እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ዕጫ ናይጀርያን ግብጽን ከጋጥማ ዶ ይኽእል?
ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን 10.7 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንምርካብ፡ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክትመን ብምውሳና ዓቕሚ ባጤራኣ ተዳኺሙ ይርከብ።
ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ብመንግስቲ እዩ ዝትመን ነይሩ።
ድሕሪ እዚ ሓድሽ ዝተኣታተወ ፖሊሲ፡ ዋጋ ብር ምስ ዶላር ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብ30 ሚእታዊት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ድማ ልዕሊ 57 ሚእታዊት ኣንቆልቍሉ ይርከብ።
መንግስቲ፡ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ካብ ዝእውጅ ንደሓር፡ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቝሑት ክሳብ ናውቲ ህንጻ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ነጋዶ፡ ጅምላ ሸየጥትን ሰብ ሞያ ህንጻ ኣብ ዋጋ ኣቝሑትን እታዎታትን ርኡይ ወሰኽ ከምዝተራእየ ይዛረቡ።
ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ዝፍተኑ ዘለዉ ነበርቲ፡ ዋጋ መነባብሮ ዝያዳ ምጽዋር ከይከብዶም ስግኣት ኣሎ።
ብዙሓት ሰባት ብር ዝያዳ ክዳኸም እዩ ካብ ዝብል ስግኣት ዝነቅለ፡ ዶላር ይዓቝሩ [ይሓብኡ] ኣለዉ ተባሂሉ ይዝረብ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዕዳጋታት ወፃኢ ሸርፊ ኣዲስ ኣበባ ዶላር ኒና ዀይኑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፤ እዚ ውሳነ ዘስዕቦ ፀቕጢ ንምቕላል፡ ትሑት መሃያ ዝኽፈሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ 300 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዝግበረሎም ገሊፁ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሸርፊ ወጻኢ ዕዳጋ መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ዝወሰነት ሃገር ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኰነትን።
ቅድም ኢለን ግብጽን ናይጀርያን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲደን እየን።
ኣብ ክልቲአን ሃገራት ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ዝስዐብ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ መጻኢኣ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ።
ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ምውሳን፡ እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?
ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ዕዳጋ ክምርኰስ ምግባር፡ ንባጤራ ሓንቲ ሃገር ዘዳኽም ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብተራኡ፡ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ንብረት ዝያዳ ክኸብር ይገብሮ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ዋጋ መሰረታዊ ኣቝሑ ከም መግቢ፡ ነዳዲን መድሃኒትን ክውስኽ ዘገድድ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርትን ትካላት ንግዲን ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥር እዩ።
ብንግዳዊ ትካላት ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ እታወታት (ጥረ ነገራት) ዋጋታት ብዓቢኡ ይንቀሳቐሱ ስለዘለዉ፡ ማእከላይ ናብራ ዘለዎ ዝበዝሕ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ብምኽባር ዋጋ መነባብሮ ዝፍተን ኰይኑ ክስምዖ ይኽእል እዩ።
ዋጋታት ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ፍርያትን ጥረ ነገራትን ኣዝዩ ስለዝወሰኸ፡ ነዚ ንምክሕሓስ ዋጋታት ንግዳዊ ትካላት ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ከምዝወሰኸ ተንተንቲ ይዛረቡ።
እንተዀነ፡ ዋጋ ሰደድ እታ ሃገር እንተወሪዱ ዝያዳ እቶት ከምዘምጽእን ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ዝያዳ ሰሓቢ ከምዝገብሮን ይግለጽ።
ቅድሚ ሕጂ ኢትዮጵያ ባጤራኣ ዝደኸመሉ ቀንዲ ምኽንያት ዋጋ እቲ ናብ ደገ እተሰዶም ፍርያታት ስለዝነከየ እዩ።
ከምኡ'ውን እቲ ናይ ሰደድ ቢዝነስ ዝተባባዕ’ኳ እንተዀነ ምስ ኣፍራይነትን ተወዳዳርነትን ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ።
ተመኵሮ ግብጽን ናይጀርያን እንታይ ይመስል?
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ግብጺ ድሕሪ'ቲ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዘቐመጦ ቅድመ ኵነት፡ ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ሸርፊ ወጻኢ ተግባራዊ ገይራ።
ከም ግብረመልሲ፡ እቲ ትካል ማዕከን ገንዘብ ነታ ሃገር ዝህቦ ዝነበረ ልቓሕ ካብ 3 ቢልዮን ዶላር ናብ 8 ቢልዮን ዶላር ኣዕብይዎ።
ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ግን ፓውንድ ግብጺ ኣንጻር ዶላር ልዕሊ 60 ሚእታዊት ተዳኺሙ።
እዚ ድማ ነታ ካብ 2016 ኣትሒዛ ምስ ዘንቆልቍል ቍጠባኣ ትቃለስ ዝነበረት ግብጺ ዝገደደ ክሳራ ኣስዒቡላ።
ሰበስልጣን ናይጀርያ ድማ፡ ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝትመን ዝነበረ ሸርፊ ወጻኢ ብምቕያር፡ ናይራ [ገንዘብ ናይጀርያ] ብዕዳጋ ክውሰን ገይሮምዎ።
"ዋጋ ባጤራ ናይጀርያ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ወሪዱ" ይብል ቻርሊ ሮበርትሰን ካብ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ማክሮ ስትራተጂ ፊም ፓርትነርስ።
ሮበርትሰን ወሲኹ ከም ዝብሎ፡ “ናይጀርያ ውሱን ዶላር ነይርዋ። ብሰንኪ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ ውሱናት ነበርቲ ጥራይ እዮም ብወግዓዊ ዶላር ክረኽቡ ዝኽእሉ ነይሮም።
ትሑት ቍጠባዊ ዕብየት፡ ዕዳ እናወሰኸ ብምምጽኡን፡ ዋጋ ነዳዲ እናነከየ ብምምጽኡን፡ ሸርፊ ዶላር እትረኽበሉ ዓለማዊ ንግዲ መጠኑ ነክዩ።
ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዘስዕቦ ጸቕጢ እንታይ እዩ?
ዋጋ ናይቲ ቀንዲ መግቢ ናይጀርያውያን ዝዀነ ሩዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ወሲኹ።
ከምኡ’ውን ኣብታ ነዳዲ እተፍሪ ሃገር ዋጋ ሓደ ሊትሮ ነዳዲ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት 22.42 ሚእታዊት ዝነበረ መጠን ዝቕባበ ዋጋታት፡ ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ናብ 33.95 ሚእታዊት ሓፍ ኢሉ።
ዋጋታት ንብረት ምግቢ እናገደደ ብምኻዱ ኣብ ሰነ 40.8 ሚእታዊት ከምዝበጽሐን እዚ ድማ ንብዙሓት ናይጀርያውያን መሰረታዊ ምግቢ ንምግዛእ ኣጸጋሚ ኰይኑዎም ኣሎ።
ብዙሓት ዕዳ ባጤራ ወጻኢ ዝነበሮም ናይጀርያውያን ኩባንያታት ብሰንኪ ሸርፊ ዶላር ዓቢ ክሳራ ከምዘጋጠሞም ይንገር።
ናብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ግብጺ ምስ እንምለስ፡ ካብ ቀደሙ’ውን ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ሚልዮናት ግብጻውያን፡ ናይ ወጻኢ ባጤራኦም ኣብ ዕዳጋ ክምርኮሱ ይግደዱ።
መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ባኒ ድጐማ ይገብር'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ግን እቲ ዋጋ ብ300 ሚእታዊት ወሲኹ።
ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ዘሰክፍ እንተነበረ፡ ኣይኤምኤፍ ነዚ ጽገናታት ድሕሪ ምትግባር፡ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዝነበረ “ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ከምዝተቐነሰ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ርእሰ ተኣማንነት ኣውፈርቲ ኣዕብዩ እዩ” ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ከስዕብ ይኽእል?
ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ዝደኸመ ብር፡ ንሰደድ ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ብምንካይ ተወዳዳርነት ክውስኽ ይኽእል እዩ።
መንግስቲ፡ እዚ ውሳነ ብቐንዱ ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ዕደናን ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝጠቅምን ኣታዊታት ሸርፊ ወጻኢ እውን ከም ዘምፅእ ገሊፁ።
ብፍላይ ድማ ፍርያት ሕርሻ እታ ሃገር ከም ቡን፡ ሰሊጥ፡ ፍርያት ፍረታትን ኣሕምልትን፡ ከምኡ’ውን ጥሪት ንወጻእተኛታት ዓደግቲ ዝያዳ ሰሓብቲ ክኾኑ እዮም።
ይዅን እምበር እዚ ኵነታት ኣብ ኢትዮጵያ ይሰርሕ ድዩ? ዝብል ሕቶ ክለዓል እንከሎ፡ ብቐንዱ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ፍርያት ሕርሻ እታ ሃገር ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎ ተወዳዳርነት ዝምልከት እዩ።
ስለዚ እቲ ዝስደድ ዘሎ ፍርያት ክፍተሽ ኣለዎ ዝብሉ ኣይጠፍኡን እዮም።
እታ ሃገር ንዓመታት ብሰንኪ ሚዛኑ ዘይሓለወ ንግዲ ወጻኢ ክትሳቐ ዝጸንሐት ኰይና፡ ዋጋ ብር ብምንካይ፡ ከምቲ ዝተሓሰበ ንግዲ ሰደድን እታዎትን ሚዛን ክሕሉ ኣይከኣለን።
እታ ሃገር ኣብ መንጐ ዝኣቱን ዝለኣኽን ንግዳ ዘሎ ሰፊሕ ሃጓፍ ክተጽብብ ዘይምኽኣላ ዓቢ ዕንቅፋት ፈጢሩ ኣሎ።
ካብ ሰደድ ንላዕሊ ፍርያት ካብ ወጻኢ እተእቱ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ኣቐዲማ ዝነበረቶ ንላዕሊ ዝቕባበ ዋጋ ብምፍጣር ቅልውላው ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብሉ ግምታት ኣለዉ።
ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ውሳነ ሸርፊ ወጻኢ፡ ኣካል ናይቲ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ከተተግብሮ ዝወጠነቶ ቍጠባዊ ጽገና'ዩ" ክብል ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዋጋታት ንብረት ንምቍጽጻርን ቍጠባ ንምርግጋእን ኣማራጺ ገንዘባዊ ፖሊሲታት ክኽተል ከምዝግባእ ክኢላታት ይምዕዱ።
ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ወፍሪ ወጻኢ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።
ስለዚ ኢትዮጵያ ነቲ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንምፍታሕ እትኽተሎ ዘላ መንገዲ ፋይናንሳዊ ጽገናታታ ዝኸፍአ ውጽኢት ከይህልዎ ስግኣት ኣሎ።