ቢቢሲ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኲናት ቓዛ ፋልማዩ ምስ ኣተወ እንታይ ተዓዚቡ?

ኣብ ሓደ ደንደስ ውጽእ ኢልካ ምስ እትዕዘብ ኣብ ቓዛ ዝወረደ ዕንወት ንኽትምስክር ዝኽልከለካ ዝዀነ ህንጻ የለን።

እቲ ቓዛ ቅድሚ እዚ ኲናት ዝነበራ መልክዕ ካብ ዝኽሪ ብዙሓት ሃሲሱ'ዩ፡ ኣብ ክንድኡ ብዝተዀመረ ፍርስራስ፡ ኣብ ባይታ ብዝተሰጥሐ ህንጻታት ተተኪኡ።

ኣብቲ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ምብራቕ ቓዛ ዝርከብ ቤት ሃኔኡን ዝብሃል ከባቢ ዘጋጠመ'ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኰነን።

ኣብ ቓዛ እንትርፎ እቲ ሓሓሊፉ ዝርአ ኣዕኑዱ ጥራይ ዝተረፈ ዝዓነወ ህንጻታት ካልእ ደው ዝበለ ነገር ኣይርአን'ዩ። ኣብዚ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ይነብሩ ነይሮም ኢልካ ክትኣምን'ውን ዘጸግም'ዩ።

እዚ ቦታ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኲናት ምስ ጀመረ ሰራዊት እስራኤል ቀዲሙ ካብ ዝኣተዎም ቦታታት'ዩ፤ ካብ ሽዕኡ ጀሚሩ ኸኣ ሓያለ ግዜ ካብቲ ቦታ ወጺኡን ተመሊሱ ኣትዩን'ዩ።

እስራኤል ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ጋዜጠኛ ናብ ቓዛ ኣትዩ ጸብጻብ ክሰርሕ ክትፈቅድ ኣይጸንሓትን፤ ትማሊ ግን ኣባላት ቢቢሲ ዝርከብዎም ጕጅለ ጋዜጠኛታት ናብቲ እስራኤል ትቈጻጸሮ ክፋል ኣትዮም ክዕዘቡ ፈቒዳ።

እቲ ምብጻሕ ኣዝዩ ምቍጽጻር ዝበዝሖ ኰይኑ፡ ንፍልስጤማውያን ዘይተፈቐደን ናብ ካልእ ክፋል ቓዛ ክንበጽሕ ዘየፍቅድን'ዩ ነይሩ።

ብዘይካ እዚ እቲ ዝሰኣልናዮ ቅድሚ ምሕታምና ከነርኢ ግድን'ዩ ነይሩ።

ቢቢሲ ከኣ ነዚ ሕጊ ምስ ኤዲቶርያል መምርሒታቱ ከምዘይጋጮ ብምርግጋጽ'ዩ ኣትይዎ።

ንወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ሌተናል ኮሎኔል ናዳቭ ሾሳኒ ንደረጃ እቲ ዝወረደ ዕንወት ኣብ ዝተወከስናሉ "እዚ ዕለማና ኣይነበረን" ኢሉ።

"እቲ ዕላማ ነቶም ግብረሽበራውያን ምግጣም'ዩ፣ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ከኣ ውሽጢ ውሽጢ ዘራኽብ ገለርያታት ነይርዎ'ዩ፡ ወይ ከኣ ኣርፒጂ ወይ ቀጭሕርሙ [ስናይፐር] ተጻዊድዎ ነይሩ'ዩ" ኢሉ።

ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ሕዳር 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው 1100 ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ፡ ን251 ሰባት ጅሆ ሒዞሞም ከይዶም።

ብድሕሪ'ዚ እስራኤል ሕነ ንፍዳይን ነቶም ጅሆ ዝተታሓዙ ነጻ ንምውጻእን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ 68 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስተሪ ጥዕና ይሕብር።

ሌተናል ኮሎኔል ሾሳኒ ብወገኑ ሬሳ ናይ ብዙሓት ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣብዚ ቦታ ከምዝተረኸበ ድሕሪ ምሕባር፡ ናይቶም ገና ሬሳኦም ዘይተረኸበ ዘሎ ሸውዓት ሰባት ንምርካብ'ውን ተፍትሽ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ንሕና ዝኣተናዮ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ካብቲ ብመንገዲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብጫ መስመር ተባሂሉ ዝተገለጸ ውሑዳት ኣማኢት ሜትሮታት ራሕቂ'ዩ ዘለዎ።

እቲ ብጫ መስመር፡ ነቲ እስራኤልን ሓማስን ዘመሓድርዎ ክፋል ቓዛ ዝፈሊ'ዩ።

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ብጫ መስመር ተባሂሉ ዝተወሰነ ቦታ፡ ዓበይቲ ኣዕኑድ ብምቕማጥ ምልክት ይገብሩሉ ኣለዉ፤ እዚ ከኣ ሓማስ ይዅን ሰለማውያን ሰባት ናብቲ ቦታ ከይቀርቡ ንምጥንቓቕ'ዩ።

በዚ ንሕና ዝቐረብናዮ ግን ዝዀነ ምልክት የብሉን፣ እቶም ወተሃደራት፡ ካብታ ፍራስ ገዛ ክሳብ እቲ ኵምራ ሑጻ'ዩ እቲ ብጫ መስመር ኢሎም'ዮም ገሊጾሙልና።

እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ዳርጋ ወርሒ ኣቝጺሩ'ሎ። እንተዀነ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ብጫ መስመር ዳርጋ መዓልታዊ ኣንጻር ዕጡቓት ሓማስ ይዋግኡ ምህላዎም'ዮም ዝገልጹ።

እቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ሰራዊት እስራኤል'ውን ብረቶም ኣጻዊዶም ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ ኢኻ ትርእዮም።

ሓማስ፡ እስራኤል ነቲ ስምምዕ ኣማኢት ግዜ ከምዝጠሓሰቶ'ዩ ዝኸስስ። ከም ውጽኢቱ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ጥራይ 240 ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ሌተናል ኮሎኔል ሾሳኒ ግን ሰራዊት እስራኤል ነቲ ብኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባሩ ውፉይ ከምዝዀነ ብምግላጽ እንተዀነ ሓማስ ንእስራኤላውያን ዝዀነ ሓደጋ ከብጽሕ ከምዘይክእል ከረጋግጹ ከምዝደልዩ'ዩ ሓቢሩ።

"ሓማስ ዕጡቕን ንቓዛ ክቈጻጸር ዝደልን ጕጅለ ምዃኑ ንዅሉ ብሩህ'ዩ፣ እዚ ቀስ ኢልካ ክስርሓሉ ዝከኣል'ዩ ሕጂ ግን ካብኡ ኣዚና ኢና ርሒቕና ዘለና" ኢሉ።

እቲ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ብመንጐኛነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕን ሰልጣኑ ነቲ ትራምፕ ዝርከቦም ዓለምለኻውያን ሓይልታት ምክትታል ክገብሩሉ ዝተወጠነ ኮሜተ ፍሊስጠማውያን ከረክብን ዝብል'ዩ።

እንተዀነ ሌተናል ኮሎሌል ሾሳኒ ሓማስ ኣብ ክንዲ ስልጣኑን ብረቱን ዘረክብ ኣንጻር ናይቲ ዝፈረመሉ ተግባራት የካይድ ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

"ሓማስ ዕጥቅታቱ'ዩ ዘደልድል ዘሎ፣ ዓብላልነት ኣርእዩ ንቓዛ ንምቍጽጻር'ዩ ዝጽዕር ዘሎ" ይብል ሾሳኒ።

ኣስዒቡ፡ "ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዕጥቁ ክፈትሕን ስልጣኑ ከረክብን'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ነይሩና፣ ሓማስ ሰላማውያን ሰባት ንምርዓድ ሰባት ይቐትል፣ እዚ ከኣ ኣብ ቓዛ መን እቲ ቀንዲ ሓላፊ ምዃኑ ንምእማንን ንምርኣይን ዝገብሮ ዘሎ'ዩ" ኢሉ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ትሕቲ እዚ ዝርአ ዘሎ ፍርሰራስ ኣሎ ዝበልዎ ገለርያታት ዘርኢ ካርታ ኣርእዮምና።

"እቲ ገለርያታት ልክዕ ከም ዓለባ ሳሬት ንሓድሕዱ ዝራኸብ'ዩ" ድሕሪ ብምባል፡ ንገለ ከምዘዕነውዎ፡ ገለ ገና ኣብ መዓላ ከምዘሎን ንዝተረፈ ከኣ ይደልይዎ ምህላዎምን ኣብሪሆም።

እቲ ዝቕጽል መድረኽ ናይቲ ስምምዕ እንታይ ክመስል ከምዝኽል ንጹር ኣይኰነን።

እቲ ስምምዕ ንቓዛ ካብ ንጡፍ ኲናት ድኣሉ ኣድሒንዋ'ምበር ንዝያዳ ወጥሪ'ዩ ኣቓሊዑዋ ዘሎ።

ኣመሪካ'ውን እቲ ስምምዕ ክሳብ ክንደይ ናብ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ዝተረድኣ ይምስል፤ ድሮ'ኳ እቲ ስምምዕ ክልተ ግዜ ተጣሒሱ'ሎ። ካብዚ ብምብጋስ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ንሓማስ ጠቕሊሉ ዕጥቑ ከምዝፈትሕ ብምግባር ሰላም እቲ ከባቢ ከተውሕስ ትደሊ'ያ።

ሓማስ ብረቱ ቅድሚ ምፍትሑ፡ ሰላም እቲ ከባቢ ንምውሓስ ኣየኖት ሃገራት'የን ናብቲ ቦታ ሰራዊተን ክሰዳ ዝተገለጸ ነገር የለን።

እቲ ንሓማስ ከመሓድር ዝምዘዝ ሓድሽ ኮሜተ ፍልስጤማውያንን'ውን ብመንን ብኸመይን ከምዝምረጽ ዝርዝር ኣይሰፈረን።

ትራምፕ፡ ቓዛ ማእከል መስሕብ በጻሕቲ ማእከላይ ምብራቕ ክትከውን'ያ እዩ ዝብል። እዚ ግን ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ኣዝዩ ርሑቕ'ዩ - በዚ እዋን ክብጻሕ ይክኣል'ዩ ዘይትብሎ ራሕቒ።

ኣብዛ ብእስራኤል ዝዓነወትን ብትራምፕ መስሕብ ወፍሪ ክትከውንን ትብሃል ዘላ ቓዛ፡ እቲ ሕቶ እቲ ኲናት መን ደው የብሎ ዝብል ጥራይ ኣይኰነን።ቓዛውያን ኣብታ ትሕሰብ ዘላ ምዕብልቲ ቓዛ ኣብቲ መሬትን ኣብ ሕብረተሰቦምን እንታይ ተሰማዕነት'ዩ ክህልዎም ዝብል'ዩ።