ንሕማም ድምባወ ብምቅላሱ ዓለምለኻዊ ሽልማት ዝረኸበ ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሰር

ፕሮፌሰር ወንድማገኝ

ምንጪ ስእሊ, PROF. WENDEMAGEGN ENBIALE

ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሕክምና ቆርበት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሲንጋፖር’ዩ ተኻይዱ ነይሩ።

ኣስታት 11,500 ሓካይም ቆርበትን ኣፍረይቲ መድሃኒትን ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም እዮም።

ብተወሳኺ ምስ ሕክምና ቆርበት ብዝተኣሳሰር ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ከምጽኡ ናይ ዝኽእሉ ስርሓት ውድድር’ውን ተኻይዱ’ዩ።

ኣብቲ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ደቡብን ማእከላይን ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኤስያን ኣውሮጳን ዝመጹ ሰብ ሞያ ዘሳተፈ ውድድር፡ ካብ 66 ሃገራት 193 ኣማመ ፕሮጀክት ቀሪቦም ነይሮም።

ፕሮፌሰር ወንድማገኝ እምቢኣለ፡ ሓደ ካብቶም እማመ ዘቕረቡ ክኢላታት’ዩ።

ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ካብ ዝቐረቡ እማመታት ድማ፡ ፕሮፌሰር ወንድማገኝ ዘቕረቦ ተዓዋቲ ኰይኑ ተመሪጹ።

እዚ ኢትዮጵያዊ ክኢላ ዝተሸለመሉ ፕሮጀክት፡ ንክልተ ሕማማት ዝወሃብ ሕክምና ኣብ ሕብረተሰብ ተበጻሒ ንክኸውን ዝዓለመ እዩ።

እቲ ሓደ ብእንግሊዝኛ ‘ፖዶኮኒዮሲስ’ ወይ ብተለምዶ ‘ኤለፋንቲያሲስ’ ብዝብል ዝጽዋዕ ሕማም ድምባወ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ‘ኩታንየስ ሌሽማኒያሲስ’ ዝበሃል ሕማም ካላዘር እዩ።

ፕሮፌሰር ወንድማገኝ፡ ምስቲ ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ክፋላት ኢትዮጵያ ንሕማም ድምባወ ሕክምና ዝህባ ትካላት ዝመስረታኦ ሃገራዊ መርበብ ፖሎ (ናፓን) ብምትሕብባር ዝወጠኖ፡ እቲ ፕሮጀክት ንምትግባር ናይ 20 ሽሕ ዩሮ ገንዘባዊ ደገፍ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ሕማም ድምባወ እንታይ እዩ?

ሕማም ድምባወ ብጽግዕተኛታት ነፍሳት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ብጣንጡ ኣቢሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክዝርጋሕ ይኽእል። እዚ ሕማም ኣብ ኣስኪት፡ እግሪ ወይ ጡብ ሕበጥ የስዕብ።

ምስቲ ሕበጥ ዝተኣሳሰር በብእዋኑ ረስኒ፡ ሕማም ርእሲ፡ ምንቅጥቃጥ፡ ስግድግድን ቁሪ-ቁሪ ዘብል ስምዒትን ይመጽእ። እናገደደ ምስ ዝኸይድ ድማ ቁስልን ረሳሕ ጨናን የስዕብ።

ብሰንኪ’ዚ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ብሕብረተሰብ ክግለሉ ምርኣይ ልሙድ’ዩ።

ኣብ ኣምሓራ፡ ወላይታ፡ ኦሮምያን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ማእከላይ ደቡብን ኣዝዩ ትሑት እቶት ዘለዎምን ጥራሕ እግሮም ዝጓዓዙን ሓረስቶት መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሕማም የጥቅዖም።

ይዅን’ምበር እቲ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ሸለል ተባሂሉ ጸኒሑ’ዩ፤ ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ክንድቲ ዝግባኦ ኣቓልቦ ኣይረኸበን።

ከም ውጽኢቱ ድማ እዚ ብቐሊል ሕክምናን ቅደመ-ጥንቃቐን ክፍወስን ክከላኸልን ዝኽእል ሕማም፡ ህይወት ብዙሓት ጸልዩ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ 1 ሚልዮን ሰባት ከም ዘለዉ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ኣስታት 35 ሚልዮን ሰባት ድማ ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ምዃኖም ይእመን።

'ኣብ መርዓ ውላደይ'ኳ ውዒለ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ብርሃኑ፡ ብሕማም ድምባወ ተጠቒዑ ክሳቐ ካብ ዝጅምር ዓመታት ሓሊፎም እዮም። ካብ ስድራኡ ከይተረፈ ተገሊሉ፡ ዘየሰክፎ ሰብ የለን። ካብ ስድራኡ ተፈልዩ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጕዶ እናሓደረ ምስ ህይወት ክቃለስ ጸኒሑ።

ኣቶ ብርሃኑ ተሓካሚ ፕሮፌሰር ወንድማገኝ’ዩ።

እቲ ሕማም ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ ከም ዝጀመሮ ይዛረብ።

ብሞያኡ ነጋዳይ ብምንባሩ፡ ብእግሩ ካብታ ዝዓበየላ ከተማ ዱር ቤቴ ኣስታት 60 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ባህርዳር እናተጓዕዘ ይነግድ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣይነበረን።

ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምስ ተጀመረ፡ ንንግዲ ናብ ባህርዳር ክኸይድ ኣብ ሎንችና (ንእሽቶ ኣውቶቡስ) ተሳፊሩ።

እታ ሎንችና ክሳብ እትመልእ፡ እታ ጸሓይ ስለዝበርተዐት እግሩ ክሽትት ጀሚሩ። ኣብታ መኪና ዝነበሩ ሰባት እውን ኣፍንጭኦም ሸፊኖም።

መራሒ እታ ኣውቶቡስ "እታ ወዲ እንታይ እዩ? ምዉት ኣንጭዋ ዲኻ ጽዒንካ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ ልዑል ሕፍረት ተሰሚዕዎ።

"ምድሪ ተኸፊታ እንተትውሕጠኒ ተመንየ" ይብል ነቲ ኣጋጣሚ ክዝክር ከሎ። ነቲ ሕፍረት ክጻወሮ ስለዘይከኣለ ዋላ ሓንቲ ከይበለ ካብታ መኪና ወሪዱ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መኪና ተሰቒሉ ኣይፈልጥን፤ ንግዱ’ውን ንደቁ ኣረኪቡ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናቐደሰ ኣብ ኣፍደገ ደጀ ሰላም ክነብር ጀሚሩ። ብኸምዚ ኵነታት ክልተ ሰለስተ ዓመት ጸኒሑ፤ እዚ ግን ካብ ምግላል ኣየድሓኖን።

"ሓደ መዓልቲ ኣቦ እታ ቤተክርስትያን ጸዊዖም ‘እግርኻ ስለ ዝጨኑ ናብ ቤተ መቕደስ ኣይትእቶ' ኢሎሙኒ" ይብል፣ ካብታ ቤተ ክርስቲያን ርሒቑ ክጽሊ ጀሚሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ስድራቤቱ እውን ኣማሪሮም። ኣብ ድሕሪ ገዛ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጕዶ ሰሪሖሙሉ።

ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኣብ ዝዀነ መርዓ፡ ድግስ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ፍጻመ ተሳቲፉ ኣይፈልጥን።

ኣብ ገዛኦም ከይተረፈ ድግስ ክዳሎ ከሎ፡ መግብን መስተን ናብታ ዝተሰርሓትሉ ገዛ እዩ ዝኸዶ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ መርዓ ደቁ ኣይሳተፈን።

ኣብዚ ጽንኩር ብድሆ’ዚ እናነበረ እንከሎ’ዩ ኣብቲ ብፕሮፌሰር ወንድማገኝ ዝተኸፍተ ማእከል ሕክምና ክሕከም ዕድል ዝረኸበ።

ሕክምና ምስ ረኸበ እግሩ ምጭናው ኣቋሪጹ፤ ናብቲ ናይ ቀደም ህይወቱ ተመሊሱ።

ካልእ ወዲ እውን ኣመርዕዩ፤ ኣብቲ መርዓ ተረኺቡ ፈተውትን ኣዝማድን ኣአንጊዱ።

ሕክምና ምስ ጀመረ ኣብ ሳልሳይ ወርሒ ድማ “ሎሚመዓልቲ ሓጐሰይ እያ። ውላደይ ኣመርዕየ፤ ኣብ መርዓ ውላደይ እውን ተሳቲፈ" ክብል ንፕሮፌሰር ወንድማገኝ ኣመስጊኑ።

ሕብረተሰብ ኣስተምህሮ እናተዋህበ

ምንጪ ስእሊ, PROF. WENDEMAGEGN ENBIALE

ስለምንታይ ኣተኵሮ ኣብዚ ሕማም?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር መምህር ዝዀነ ፕሮፌሰር ወንድማገኝ፡ ሓኪም ቆርበትን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን እዩ።

ንሱ፡ ከም ሓኪም ቆርበት ስራሕ ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ንሕማም ድምባወ ዝወሃብ ሕክምና ከም ዘይነበረ ይዛረብ።

በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት እውን ፈውሲ ንኽረኽቡ ዝነበሮም እንኮ ኣማራጺ ናብ ናይ እምነትን ጸሎትን ቦታታት ምኻድ ጥራይ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነቲ ሕማም ኣገልግሎት ሕክምና ዝወሃብ ኣብ ሃይማኖት ብዝነጥፋ ሰብኣዊ ትካላት ጥራይ እዩ ነይሩ። እዚ’ውን ኣብ ክልል ደቡብ ከተማ ሶዶ ጥራይ እዩ ዝርከብ።

"እዚ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ሰባት ዘጥቅዕ’ኳ እንተዀነ፡ ሸለል ተባሂሉ’ዩ ጸኒሑ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።

በዚ ምኽንያት ብሃገር ደረጃ ይኹን ኣብ ዓለም ብዛዕባ እቲ ሕማም ብዙሕ ሓበሬታ ኣይነበረን።

እዚ ዘተሓሳሰቦ እቲ ሓኪም፡ ምስ ኢንተርናሽናል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቻሪቲ ዝተባህለ ማሕበር ብምትሕብባር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ከተማ ደብረማርቆስ እቲ ሕክምና ክጅመር ገይሩ።

ወለንተኛ ኰይኑ እውን ከገልግል ጀሚሩ።

እቲ ፕሮፌሰር ከም ዝብሎ፡ ሕክምና ሕማም ድምባወ ቀሊል’ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ስእነት ቆላሕታ ግን ብዙሓት ሰባት ንስቓይን ማሕበራዊ ተነጽሎን ተቓሊዖም እዮም።

እቲ መስርሕ ሕክምና፡ እግሪ ምሕጻብ፡ ቅብኣት ምልካይ፡ ኣብ እግሪ ዘሎ ቁስሊ ምሕካምን ምሽፋንን ከምኡ’ውን ጫማ ምግባርን የጠቓልል።

እዚ ቀሊል ሕክምና ኣብ ሕሙማት ዓቢ ለውጢ ከምጽእ’ኳ እንተኸኣለ፡ ኣብቲ እዋን ሰብ ሞያ ጥዕና እቲ ፍልጠት ስለዘይነበሮም፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ትካላት ጥዕና ኣይወሃብን ነይሩ።

"እቲ ሕማም ብደረጃ ሃገር ክፍለጥን ኣብ ቆላታት ከባቢታት ሸለል ካብ ዝተበሃሉ ሕማማት ኢትዮጵያ ኣካል ዓለምለኸ ኰይና ክትጽንበርን ዝኸኣለት፡ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝተፈላለዩ ተመራመርትን ትካላት ግብረ ሰናይን ብዝሰርሕዎም ስርሓት እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ወንድማገኝ።

እቲ ፕሮፌሰር ኣብ ዱር ቤቴ እውን ማእከል ሕክምና ከፊቱ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ድማ ተሓከምቲ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ክረኽቡ ኣኽኢሉ’ዩ።

እቲ ሕክምና መጥባሕቲ፡ ለውጢ ከም ዘምጽአ ሳይንሳዊ መጽናዕትታት ኣካይዱ እዩ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እዞም ሳይንሳዊ መጽናዕትታት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና መጥባሕቲ ከም ኣካል ናይቲ ሕክምና ኣብ መደብ ክንክን ጥዕና ንኸተኣታትዎ ኣኽኢሎም እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሕማም ድምባወ ብደረጃ ሃገር ኣብ ቆላታት ቆላሕታ ካብ ዘድልዮም ሕማማት ገይሩ መምርሒታት ዘዳለወ’ኳ እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን እቲ ሕክምና ኣብ ማእከላት ጥዕና ኣይወሃብን።

ፕሮፌሰር ወንድማገኝ፡ ብቐሊል ሕክምና ክፍወስ ብዝኽእል ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት ንምድሓን ኣብቲ ሕማም ትዅረት ገይሩ ክሰርሕ ዝጀመረሉ ምኽንያት እዚ እዩ።

ኣብዚ ኣዳልዩ ክትግብሮ ዝጀመረ ፕሮጀክት፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምስልጣን ሕሙማት ኣብ ዝሃለውዎ ቦታ ኣገልግሎት ክረኽቡ ንምኽኣል መደብ ሒዙ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ወንድማገኝ፡ ኣብ ሰነ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር መበል 60 ዓመቱ ኣብ ዘኽበረሉ እዋን፡ ኣብ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ብዝገብሮም ንጥፈታቱ ተሸሊሙ’ዩ።

ጀማሪ ሓኪም ቆርበት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ 2011 ኣብ ሴኡል ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ጉባኤ ሓካይም ቆርበት፡ ምስ ተሓከምቲ ኤችኣይቪ ብዝተኣሳሰር ብዝሰርሖ ስራሕ ገንዘባዊ ሽልማት ተዋሂብዎ ነይሩ።

ተወሳኺ ብዛዕባ'ዚ ሕማም

እዚ ሕማም ንመጀመርያ ግዜ ዝተፈልጠን ስሙ ዝተወሃቦን ኣብ 1970ታት ኣብ ኢትዮጵያ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምኹዓት ዝተዋፈሩን ጥራይ እግሮም ዝኸዱን ሓረስቶት ከም ዘጥቅዕ ምስተረጋገጸ፡ ዓለምለኸ መጽናዕትታት ተኻይዶም።

ብድሕሪኡ እቲ ሕማም ብፍላይ ኣብ ካሜሩን፡ ታንዛንያን ሩዋንዳን ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።

ገለ ዳህሳሳት፡ እዚ ሕማም ኣብ 17 ሃገራት ዓለም ከም ዘሎ የመልክቱ። እቶም ዝበዝሑ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ግን ኣብ ኢትዮጵያ እዮም።

ድሕሪ 1970ታት ን30 ዓመታት ርኡይ መጽናዕቲ ኣይተገብረን።

ካብ ዓመት 2000 ጀሚሩ ግን ገለ ተመራመርቲ ነቲ ሕማም ዳግማይ ከጽንዑ ጀሚሮም።

ኣብ 2007 ዝተኻየደ ሃገራዊ መጽናዕቲ፡ 1.5 ሚልዮን ሰባት ሕማም ድምባወ ከም ዘለዎም የመልክት፤ ካብ 35 ክሳብ 50 ሚልዮን ሓረስቶት ድማ ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ እዮም።