዙሕ'ዩ ዝጠልብ' - ኣብረሀት

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ ዘይኰነስ ብዝኸደቶ ኣከባቢ ፍርያታ ከተዋዓውዕ ጀሚራ።

ብፍላይ ታሪኻ ዝነገረታ ሓንቲ ብሩንዳዊት፡ ብትብዓታ ኣዝያ ተዲንቓ፡ ምስ ሓንቲ ኣካያዲት መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ዘተባብዕ ሓደ ፕሮጀክት ኣልላያታ።

ዕዳጋ ንምውሓስ "ፍርያት ምቕራብ ጥራይ እኹል ከምዘይኰነ ተረዲአ" ትብል።

"ምሻጥ'ውን ኣገዳሲ እዩ።"

ኣብረሀት ምስ ከምኣ ዝኣመሰሉ ፈጠርቲ ስራሕ ተወዳዲራ፤ ካብቶም ዘመልከቱ ድማ 25 ተሓርዮም ንሽዱሽተ ወርሒ ስልጠና ተዋሂብዎም።

ድሕሪ'ቲ ስልጠና፡ ኵሎም መደባቶምን መርኣያቶቶምን ኣቕሪቦምን፤ መደቦም ስለምንታይ ዕወት ክኸውን ከምዝኽአል ሞጊቶምን፡ ንዝቐረበሎም ሕቶታት እውን ብቑዕ ግብረመልሲ ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ካብኣቶም እቶም ሓሙሽተ ሓሊፎም፡ መደባቶም ንምጥያስ ዝሕግዝ ገንዘብ እውን ተመዊሎም።

ሓንቲ ካብኣቶም ኣብረሀት'ያ ነይራ።

"ስመይ ክጽራሕ እንከሎ፡ ብጣዕሚ እየ ተሓጒሰ። ብታሕጓስ ዝነባዕኹሉ መዓልቲ እዩ ነይሩ" ክትብል ትዝክራ።

ብድሕሪኡ ተስፋኣ ዝያዳ ጠጢዑ። ካብተን ዝረኸበተን ገንዘብ ገይራ ዕዳኣ ከፊላ፡ ምህርቲ ቃንጥሻ እውን ምሉእ ንምሉእ ጀሚራ። ኣብ መስርሕ ፍርያት ኣገደስቲ ዝበሃሉ ንዋያትን መሳርሕታትን እውን ኣማሊኣ።

ገዛ ተኻርያ፡ ኣብ ጎኑ ድማ ቃንጥሻ እተፍርየሉ ናይ ሕርሻ ገዛ ሰሪሓ። ብዘይካ ሽቓቕ፡ መደቀሲ ክፍሊን ክሽነን እቶም ካልኦት ክፍልታት 'ትዩብ' ቃንጥሻ ተፍርየሎም ከምዝነበረት ተዘንትው።

'ትዩብ'ን ምህርቲ ቃንጥሻን ናብ ዝተፈላለዩ ሆቴላት ክተቕርብ ጀሚራ።

ብጉድለት ኣመጋግባ ንዝተጠቕዑ ህጻናትን ነፍሰጾር ኣዴታትን ስልጠና ትህብ

ምንጪ ስእሊ, Abrehet Gebregiorgis

መግለጺ ስእሊ, ብጉድለት ኣመጋግባ ንዝተጠቕዑ ህጻናትን ነፍሰጾር ኣዴታትን ስልጠና ትህብ

ድሕሪ ዓወት

ብጉድለት ኣመጋግባ ንዝተጠቕዑ ህጻናትን ነፍሰጾር ኣዴታትን ስልጠና ትህብ፡ 'ትዩብ' እውን ተቕርብ።

ምስ ዝተፈላለዩ ንኣደታትን ህጻናትን ዝሕግዙ ዘይምንግስታዊ ትካላት ዘለዋ ርክብ እናጠጥዐ ከይዱ። ምስቶም ትካላት ብእትፍጽሞ ውዕል ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ክትህብ ጀሚራ።

"ሕዚ እንህቦ ስልጠና ብክልተ መንገዲ'ዩ። ብውልቆም ናባና ዝመጹ ኣለዉ። ካውኡ ድማ ኣዋርሕ ዝወስዱ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እውን ኣለዉ። ስለዚ ብዙሓት ክኢላታትን ሰራሕተኛታትን ኣዋፊርና ኢና እነካይዶ" ትብል።

ናይ ስልጠናታት ቪድዮ፡ ኣብ ዩትዩብን ኣብ ፌስብኩን ትዝርግሕ።

ካብ ሓጸርቲ መተባብዒ ቪድዮታት ብተወሳኺ ሰፊሕ ናይ ቃንጥሻ ስልጠና ብዝርዝር ዘብርህ ቪድዮ ትሰርሕ እያ።

ይዅን'ምበር ካብቲ ዝተበገሰትሉ ዕላማ ኣንጻር፡ ቕሬታ ዝፈጥረላ ነገር ኣሎ።

ኣብ ትግራይ "ምሉእ ብምሉእ ሰላም ክመጽእ ስለዘይከኣለ ውስንነት ኣሎ" ብምባል ናብ ትግራይ ከይዳ ብኣካል ቴክኒካዊ ስልጠና ክትህብ ዘይምኽኣላ ከምዘተሓሳስባ ትጠቅስ።

"ልብኻ መሊእኻ ጠቕሊልካ ንርዋንዳ ገዲፍካ ናብኡ ምኻድ፡ ንእሽተይ ከቢድ እዩ። እምበር እቲ ቀንዲ ናይ ነዊሕ ግዜ ትልሚ ዓዲ ኣቲኻ ምስልጣን እዩ ነይሩ።"

ይዅን'ምበር እቲ ቀንዲ ነገር "ኣተሓሳስባ ምፍጣር'ዩ" ትብል ኣብረሀት።

ከም ውጽኢት ጻዕራ እዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ከምዘሎ ትዛረብ።

"ብጣዕሚ ሕጉስቲ እየ፡ ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ብዙሓት መንእሰያት እንተላይ ኣዴታት ምፍራይ ጀሚረን እየን።"

"ኣብ ትግራይ ተስፋ ዝጸልመቶ መንእሰይ ስለዘሎ፡ ገንዘብ የብለይን ኢሉ ኮፍ ክብል የብሉን" ብምባል መንእሰያት ካብ ተስፋ ምቑራጽ ክወጹ ትምዕድ።

"ጓል እየ፡ ማስተርስ ዲግሪ ኣለኒ፡ ዓዲማተይ እየ ዘለኹ፡ ጸፍ ጭልጥ ክብል እንተዝደሊ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቦታ ኣይምተረኸብኩን። ሕልሚ ክህልወካ እንከሎ፡ ኵሉ ነገር ኢኻ እትገብር። ኵሉ ስራሕ ክቡር እዩ። ንዝመጽእ ፈተና'ውን ብኡ ኣይትስኮንን፤ ኣይተነዓዕቕን። ንእዑ እየ ውፍይቲ ኰይነ ዝሰርሕ ዝነበርኩ።"

ምስ ዝተፈላለዩ ንኣደታትን ህጻናትን ዝሕግዙ ዘይምንግስታዊ ትካላት ዘለዋ ርክብ እናጠጥዐ ከይዱ

ምንጪ ስእሊ, Abrehet Gebregiorgis

መግለጺ ስእሊ, ምስ ዝተፈላለዩ ንኣደታትን ህጻናትን ዝሕግዙ ዘይምንግስታዊ ትካላት ዘለዋ ርክብ እናጠጥዐ ከይዱ

ገለ ነጥብታት ብዛዕባ ቅንጥሻራ

ቃንጥሻ ብርክት ዝበለ ረብሓታት ኣለዎ። ገለ ካብዚኦም እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

  • ብመኣዛ ዝሃብተመን ኣትክልቲ ንዝምገቡ ድማ ከም ምንጪ ፕሮቲን ጥዑም ኣማራጺ ስጋ ከገልግል ይኽእል እዩ።
  • ከም ራይቦፍላቪን፣ ፖታስየም፣ ቪታሚን ዲ፣ ቪታሚናት ቢን ጸረ-ኦክስጅንን ብዝኣመሰሉ መኣዛታት ዝሃብተመ እዩ።
  • ንስርዓተ መትኒን ጥዕና ሓንጎልን ኣገደስቲ ዝዀኑ ኒያሲን፣ ቪታሚን ቢ5ን ኣለዎ።
  • ብተወሳኺ ጸረ-ነድሪ ባህርያት ዘለዎ ኰይኑ ብቕዓት ስርዓተ-ምክልኻል ኣብ ምምሕያሽ ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል።
  • መጠን ሽኮር ደም ንምንካይ እውን ይሕግዝ።