እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ተለዓዕሎም ዘላ ዕጡቓት ጕጅለታት ቓዛ
እዚ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ተኣፋፍነት ውሽጣዊ ጸጥታ ቓዛን ምቕልቃል ንሓማስ ዝቃወሙ ብእስራኤል ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታትን ኣግሂዱ'ሎ።
ዝሓለፈ ሰነ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል ንሓማስ ንምምካት ኣብ ቓዛ "ቀቢላታት ኣለዓዒላ'ላ" ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ካብዚኦም፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ፍሉጥ ጋዜጠኛን ነጣፍን ሳልሕ ኣልጀፍራዊ ኣብ ዝተቐትለሉ ምስ ሓማስ ዝተፈጠረ ግጭት ዝተሳተፈ ቀቢላ ዶግሙሽ ይጥቀስ።
ገለ መራሕቲ ጕጅለታት ጸረ-ሓማስ፡ ሰበስልጣን ጸጥታ ፋታሕ ወይ በዓል መዚ ፍልስጤም ነበር ምዃኖም ጸብጻባት ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕብር።
ሓማስ ነዞም ጕጅለታት ምስ ሻባክ ሓዊሱ ምስ ትካላት ስለያ እስራኤል ይተሓባበሩ እዮም ብምባል ብኽድዓት ይኸሶም። ካብዚኣቶም ኣብ ራፋሕ ዝመደበሩ ምልሻን ፍሉጣት መራሕቲ ያሰር ኣቡ ሸባብ፡ ሑሳም ኣል ኣስጣልን ራሚ ሕሊስን ይርከብዎም።
ብ15 ጥቅምቲ፡ ሓይሊ ራዲ (ምክልኻል) ሓማስ ብቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኵሉም ተቓወምቲ "መንገዶም ከዐርዩ"ን ዝርግሐ ተጻረርቲ ጕጅለታት ንምምካት ስለያዊ ሓበሬታ ክህቡን ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ሓደ ክኢላ ጸጥታ ንፍሉጥ መርበብ ሓበሬታ ሊባኖስ ኣልሞዶን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዞም ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ቓዛ ከምዝተበራኸቱን ከምዘስፋሕፍሑ ሓቢሩ።
ኤረም ኒውስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኢማራት እውን፡ ንምንጭታት እስራኤል ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እዞም ጕጅለታት "ናይ ሞትን ሕየትን" ይዋግኡ ኣለዉ ይብል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ኣሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ ዝተባህለ ጋዜጣ ዓረብ፡ "ንኣቡ ሸባብ ዝቐረቡ" ዝበሎም ምንጭታት ብምጥቃስ፡ እቲ ጕጅለ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ተቓለስቲ ይምልምልን "ርትዓዊ" ደሞዝ ይኸፍሎምን ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ቓዛ ዝንቀሳቐሱ ቀንዲ ምልሻታት
ኣብዚ እዋን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ - ነቲ ኣብ ደቡብ ሸነኽ ኣብ ራፋሕ ምስ ዝመደበሩ ያስር ኣቡ ሸባብ ዝተኣሳሰሩ ሓዊሱ - ሓያሎ ምልሻታት ይንቀሳቐሱ ምህላዎም እዩ ዝንገር።
ካልእ "ህዝባዊ ሰራዊት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጕጅለ - ምስ ኣቡ ሸባብ ምትእስሳር ከምዘለዎ እውን ይንገር። እዚ ብኣሽራፍ ኣል-ማንሲ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት - ቤት ላህያን ጀባልያ ኣልባላድን - ይንቀሳቐስ ኣሎ።
ማንሲ ብ14 ጥቅምቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ብዝተቐድሐ መደረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓማስ ኣብ ጥቓ እቲ ንሱ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ከይቀርብ ኣጠንቂቝ።
ያስር ኣቡ ሸባብ ቅድሚ ሕጂ፡ ምስ እስራኤል ብዘለዎ ምትእስሳር ብገበን ተኸሲሱ ብሓማስ ተኣሲሩ ነይሩ። ኣብ መንጐኡን እስራኤልን ዝምድና ከምዘሎን፡ እስራኤል ንጕጅለኡ ኣጽዋር ከም ዝሃበት ዝገልጽ ጸብጻባት ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክወጽእ ጸኒሑ እዩ።
ኣቡ ሸባብ፡ ኣብ ውሽጣዊ መዘክር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስሙ ዝሰፈረ ኰይኑ፡ ዋሽንግተን ፖስት "ብድሕሪ'ቲ ስርዓታውን ሰፊሕን ዝምታ መግቢ ረዲኤት ዘሎ ቀንዲን ጸላዊ ኣካል" ክብል ኣስፊርዎ'ሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኤረም ኒውስ፡ ካልኣይ ምልሻ፡ እቲ ብራሚ ሕሊስ ዝምራሕ፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ንጡፍ ምንቅስቓስ ዘካይድን እዩ። እዚ ጕጅለ ካብ ስድራቤት ሕሊስ ዝመጹ - ገለ ካብኣቶም ኣባላት ፋታሕ ዝዀኑ - ዓሰርተታት ኣባላት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ "ኣብታ ከተማ ዝያዳ ዝተወደበ ምልሻ" ምዃኑ ድማ ኤረም ኒውስ ይገልጽ።
እቲ ብኤረም ኒውስ ዝተዘርዘረ ሳልሳይ ጕጅለ ድማ፡ ኣብ ካን ዩኒስ ዝመደበሩ፡ ብሑሳም ኣል-ኣስጣል ዝምራሕ እዩ።
ብተወሳኺ ብያሰር ሐናይደቕ ዝምራሕ ካልእ ዕጡቕ ጕጅለ ድማ፡ ሓያለ ኣባላት ፋታሕ ነበር ዝሓቘፈ ምዃኑ ኤረም ኒውስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ'ሎ።
ሑሳም ኣልኣስጣልን ራሚ ሕሊስን መን እዮም?
ሑሳም ኣል ኣስጣል ኣብ በዓል መዚ ፍልስጤም በዓል ስልጣን ጸጥታ ዝነበረ እዩ። ኣብ ደቡባዊ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ካን ዩኒስ ዝመደበሩ ምልሻ ዝመርሕ ኰይኑ፡ ነቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ሓማስ ዝሃድኖም ዘሎ ጕጅለታት ክድግፍ ከምዝጸንሐ ኸኣ ይንገር።
ወዲ 46 ዓመት ራሚ ዓድናን ሕሊስ ኣባል ሓለዋ ፕረዚደንት በዓል መዚ ፍልስጤምን ፋታሕን ዝነበረ እዩ። ኣብ ቓዛ "ህዝባዊ ሓይልታት ምክልኻል" ዝብሃል ጕጅለ ከምዝመርሕ ድማ ይዛረብ።
ሓማስ እናሃደኖም እዞም ጕጅለታትን መራሕቶምን ኣበይ ኣለዉ?
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ሓማስ ንዕጡቓት ምልሻታት ንምጭፍላቕ ስጕምትታት ክወስድ ካብ ዝጅምር፡ ኣቡ ሸባብ ኣበይ ከምዘሎ ዝተፈላለየ ግምታት ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ራይ ኣል ዩም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ምስ ኣቡ ሸባብ ዝነበረ ርክብ ከምዝተቛረጸ ኣስፊሩ፤ ወሲኹ "ሰራዊት ጎበጣ እስራኤል ነቲ ፍሉጥ ወኪሉ ኣቡ ሸባብን ጕጅለኡን ጠሊምዎም እዩ" ኢሉ።
ኣልሞዶን ብ14 ጥቅምቲ ንሓደ ክኢላ ጸጥታ ብምጥቃስ "ገለ ምልሻታት ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ጐበጣ [እስራኤል] ኣብ ዘሎ ከባቢታት ኣለዉ" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ምልሻ ኣቡ ሸባብ ኣብ ምብራቓዊ ራፋሕ ናብ ዝርከብ ከባቢ ኣል-ሻውካ ተንቀሳቒሱ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ጕጅለ ሑሳም ኣል ኣስጣል ኣብ ደቡባዊ ካን ዩኒስ ዝዓስከረ ክኸውን ከሎ፣ ጕጅለ ራሚ ሕሊስ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ኣልሸጃያ ዝመደበሩ ምዃኑ ይገልጽ።
ካልኦት ምስ ገለ ስድራቤታት ዝተኣሳሰሩ ጕጅለታት እውን ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ቓዛ ፋሕ ኢሎም ከምዘለዉ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ የመልክት።
ኣብዞም ጕጅለታት ምውህሃድ ኣሎዶ?
ኣብ መንጎ እዞም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓት ጕጅለታት ርኡይ ምትእስሳር ብዛዕባ ምህላዉ ዝገልጽ ንጹርን ጭቡጥን ጸብጻብ ዳርጋ የለን።
እተን ክልተ ቀንዲ ነጥቢታት ነዞም ጕጅለታት ዘተኣሳስራ፡ ኵላቶም ካብ እስራኤል ደገፍን ሓገዝን ይረኽቡ ምህላዎምን፡ ኣባላቶም ምስ ፋታሕ ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኖምን እየን።
ታይምስ ናይ እስራኤል፡ ክልቲኦም ጕጅለታት - ኣቡ ሸባብን ኣስጣልን - ኣብ ነንሕድሕዶም ይራኸቡ ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ገለ ፍንጪታት ከምዘሎ ጠቒሱ ነይሩ።
ሚድያታት እስራኤል እንታይ ይብላ?
ህዝባዊ ፈነወ እስራኤል 'ካን' ከምዝሓበሮ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሓማስ ኣብ ቓዛ፡ "ወፍሪ ምፍዳይ ሕነ" ድሕሪ ምጅማሩ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ምስቲ ኣብ ከባቢ ሳብራ ዝርከብ ዓሌት ዶግሙሽ ዝተኣሳሰር ዕጡቕ ምልሻ ኣብ ግጭት ከም ዝኣተወ ሓቢሩ።
ሰፊሕ ተነባብነት ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ 'ይነት' ናይ እስራኤል ብ9 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ድሕሪ ምውጋድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓማስ፡ ኣብ ምሉእ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ብእስራኤል ዝድገፉ ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ጕጅለታት እናሰሰኑ ይመጽኡ ምህላዎም ኣመልኪቱ።
ፍልስጤማውያን ቓዛ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተኸበበ መሬቶም ብዝወረደ ሰፊሕ ዕንወትን ስእነት ጸጥታን ኣብ ከቢድ ቍጥዐን ብስጭትን ምህላዎም እውን እዚ ተርእዮታት ይፍጠር ምህላዉ ይግመት።
እቲ መርበብ ሓበሬታ ንኣቡ ሸባብ ካብ ራፋሕ ጠቒሱ፡ "በቲ ዝተበጽሕ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ሕጕሳት ኢና፤ ብዘይ ራዕድን ኲናትን ንቓዛ ክንሰርሓላ ኢና" ዝበሎ ኣስፊሩ'ሎ።
ከም ኣካል ናይቲ ምስፍሕፋሕ እቶም ዓሌታት ንምፍሻል ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ሓማስ ኣብ ቀረባ እዋን ንያሲር ኣቡ ሸባብ ንምቕንጻል ፈቲኑ ግን ከምዘይተዓወተ እቲ መርበብ ሓበሬታ ይውስኽ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሓማስ ኣብ ከባቢ ወደብ ከተማ ቓዛ ምስ ጕጅለታት ቀቢላ ኣቡ ዋርዳን ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ዝተቐትሉሉ ዕጥቃዊ ግጭት ኣካይዱ እዩ።
ሓላፊ ዓሌት ኣልሙጃይዳ ሑሳም ኣል ኣስጣል ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ምስ ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ከይተረፈ" ብቐረባ ይራኸቡ ከምዘለዉን፡ ዕላማኡ ድማ "ህዝቢ ከምቲ ኣብ ቅድሚ 7 ጥቅምቲ ዝነበሮ ብሰላም ክነብር" ምዃኑን ገሊጹ።
እቶም ዓሌታት ብእስራኤል ዝድገፉ ምዃኖምን፡ እስራኤል ድማ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ምክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዛትን ምውህሃድን ንምክትታል ክትመልምሎም ከምዝፈተነት እቲ ማዕከን ዜና የረድእ።
ውሽጣዊ ግርጭታት
ይነት፡ ስሞም ዘይተጠቕሰ "ምንጭታት ቓዛ" ብምጥቃስ፡ ምስ እስራኤል ዝተኻየደ ኲናት ምዝዛም ማለት፡ ኣብቲ ግዝኣት ዝጸንሐ ውሽጣዊ ግጭታት ምዝዛም ማለት ከምዘይኰነ፣ ምስ ሓማስ ዝካየድ ግጥም ድማ ስዒቡ ክመጽእ ዘይተርፍ ምዃኑን ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ፡ "ምስጢራዊ ኣጽዋር እስራኤል ብናህሪ ይውሕዝ ኣሎ" ክብል ማኣሪቭ ደይሊ ዝተባህለ ኣብ ጸጥታዊ ጸብጻባት ዝግደስ ጋዜጣ ኣቃሊሑ። ትካል ጸጥታ እስራኤል ማዕረ-ማዕረ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ ቓዛ ንዝተፈላለዩ ቀቢላታት ይድግፍን የሐይልን ከምዘሎን ይገልጽ።
እስራኤል ነቶም ጸረ-ሓማስ ዝዀኑ ዕጡቓት ዓሌታት፡ ንሓማስ ክትክኡ ዝኽእል ሕጋዊ ሓይሊ ገይራ ስለ እትርእዮም ሓገዝን ከለላን ከም እትህቦም ገሊጻ።
ማኣሪቭ፡ ሓደ ካብቲ ዝምርመር ዘሎ ኣማራጺታት ሓደ፡ ንገለ ካብቶም ዕጡቓት ዓሌታት ናብቲ ሓይልታት እስራኤል ዝዋፈሩሉን እቶም ዓሌታት ሓለዋ ክረኽቡሉ ዝኽእሉን "ብጫ መስመር" ዞባ ቓዛ ምስግጋር ምዃኑ ኣተንቢሃ።