ሶርያ፡ ኣይኤስ ንምስዓር ብኣመሪካ ናብ ዝምራሕ ጥምረት ክትጽንበር'ያ

ሶርያ ናብቲ ንጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ንምምካት ዝዓለመ ኣህጉራዊ ጥምረት ክትጽንበር ምዃና ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘሎ ፖሊሲ ​​ወጻኢ ኣመሪካ ለውጢ ከም ዘርኢ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ሶርያ ኣሕመድ ኣልሻራ ተራኺቡ - እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ ዝገበረ መራሒ ሶርያ ይገብሮ።

ኣልሻራ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ምብጻሕ ኣካል ናይቲ እታ ሃገር ምስ ኣመሪካ እትተሓባበረሉ "ሓድሽ ዘመን" ምዃኑ ገሊጹ።

ትራምፕ ነቲ ክሳብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ኣመሪካ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ዝጸንሐ ኣልሻራ ደገፉ ገሊጹ ኣሎ።

ሕጂ ሶርያ፡ መበል 90 ሃገር ኰይና ናብቲ ባእታታት ናይቲ እስላማዊ መንግስቲ -ኣይኤስ- ዝበሃል ንምውጋድን ዋሕዚ ወጻእተኛታት ዕጡቓት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንምዕጋትን ዝዓለመ ዓለማዊ ጥምረት ክትጽንበር እያ።

ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ምስ ክፍልታት ጕዳያት ወጻኢን ንግድን ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝነበረ ቍጠባዊ ገደባት ንምልዓል ሓድሽ ስጕምትታት ከም ዘውጽእ'ውን ኣረጋጊጹ።

ከም ኣካል ናይቲ ስጕምትታት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶርያ ዝነበረ እገዳ ዝገበረ ሕጊ ቄሳር ን180 መዓልታት ደው ክብል'ውን ክገብር እዩ።

ትራምፕ ድሕሪ ኣኼባ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሶርያ ኣዝያ ዕውትቲ ሃገር ክትከውን ክንርኢ ንደሊ፡" ኢሉ።

"እዚ መራሒ ድማ ክገብሮ ዝኽእል ይመስለኒ፡" ክብል ተሰሚዑ።

ኣብ መንጐ ሶርያን ኣመሪካን ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ካብ 2012 ጀሚሩ ተቛሪጹ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ኣመሪካ፡ ሶርያ ኣብ ዋሽንግተን ኤምባሲኣ ዳግማይ ክትከፍት ከተፍቅደላ እያ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ጐድኒ ባይቶ ምትሕብባር ወሽመጥ ዓረብ ዝተኻየደ ርክብን ኣብ መስከረም ኣብ እዋን ሓፈሻዊ ጕባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ምርኻባትን ስዒቡ ንሳልሳይ ግዜ እዮም ዝራኸቡ ዘለው።

ዑደት ኣልሻራ ናብ ዋይት ሃውስ፡ ነቲ ጅሃዳዊ ዕጡቕ ነበር ዘደንቕ ዳግመ-ምሕዳስ እዩ።

ንሱ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ዝነበሮ ርክብ ቅድሚ ምብታኹ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ንሓንቲ ጨንፈር ኣልቓዒዳን ካልኦት ብዙሓት ጕጅለታትን መሪሑ'ዩ።

ክሳብ እዚ ዓመት እውን እንተዀነ መራሒ ናይቲ ክሳብ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣመሪካ ብወግዒ ከም ግብረሽበራዊ ትካል ትቘጽሮ ዝነበረት ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ሓያት ኣታሕሪር ኣል ሻም ኰይኑ፡ ንዕኡ ንምሓዝ ዝሓበረ 10 ሚልዮን ዶላር ጕንዖ ወጺኡዎ ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን።

ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ንኣልሻራ ካብቲ "ብፍሉይ ዝተመደበ ዓለማዊ ዝርዝር ግብረሽበራውያን" ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣውጺእዎ።

ኣልሻራ ግዝያዊ ፕረዚደንት ሶርያ ካብ ዝኸውን ንደሓር ግን፡ ድሕሪ ናይ 13 ዓመታት ኲናት፡ ብደገፍ ወጻኢ ንሶርያ ዳግማይ ንምህናጽ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ዘለዎ ምስሊ ንምልስላስ እውን ይሰርሕ ኣሎ።

ትራምፕ ብሰኑይ፡ "ኣብ ሕሉፍ፡ ጽንኩር ኵነታት ኣሕሊፉ'ዩ" ኢሉ።

"ከምኡ'ውን ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ፡ ጽንኩር ሕሉፍ ታሪኽ እንተዘይህልወካ ዕድል ኣይምረኸብካን ይመስለኒ።"

ኣልሻራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንሱን ትራምፕን ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኹ ከም ዘይተዘራረቡ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብታ "ጂኦፖለቲካዊ"ን ቍጠባዊ መሻርኽቲ ዋሽንግተን ዝዀነት "ህሉውትን መጻኢትን" ሶርያ ከም ዘተኰሩ ገሊጹ።

ምሕደራ ኣልሻራ ግን ብቕትለት ኣባላት ውሑዳት ዓሌት ሶርያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጐ ተጋደልቲ ሱኒ በደዊንን ምልሻታት ድሩዛውያንን ብዝተፈጸመ ቀታሊ ዓመጽ ይንቀፍ ኣሎ።

ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታኡ ካብ ሱሮም ክምሕዎም ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ትራምፕ ብወገኑ፡ ንኣልሻራ "መንእሰይ፡ ሰሓቢ ወዲ"ን "ተጋዳላይን" ክብል ብተደጋጋሚ ከም ዝድግፎ ገሊጹ።

ኣብ ሰነ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተነብረ እገዳ ዘልዕል ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ ነይሩ፤ እዚ ድማ ዋይት ሃውስ ን"መገዲ ምርግጋእን ሰላምን" እታ ሃገር ንምድጋፍ ክሕግዝ እዩ ኢሉ።

ኣብቲ እዋን እቲ ምምሕዳር፡ "ምስ እስራኤል ዘለዎ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ስጕምትታት ምውሳድ" ከምኡ'ውን "ናይ ወጻኢ ኣሸበርቲ"ን ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታትን ዝምልከት ስጕምትታት ሓድሽ መንግስቲ ሶርያ ክከታተል ምዃኑ ገሊጹ።