እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ስለምንታይ እያ ኣብ ብዙሕ ግጭት ትኣቱ ዘላ?
ኣብ ቓዛ ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትጻወቶ ዘላ ተራ ግን ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ግጭት፡ ኢራን ንሓማስ ደጊፋ፤ ብዘይካኡ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ፡ ሶርያን ፓኪስታንን መጥቃዕቲ ፈጺማ፣ መሳርያታታ ከኣ ሩስያ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ከገልግል ይርአ'ሎ።
ኢራን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ እንተዘይኣተወት፡ ካብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሮን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ዮርዳኖስን፡ ካብ የመን ዝፍኖ ንመራኽብ ምዕራብ ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ግን እቶም ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት ሓላፍነት ወሲዶምሉ እዮም።
እዞም ጕጅለታት ግን መን’ዮም? ምትእትታው ኢራን ኣብዚ ግጭት’ከ እንታይ'ዩ ኣገዳስነቱ?
ኢራን ትድግፎም ጕጅለታት
ሓያለ ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎም እዮም፤ ከም ሓማስ ኣብ ቓዛ፡ ሕዝቡላህ ኣብ ሊባኖስ፡ ሑቲ ኣብ የመንን ካልኦት ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያን ባሕሬንን ዝመደበሮም ጕጅለታት ኣለዉ።
እዞም ብ “ዘ ኣክሲስ ኦፍ ረዚስታንስ” ዝፍለጡ ጕጅለታት ኵሎም ብምዕራባውያን ከም ግብረሽበራውያን ዝፍለጡ ኰይኖም፡ ካብ ትካል ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ኢራን - ዓሊ ቫኢስ “ነቲ ዞባ ካብ ታህዲዳት ኣሜሪካን እስራኤልን ንምሕላው፡” ዝብል ሓደ ዓላማ ዘለዎም እዮም ይብል።
“ኢራን ዝዓበየት ስግኣት ኢላ ትሓስባ ኣሜሪካ ክትከውን ከላ፡ ደድሕሪኣ ከኣ ነታ ወኪላ ኢላ ትሓስባ እስራኤል እያ፡” ይብል ዓሊ ቫኢስ፤ “እዚ ኢራን ተማዕብሎ ዘላ ዝምድናታት፡ ሓይሊ ክትድልብ ሓጊዝዋ እዩ፡” ክብል ይውስኽ።
ነቲ ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝቐተለ፡ ብ28 ጥሪ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኢራን ክትክሕዶ እንከላ፡ ካብ ብዙሓት ጕጅለታት ዝቘሙ፡ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ እስላማዊ ተቓወምቲ - ገለ ካብኣቶም ብዒራቕ እውን ዝድገፉ እዮም - ነቲ ሓላፍነት ወሲዶሞ ኣለዉ።
ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ኣብቲ ዞባ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝቐተለ ናይ መጀመርታ ፍጻመ እዩ። እዚ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጸቕጢ ፈጢሩ።
ኣሜሪካ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እቲ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ብኮር ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ዝፍለጡ ሓይሊታት ቅዱስን፡ ተደናገጽቲ ሚልሻታት ኣብ ዒራቕን ሶርያን ብምህራም ግብረመልሲ ክትህብ እንከላ፡ ጸኒሐን ከኣ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ዝርከብ ሑቲ ዒላማ ገይረን።
ኢራን፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ብወግዓዊ ኣብ ኲናት ኣይትሳተፍ እምበር፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተፈላለየ ግጭታት ወሰን-ወሰን ክትብል ጸኒሓ ኣላ።
ኢራን ነዚ ናይ ውክልና ውግኣት ክትነጽግ ዝጸንሐት ትዅን እምበር፡ ሰውራ ኢራን ካብ ቅድሚ 45 ዓመታት ኣትሒዙ ንዕጡቓት ጕጅለታት ክድግፍ ተራእዩ እዩ፤ኣብ መጀመርታ ሰማንያታት ከኣ እቲ ዝዓበየ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ናይቲ ስርዓት ምዃኑ ተጋሂዱ።
ኢራንን ዝምድናኣ ምስ ኣሜሪካን
ክልተ ፍጻመታት ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኢራን፡ እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መርገጺን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ወጥሪ ዘርእዩ እዮም።
ብሰንኪ እቲ ብ1979 ዝተኻየደ ሰውራ ኢራን፡ ኢራን ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጺላ እያ።
ኣብ እዋን ጂሚ ካርተር ኣሜሪካ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ቴህራን ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 52 ዲፕሎማሰኛታታ ንምፍታሕ ተስፋ ቈሪጻ ስለዝነበረት፡ ኢራን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ክትቅጻዕን ክትንጸልን ይግብኣ እዩ ዝብል መደምደምታ በጽሐት።
እዚ ድማ ንኣሜሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን፡ ነታ ካብ 1979 ክሳብ 2003 ብሳዳም ሑሴን ትምራሕ ዝነበረት ዒራቕ ክድግፋ ገይርወን እዩ።
ኲናት ኢራን-ዒራቕ ከኣ ካብ 1980 ክሳብ 1988 ቀጺሉ።
ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ እቲ ኲናት ደው’ኳ እንተበለ፡ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሞይቶምን ቆሲሎምን፡ ቍጠባ ኢራን ከኣ ብኸቢድ ተሃስዩ ነይሩ።
እዚ ድማ ኣብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ቴህራን፡ ንዝዀነ ክመጽእ ዝኽል ወራር ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምዕጋት፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ፈጢሩ፤ እዚ ፕሮግራም ባሊስቲክ ሚሳይል ምምዕባልን መርበብ ውክልናታት ምፍጣርን ምምሕዳርን።
ድሒሩ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወራራት ኣፍጋኒስታን (2001) ዒራቕን (2003) ከምኡ’ውን ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ዝተራእየ ዝተፈላለየ ናዕብታት ነዚ ኣረኣእያ’ዚ ኣደልዲልዎ።
ኢራን እንታይ እያ ትደሊ ዘላ? ስለምንታይ?
ብወተሃደራዊ መዳይ፡ ኢራን ካብ ኣሜሪካ ድኽምቲ ተባሂላ ስለእትሕሰብ፡ ብዙሓት ክኢላታት እዚ ናይ ምዕጋት ስትራተጂ ንህላወ ኢራን ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምኑ።
“ኢራን ይዅን ኪዳን ተቓውሞ ናይ መወዳእታ ዝደልይዎ እንተልዩ፡ዂናት ምስ ኣሜርካ እዩ” ክብል ኣሌክስ ቫታንጋ መስራቲ ፕሮግራም ኢራን ኣብ ኢኒስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ ይምጕት።
ቫታንጋ ወሲኹ፡ “ኢራን ንኣሜሪካ ካብቲ ዞባ ጸቕጥታት ብምፍጣር ከተውጽኣ ከምእትደልን፡ እዚ ከኣ ነዊሕ ዝጸንሐ ስትራተጂ ምዃኑን” ይዛረብ።
ካምራን ማርቲን ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ ዓባይ ብሪጣንያ ምስዚ ይሰማማዕ። ኢራን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ሓያል ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ የረድእ።
"እዛ ቀደም ብፋርስ እትፍለጥ ጥንታዊት ኢራን፡ ኣዝዩ ክቡር ሕሉፍ ታሪኽ ዘለዋ ኰይና፡ ንልዕሊ 12 ዘመናት ዓብላሊት ሃገር ኣብ ምዕራብ ኤስያ እያ ነይራ" ክብል እቲ ላዕለዋይ መምህር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ይገልጽ።
"ኢራን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዓቢ ቦታ ከም ዝግብኣ እያ እትኣምን፤ እቲ ሃብታም ባህሊ ስነ-ጥበብን ስነ-ጽሑፍን ፋርስ፡ ነቲ ኢራን ከም ሓያልን ዓባይን ሃገር ክትፍለጥ ኣለዋ ዝብል መትከል ዘመንጨወ እዩ።"
ኢራን ማዕረ ክንደይ ዓቕሚ ኣለዋ?
ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነት ኢራናዊት ፖለቲካዊት ተቓላሲትን ምህርትን ያስሚን ማተር፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ተወከልታ ክንድኡ ዝኣክል ዓቕሚ ምቍጽጻር ከምዘይብላ ትዛረብ።
ከም ኣብነት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ዘጥቅዑ፡ ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ ብምጥቃስ፡ ማተር "ትእዛዝ ኢራን ጥራይ ከምዘይክተሉን፡ ከም ውክልና ኢራን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ’ውን ሓያላን ኰይኖም ክወጹ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣጀንዳ ኣለዎም" ትብል።
ዓሊ ቫይስ ካብ ክራይሲስ ግሩፕ እውን እንተዀነ፡ "ከም ኢራን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ንዞባዊ ፖሊሲ ንዘይመንግስታዊ ሓይልታት ውክልና ምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መርበብ ምሉእ ዓቕሚ ምቍጽጻር ክህልወን ዘኽእል ኣይኰነን፡" ይብል።
ቫይስ ብተወሳኺ፡ ሓይሊ ኢራን መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ከምዝግለጽ ይኣምን። "እዚ ምሉእ ጸወታ ቸዝ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ኣተሓሳስባ ኢራን እዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ። ኢራንን መሻርኽታን ግን ንእስራኤል ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ [ኣብ ቓዛ] ካብ ምግዳድ ሓሊፈን፡ ዝዀነ ይዅን ቁልፊ ስትራተጂያዊ ዕላማታተን - ንኣብነት ንኣሜሪካ ካብቲ ዞባ ምውጻእ - ከረጋግጻ ኣይከኣላን።"
ይዅን እምበር፡ ኢራን መደብ ኒዩክለር ኣለዋ፡ "እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣማዕቢላቶ እያ፡" ይብል፤ "ንእስራኤልን ምዕራባውያንን፡ ካብቲ ኢራን ብእትገብሮ ዘላ ብመርበብ ሽርክነት ንላዕሊ ኣስጋኢ ክኸውን እዩ፡” ክብል ይውስኽ።
ሳልሳይ ኲናት ዓለም
ኣብ መላእ እቲ ዞባ መጥቃዕትታት እናዛየደ ኣብ ዝኸደሉ፡ “ሳልሳይ ኲናት ዓለም” ዝብል ሓረግ ኣብ ኢንተርነት ክፍተሽ ተራእዩ እዩ።
ቫታንጋ ካብ ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝበሎ፡ ኢራን “ካብ ውሽጢ ዶባታ፡ ብደቀንስትዮ ዝተሰነየ ተቓውሞ ገጢምዋ እዩ፤ ካብዚ ተበጊሳ ከኣ ኵሉ ትገብሮ ብጥንቃቐ ክኸውን ኣለዎ” ይብል።
“ኣብ ቴህራን ዘሎ ስርዓት ኣብቲ ዞባ ዝገብሮ ዘሎ ትርጕም ዘይብሉ ምትእትታው፡ ህዝቢ ኢራን ተቘጢዑ እዩ ዘሎ።”
ብተመሳሳሊ ኤሊ ጀራንማየህ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ርክባት ወጻኢ ኣውሮጳ - ፕሮግራም ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ምዕራባውያን ምስ ኢራን ኲናት ከካይዱ ኣይደልዩን እዮም ትብል።
"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ኣፋፌት መረጻ እናሃለዉ፡ ነዚ ክገብሮ ኣይክእልን እዩ። እስራኤል ኣብ ቓዛ እትገብሮ ስርሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ እዋን ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣዝያ ተኣፋፊት ምዃና ኣብ ዝፈለጠትሉ እዋን ነዚ ክትገብሮ ኣይትኽእልን’ያ" ትብል።
ከምኡ’ውን ጀራንማየህ ከምቲ መብዛሕትኦም ክኢላታት ዝሰማምዑሉ ምሉእ ኲናት ኣጀንዳ ዝዀነ ወገን ከምዘይኮነ ትኣምን።
"ኣሜሪካን ኢራንን ዞባዊ ወከልቲ ጌረን ንሓድሕደን ዒላማ ብምግባር ይተሃራረማ ኣለዋ።ሳዕቤናቱ ከይገድድ ከኣ ክልቲአን ናብ ቀጥታዊ ግጭት ከይኣትዋ ይተሓላለዋ እየን" ክትብል ትምጕት።
ተመኵሮ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጀራንማየህ "ሓደገኛ፡ ዋሕዚ ህውከትን" ኢላ ብምግላጽ፡ "ብዘይ ዕቱብ ዲፕሎማሲ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዝያዳ ናብ ወተሃደራዊ መስመር ክጓተታ እየን። ከምኡ'ውን ሓደ ካብቶም ተዋሳእቲ መንግስታት ኣዝዩ እንተዘይተጠንቂቑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ዝረኣናዮ ኣዝዩ ኣስጋኢ ዝዀነ ኵነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ” ትብል።