እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ምስ ቅትለት ሰራሕተኛታት ረድኤት ብዝተኣሳሰር ክልተ ላዕለዎት መኮንናት ኣባሪራ
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 7 ሰራሕተኛታት ረድኤት ድሕሪ ምቕታሎም ክልተ ላዕለዎት መኮንናት ካብ ስርሖም ከምዘባረረ ኣፍሊጡ።
እቶም ግዳያት ሰራሕተኛታት እቲ ዎርልድ ሰንትራል ኪችን ዝተበሃለ ትካል ረድኤት ኰይኖም፡ ነዚ ስዒቡ እስራኤል ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክትንቀፍን ካብ መራሕቲ ዓለም ውግዘት ክበጽሓን ጸኒሑ’ዩ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝፍጸም መጥቃዕቲ "ገበን ኲናት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ስክፍታኡ ገሊጹ እዩ።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ ሃገሩ ነቲ 7 ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝቐተለ መጥቃዕቲ እስራኤል ብጥንቃቐ ትምርምሮ ከምዘላ ገሊጹ’ዩ።
ኣብ ብራስለስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እስራኤል ነዚ ፍጻመ ምሉእ ሓላፍነት ክትወስድ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ” ብምባል ኣብ ልዕሊ እቶም ተሓተትቲ ስጕምትታት ምውሳዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩ’ዩ።
ብመሰረት’ዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ይቕሬታ ብምሕታት ነቲ መጥቃዕቲ ከቢድ ጌጋ ክብል ብምግላጽ መርመራ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ፈላማይ መርመራ ብጥሮተኛ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሜጀር ጀነራል ዮኣቭ ሃር-ኢቨን ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ትማሊ ዓርቢ ገለ ምዕባለታት ተራእዮም እዮም።
ነዚ ስዒቡ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ክልተ ላዕለዎት መኮንናት ካብ ስልጣኖም ኣልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ ክኢላታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቱ፡ ሓደ ቦርሳ ዝሓዘ ሰራሕተኛ ረድኤት ብጌጋ ዕጡቕ መሲሉ ከምዝተረኣዮምን ብሰንኪ እዚ ድማ ንሓንቲ መኪና እቲ ትካል ረድኤት ዒላማ ከምዝገበሩን ተኣሚኑ።
እቲ መርመራ ከምዘመልክቶ፡ ኣባላት እታ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት ኣሃዱ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ዕጡቓት ሓማስ ንሰለስተ መካይን እቲ ትካል ረድኤት ተቘጻጺሮም ኢሎም ኣሚኖም ነይሮም።
ዝዀነ ገበናዊ ተግባር ተፈጺሙ እንተዀይኑ ንምርግጋጽ፡ ካብቲ ፈላማይ መርመራ ዝተረኸቡ ኵሎም መርትዖታት ናብ ላዕለዋይ ሕጋዊ በዓል መዚ ሰራዊት እስራኤል ከምዝተመሓላለፉ ሰራዊት እስራኤል ወሲኹ ሓቢሩ።
ይዅን’ምበር ዎርልድ ሴንትራል ኪችን፡ ሰራዊት እስራኤል "ናይ ገዛእ ርእሱ ውድቀት ብተኣማንነት ክምርምር ኣይክእልን እዩ" ብምባል "ነጻ ኮሚሽን" ክምስረት ጸዊዑ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገባባት እስራኤል ንዘጋጥም ውድቀት ንምእራም "ነጻ መርመራታት ከምኡ'ውን ኣብ ባይታ ትርጕም ዘለዎን ዝዕቀንን ለውጢ የድሊ" ብምባል ንጻውዒት እቲ ትካል ኣስሚሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብውሕዱ 196 ሰብኣዊ ሰራሕተኛታት ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
"ነፍሲ ወከፎም ንምንታይ ከምዝተቐትሉ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና" ክብል ጉተረዝ ስምዒቱ ገሊጹ።
ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ዎርልድ ሰንትራል ኪችንን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ኣብታ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ምስ ዘስካሕክሕ ጥሜት ይቃለስ ከምዘሎ ዝግምተላ ቓዛ ዝህብዎ ዝነበሩ ሓገዝ ኣቋሪጾም እዮም።
ጉተረዝ ወሲኹ፡ "መስመራት ረድኤት ምስ ዝዕጸዉ፡ ኣፍደገ ጥምየት ይኽፈት። ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዘስካሕክሕ ጥምየት የጋጥሞ ኣሎ" ኢሉ።
"ሎሚ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ህጻናት ብሕጽረት መግብን ማይን ይሞቱ ኣለዉ። እዚ ንምርዳእ ዘጸግም'ዩ፡ ምሉእ ብምሉእ ድማ ክውገድ ዝኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኲናት ኣብቲ ግዝኣት ዘሎ ኵነታት፡ "ፍጹም ተስፋ ዘቝርጽ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ እስራኤል ናብ ቓዛ ዝበጽሕ ሓገዝ ብቕልጡፍ ከተበርኽ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ መስመራት ሓገዝ ንክኽፈቱ ብቐጻሊ ጸቕጢ ዝበጽሖ ዘሎ በንያሚን ነታንያሁ፡ ናብ ቓዛ ዘእትዉ ኣፍደገታ ዕረዝን ወደብ ኣሽዶድን ከምዝተኸፍቱ ምግላጹ ይዝከር።
ብኻልእ ሸነኽ ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ኣብ ኲናት ቓዛ ተርእዮ ዘላ ባህሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እገዳ ኣጽዋር ክግበር ዝጽውዕ ውሳነ ደጊፈን ኣለዋ።
እስራኤል፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ካብ ኣውሮጳ ሓያል ደገፍ ረኺባ’ኳ እንተነበረት፡ ሎሚ ግን እዚ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።
ዳርጋ ኵለን ኣባል ሃገራት እስራኤል ንርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ክድግፋ እንከለዋ፡ ኣብቲ ኲናት ተርእዮ ዘላ ኣካይዳ ግን ብትሪ ኮኒነን እየን።
ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ምስኣና፡ መንግስቲ በንያሚን ነታንያሁ ኣካይዳኡ ንኽቕይር ዝግበር ጸቕጢ ዝያዳ ክብርኽ ዝገብር ዩ።