ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ሃገር ክኣትዉ ክፍቀደሎም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓቲታ

ኣቡነ ጴጥሮስ

ምንጪ ስእሊ, EOTC

ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ሃገር ክኣትዉ ክፍቀደሎም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓቲታ።

እታ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዝሓተተት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቀ ጳጳስ ኒውዮርክን ከባቢኣን ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ቢቢሲ ካብ ክልተ ኣቦታት ከምዘረጋገጾ ኣቡነ ጴጥሮስ ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክወጹ ከምዘይፍቀደሎም ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ።

እቶም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ክቕበልዎም ዝኸዱ ወከልቲ ቤተክርስትያን እውን ካብቲ ክበጽሑሉ ዝግባእ ግዜ ጀሚሮም ይጽበይዎም ከም ዝነበሩ ኣመልኪቶም።

ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝገብርዎ ጕዕዞ ወዲኦም ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ክፍሊ ርክብ ህዝቢ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሊጡ።

ኣቡነ ጴጥሮስ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብፍቓድ ቀዋሚ ሲኖዶስ ናብ ሃገረ ስብከቶም ተጓዒዞም ከምዝነበሩ እውን ኣዘኻኺሩ።

ድሕሪ ቅሩብ ሰሙናት፡ ብሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ እኳ እንተተመለሱ፡ መንነቶም ብዘይተፈልጠ ኣካላት መንግስቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከይወጹ ተኸልኪሎም።

እቲ ብክፍሊ ርክብ ህዝቢ ዝወጽአ መግለጺ፡ እቶም ኣቡን ንምንታይ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከይወጹ ከምዝተኸልከሉ ግን ኣይገለጸን።

እንተዀነ ሓላፊ ኣቦ ቤተ ክርስቲያንን ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ ሃገር ክኣትዉ ንኽፍቀደሎም ጻውዒት ከምዝለኣኸት ሓቢሩ ኣሎ።

"ክቡርነቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ'ዩ።”

ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ጴጥሮስ ንምንታይ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ካብ ኣገልግሎት ዜጋታት ኢሚግሬሽን መብርሂ ክንሓትት ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ኣቡነ ጴጥሮስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገሱ ኣብ ካልእ ነፋሪት ተሰቒሎም ከምዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወር ሓበሬታ የመልክት።

ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ፈተነታት እውን ኣይተዓወተን። ሓለፍቲ እታ ቤተክርስትያን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ኣሜሪካ ምስ ተጓዕዙ፡ "ካብ ሃገር ሃዲሞም" ዝብል ናይ ሓሶት ጸብጻባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

ይዅን’ምበር ዋና ኣካያዲ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃም፡ ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ኣሜሪካ ዝተጓዓዙ ብኣፍልጦ ሲኖዶስ ኣብ ዓመታዊ መንፈሳዊ ጽምብላት ክርከቡን መዓርግ ዲቁና ክህቡን ከምዝዀነ ገሊጾም እዮም።

ኣቡነ ኣብርሃም፡ እቶም ኣቡን ካብታ ሃገር ከምዝሃደሙ ዝተገልጸ ስም እታ ቤተ ክርስቲያን ንምጽላም ዝዓለመ ከምዝነበረ ገሊጾም ነይሮም።