ኢትዮጵያ፡ ንዝተገበረ ለውጢ ሸርፊ ወጻኢ ስዒቡ ኣብ ዋጋታት ፍርያት ልዑል ወሰኽ ተራእዩ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ዝበሎ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ድሕሪ ምትእትታዉ፡ ካብ መሰረታዊ ሸቐጣት ክሳብ ናውቲ ህንፀት ርኡይ ወሰኽ ዋጋ ከምዘርኣየ ተጠቀምቲ ገሊጾም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፣ ነጋዶ ችርቻሮ፣ ነጋዶ ጅምላን ሰራሕተኛታት ኮንስትራክሽንን ኣብ ዋጋ መሰረታውያን ሸቐጣትን እታዎታትን ልዑል ወሰኽ ከምዝተራእየ ሓቢሮም።

መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግብሪ ከምዘውዓሎ ይዝከር።

ባጤራ ኢትዮጵያ (ብር) ብኣንጻር ዶላር ዝህልዎ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ልክዕ ከምቲ ዝጸንሐ ብመንግስቲ ዘይኰነስ ኣብ ዕዳጋ ብዘሎ ዋጋ ክውሰን ዝብል ውሳነ መንግስቲ፡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክወሃቡሉ ጸኒሖም እዮም።

ብዙሓት እዚ ውሳነ ዝቕባበ ዋጋ ከስዕብ እዩ ዝብል ስክፍታ እኳ እንተሃለዎም፡ መንግስቲ ግን ብዕዳጋ ዝውሰን ናይ ብር ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ምህላው "በዳሂ" እኳ እንተኾነ፡ ንቁጠባ እታ ሃገር ግን "ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ይብል።

ብር ኣብ ዕዳጋ ብዘሎ ዋጋ ክሽየጥ ካብ ዝውሰን ንደሓር ምስ ዶላር ክነጻጸር ከሎ ብዝለዓለ ደረጃ እናተዳኸመ ይመጽእ ኣሎ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ባንክታት ዋጋ 1 ዶላር ኣስታት 57 ብር ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ግን ባጤራ ኢትዮጵያ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ብ58 ሚኢታዊ ክንክይ ከሎ ዋጋ ሓደ ዶላር ድማ ልዕሊ 91 ብር በጺሑ’ሎ።

ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ከኣ 1 ዶላር ብ146 ብር ይሽየጥ ከምዘሎ ምስቲ ንግዲ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዓለምለኻውያን ትካላት ፋይናንስ፡ እዚ ዋጋ ሸርፊ ብዕዳጋ ንኸውሰን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብራ ምጽንሐን ይፍለጥ። መንግስቲ ከኣ ነዚ ሓሳብ ቅቡል ብምግባር ካልኦት ስጉምትታት ቁጠባዊ ለውጢ’ውን ወሲዱ።

ንውሳነን ተግባርን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒቡ፡ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ልዕሊ 16 ቢልዮን ዶላር ነታ ሃገር ክድግፉ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ዝረኣ ዘሎ ምድኻም ዋጋ ብር፡ ዝያዳ ዶላር ናብ ዕዳጋ ምስ ኣተወ ከምዝረጋጋእን ጸሊም ዕዳጋ ዝበሃል ካብ ንግዲ ወጻኢ ምስ ዝኸውንን መንግስቲ ይገልጽ።

እንታይ ወሰኽ ተራእዩ?

ቢቢሲ ትማሊ ዓርቢ 02 ነሓሰ 2024 ዘዘራረቦ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ተስፋይ ቢተው "ዋጋ ዘይወሰኸ ነገር የለን" ይብል።

ቅድሚ ሕጂ ንሓደ ኪሎ ካብ 40 ክሳብ 50 ብር ዝሽየጥ ዝነበረ ሽጉርቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብ 70 ብር ደይቡ’ሎ። ኮሚደረ ብውሑዱ ብ10 ብር ወሰኽ ኣርእዩ ክሳብ 50 ብር ይሽየጥ።

1100 ብር ዝሽየጥ ዝነበረ 5 ሊትሮ ዘይቲ ሕዚ 1500 ብር ይሽየጥ ኣሎ።

ካልእ ነባሪ ከኣ ጣፍ "ትማሊ ንሓደ ኩንታል 16,500 እዩ ነይሩ" ክብል ከሎ፤ ካልእ ሰበይቲ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ኩንታል ጣፍ ክሳብ 19 ሽሕ ብር ይሽየጥ ምህላዉ ከም ዝሰምዐት ተዛሪባ።

ብዘይካ ኣብቶም ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ነገራት ዝተረኣየ ምውሳኽ ዋጋታት ኣብቶም ቀንዲ ንዋት ህንጸት ዝኾኑ ሓጺንን ሲሚንቶን እውን ርኡይ ወሰኽ ተራእዩ’ሎ።

ሓደ ኩንታል ሲሚንቶ ካብ 1400 ናብ 2000 ብር ወሲኹ። ንሓደ ኪሎ ብ130 ብር ዝሽየጥ ዝነበረ ፌሮ (ቴንዲኖ) ሓጺን ናብ 170 ብር ደይቡ።

ኣብ ዋጋ ሓደስቲ መካይን እውን ብኣማኢት ኣሽሓት ብር ወሰኽ ከምዝተረኣየ ተገሊጹ ኣሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ጅምላ ንግዲን ኮንስትራክሽንን ዝተዋፈሩ ሰባት፡ ኣብ መንጎ ዶላርን ብርን ዘሎ መጠን ሸርፊ ክንደይ ከምዝኸውን ኣቐዲምካ ንምግማት ኣጸጋሚ ስለዝኾነ ተረጋጊኦም ስርሖም ክሰርሑ ከምዘይከኣሉ ገሊጾም ኣለዉ።

ሓደ ክኢላ ህንጻ፡ ምስ ውልቀ ሰብ ይኹን ምስ መንግስቲ ውዕል ስራሕ ንምእታው ዝርዝር ዋጋታት ከቕርብ ከምዘይከኣለ ይዛረብ።

“ፅባሕ ዋጋ ሸርፊ ዶላር ክንደይ ከምዝኸውን ምፍላጥ ስለዘይከኣል ንወጻኢታት ገሚትካ ሰነድ ጨረታ ምቕራብ ኣጸጋሚ ኰይኑ’ሎ” ኢሉ።

ሓደ ንእሽቶ ድኳን ዝውንን ቸርቻሪ ብወገኑ ዋላ’ውን ኣብ ዋጋ ኣቑሑት ወሰኽ ሃልዩ፡ ግን ከኣ ካብቶም ጅምላ ኣከፋፈልቲ ዝደልይዎ መጠን ኣቑሑት ይረኽቡ ከምዘየለዉ ይገልጽ።

ናይዚ ምኽንያት ከኣ ስእነት ወይ ሕጽረት ኣቑሑት ዘይኮነስ ነጋዶ ኰነ ኢሎም ኣቑሑት ይሓብኡ ስለዘለዉ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እቶም ጅምላ ኣከፋፈልቲ፡ ‘ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዋጋ ብር ዝያዳ ክወርድ ስለዝኽእል ዋጋ ኣቑሑት ክውስኽ እዩ’ ብዝብል ነቲ ኣቑሑት ከምዝሓብእዎ እቲ ነጋዳይ ይገልጽ።

እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ፡ ዓቕሚ ብር ብኣንጻር ዶላር እናነከየ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ ዋጋ ኣቑሑት እውን እናወሰኸ ክኸይድ ከምዝኽእል ስግኣት ሸማቶ (ዓደግቲ) ኰይኑ ይርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ብዘይምኽንያታዊ መንገዲ ዋጋ ዝተፈላለዩ ኣቑሑትን ፍርያትን ኣብ ልዕሊ ዝውስኹ ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመ ኣብ ልዕሊ ዘይምኽንያታዊ ዋጋ ዝውስኹ ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ኣብ ዙርያኣ ዝርከባ ከተማታትን ካብ መጠን ንላዕሊን ዘይምኽንያታዊን ወሰኽ ዋጋ ኣብ ዝገበራ ትካላት ንግዲ ናይ ምዕሻግ ስጉምትታት ይወስዱ ከምዘለዉ ሰበስልጣን ይግለጹ።