ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንመውስቦ ሕደ-ጾታውያን ኣፍልጦ ክትህብ ድልውቲ ድያ?

ኣብ ታሕሳስ ዝወጸ ሰነድ ቫቲካን፡ ካህናት ንተመሳሳሊ ጾታን "ዘይስሩዕን" መጻምድቲ ክባርኹ ይፈቅድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ታሕሳስ ዝወጸ ሰነድ ቫቲካን፡ ካህናት ንተመሳሳሊ ጾታን "ዘይስሩዕን" መጻምድቲ ክባርኹ ይፈቅድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ካህናት ንሕደ-ጾታውያን መጻምድቲ ክባርኹ ምፍቃዶም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ ንዝርከቡ ሕደ-ጾታውያን (ኤልጂቢቲ) ርኡይ ምዕባለ ምዃኑ ይግለጽ።

ክኢላታት ከምዝብልዎ ግን፡ እዚ ስጕምቲ ንጥምረት ሕደ-ጾታውያን ኣብ ቅድሚ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መረጋገጺ ዝህብ ዓቢ ምዕባለ ኣይኰነን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘጽደቕዎን ብዕለት 18 ታሕሳስ ዝወጸን ሰነድ ቫቲካን፡ ካህናት ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ኵነታት ንተመሳሳሊ ጾታን "ዘይስሩዕን" መጻምድቲ ክባርኹ ክፍቀደሎም ከምዘለዎ ኣዊጁ እዩ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ሰነድ ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸት ኣካል ስሩዕ ስርዓታት ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ከምዘይብሉ ይገልጽ።

ቫቲካን፡ ሓዳር ከም ኣብ መንጐ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ዝፍጸም ጥምረት ገይራ ምርኣይ ከምእትቕጽል ወሲኻ ኣፍሊጣ’ያ።

ካብ ኣብ ሮማ ዝመደበሩ ጳጳሳዊ ጎርጎርዮሳዊ ዩኒቨርሲቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ፊሊፕ ዶሚንጉስ፡ "ምሕታም እቲ ሰነድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ፤ ምኽንያቱ ሰባት [ካብ ቫቲካን] ወግዓዊ መግለጺ ኣይጽበዩን ነይሮም" ይብል።

እታ ቤተክርስትያን ግን ጥምረት ሕደ-ጾታውያን ንምቕባል ተወሳኺ ስጕምቲ ክትወስድ ከምእትሓስብ ዘርኢ ርኡይ ምልክታት ከምዘየለ እቲ ፕሮፌሰር ወሲኹ ይሕብር።

ክኢላታት ከምዝገልጽዎ፡ እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸደቐን ብዕለት 18 ታሕሳስ ዝወጸን ሰነድ እታ ቤተክርስትያን ግን፡ ጥምረት ሕደ-ጾታውያን ንምቕባል ተወሳኺ ስጕምቲ ክትወስድ ከምእትሓስብ ዘርኢ ርኡይ ምልክታት የብሉን።

"ኣብቲ ሰነድ ምስጢረ ሓዳር እንታይ ምዃኑ ዳግማይ ዘረጋገጸን እቲ በረኸት እንታይ ማለት ምዃኑ ዝገምገምን እዩ። እዚ ኣዝዩ ንጹር እዩ።"

ቫቲካን ኣቐዲማ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺን ኣብ 2021 ዝተሓትመ ሰነድን፡ እግዚኣብሄር "ሓጢኣት ክባርኽ ኣይክእልን'ዩ" ብዝብል ስነ-መጐት ባርኾት ሓዳር ሕደ-ጾታውያን ተቓዊማ እያ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቲ ናይ መወዳእታ ስሪት ናይቲ ናይ 2021 ሰነድ ብዙሕ ኣይተሓጐሱን። እዚ እናሃለወ ግን ፈቒዶም እዮም" ይብል ፕሮፌሰር ዶሚንጉስ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝያዳ ዕርቂ ዝፈጥር ቃና ከምዝወሰዱ ድማ ወሲኹ የመልክት።

ምልክት ሕደ-ጾታውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቫቲካን ኣብ 2021፡ እግዚኣብሄር "ሓጢኣት ክባርኽ ኣይክእልን'ዩ" ብዝብል ባርኾት ሓዳር ሕደ-ጾታውያን ተቓዊማ'ያ

በረኸት ኵሉ ዓይነት

ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓያሎ ዓይነት በረኸት ኣለዋ። ብመሰረት ሕጊታት ህዝባዊ ኣምልኾ፡ ሓደ ካቶሊክ በረኸት ንኽረክብ "ኣብ ኣስተምህሮ እታ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝግለጽ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማማዕ" ክኸውን ኣለዎ።

ጳጳስ ፍራንሲስ ግን ሕጂ ዝያዳ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ርድኢት ናይቲ በረኸት ኣተኣታትዮም ኣለዉ።

እቲ ብ18 ታሕሳስ ዝወጸ ሰነድ፡ ዝዀነ ክባረኽ ዝሓትት ሰብ፡ "ንርእሱ መድሓኒ ህላወ ኣምላኽ ከምዘድልዮ የርኢ" ከምዘሎን ከምኡ’ውን "ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ምሕጽንታ፡ ንዝሓሸ ህይወት ልመና" የቕርብ ምህላዉን ይገልጽ።

ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎ ሰብ ሓዳር ክምስርቱ ዝደልዩ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ገለ ኣብያተ ክርስቲያናት በረኸት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

"እቲ ሰነድ እቲ ሓድሽ በረኸት ስርዓት ክኸውን ከምዘይብሉ ኣዝዩ ብንጹር ይገልጽ። ብዘይወግዓዊ መንገዲ፡ ሃንደበታዊን ሓዳር ዝብል ቃል ከይተጠቐመን ወይ ፍሉይ ስርዓት ከይተገበረን ክፍጸም ኣለዎ" ክብል ፕሮፌሰር ዶሚንገስ ገሊጹ።

"ካብ ቤተክርስትያን ዝተነጸሉ ወይ ዝረሓቑ ኰይኑ ንዝስምዖም ሰባት ንምሕጋዝ ዝውሰድ ግብራዊ ስጕምቲ እዩ።"

ኣብ ታሕሳስ ዝተኣወጀ ኣዋጅ፡ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንመውስቦ ሕደ-ጾታውያን ከምዝተቐበለት ኣየመልክትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ታሕሳስ ዝተኣወጀ ኣዋጅ፡ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንመውስቦ ሕደ-ጾታውያን ከምዝተቐበለት ኣየመልክትን

ካህናት ዘይክቕበሉዎ ይኽእሉ እዮም

ብገለ መልክዑ እዚ ድሮ ኣብ ሰበኻታት ካቶሊክ ሮማ ኣብ ትሕቲ ከባቢያዊ ምይይጥ ብገለ ካህናት ወይ ጳጳሳት ዝፍጸም ዝነበረ እዩ። ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሳኦ ፓውሎ ክኢላ ሃይማኖት ዝዀነ ተመራማሪ ስነ-ማሕበረሰብ ፍራንሲስኮ ሪቤሮ ኔቶ ከምዝበሎ፡ ትካላዊ ሕጋውነት ኣሎ።

"እዚ ባህሪ ጉስነት ዘለዎ በረኸት ድሮ ይወሃብ ነይሩ እዩ። ሕጂ እዚ ብቤተክርስትያን ዝድለ ቅቡል ምልክት ምዃኑ ካብ ቫቲካን ዝመጽእ ምልዕዓልን መረጋገጺን ኣሎ" ይብል ሪቤይሮ ኔቶ።

"ካህን ግን ነቲ በረኸት ክህብ ግዴታ የብሉን፡ በብጉዳዩ ክግምግሞ ይኽእል እዩ። እታ ቤተክርስትያን እትብሎ ምእመናን ባርኾት ጉስነት ክቕበሉ መሰል ኣለዎም።"

እቲ ብ18 ታሕሳስ ዝተኣወጀ ኣዋጅ፡ ብሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንመውስቦ ሕደ-ጾታውያን ንምቕባል ዝወስድ ስጕምቲ ክኸውን ከምዘይክእል'ውን እቲ ተመራማሪ ስነ-ማሕበረሰብ ይኣምን።

"ጳጳስ ፍራንሲስ ናብ ምፍቃድ ኣይሰገሩን ዘለዉ፤ እንታይ ደኣ ኣብ ክንድኡ ንመውስቦ ተመሳሳሊ ጾታ ብዝወሃብ በረኸት፡ ተቐባልነት ሕደ-ጾታውያን ዘረጋግጽ ምድብ ይፈጥሩ ኣለዉ" ይብል።

ብጹዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ (የማን) ብጳጳስ ፍራንሲስ ንሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ሓላፍነታት ቅድስቲ መንበር ተሰይሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብጹዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ (የማን) ብጳጳስ ፍራንሲስ ንሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ሓላፍነታት ቅድስቲ መንበር ተሰይሙ

ሪቤይሮ ኔቶ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንዝያዳ ባህላውያንን ዘመናውያንን ጽላታት ቤተ ክርስቲያን ንምህዳእ ዝሕግዝ መንገዲ ገይሩ እዩ ዝርእዮ።

"ነዚ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ ክቕበል ድዩ ኣይቅበልን ዝብል ክትዕ መወዳእታ ንምሃብ [ኣብ ዝግበር ፈተነ] ምድብ ይፈጥር ኣሎ ማለት እዩ። ካብ ቤተክርስትያን ገለ ኣፍልጦ ክረኽቡ ዝደልዩ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ እዚ በረኸት ክረኽቡ እዮም።"

ሪቤይሮ ኔቶ ግን እቲ በረኸት፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝምድና ተጽድቘ ማለት ከምዘይኰነ የጕልሕ።

ኣርጀንቲናዊ ዓርኪ እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

እዚ ናይ 18 ታሕሳስ ኣዋጅ ንሓደ ውልቃዊ ዓርኪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ካርዲናል ቪክቶር ፈርናንደዝ ኣብ ትሕቲ ትዅረት ዘእተወ እዩ። እዚ ኣርጀንቲናዊ ካህን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ‘ዲካስተሪ ፎር ዘ ዶክትሪን ኦፍ ዘ ፌዝ’ ተመዚዙ እዩ። እዚ ሓላፍነት ሓደ ካብቶም ዝጸንሑ ምምሕዳራዊ ክፍልታት እታ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ደራሲ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝዀነ ካርዲናል፡ ብገስጋስን ኣካታዕን ኣረኣእያታት እውን ይፍለጥ።

ንኣብነት መጻምድቲ ፍቕራዊ ስዕመት ክለማመዱ ዘተባብዕ መጻሕፍቲ ጽሑፉ እዩ። ኣብ ካልኣይ ሓዳር ንዝርከቡ መጻምድቲ ምቕባልን ኣብ ጉዳያት ኤልጂቢቲን ዝያዳ ምሕዝነታዊ መርገጺ ምምዕባልን ዝኣመሰሉ ኣካታዒ ጉዳያት ብግልጺ ካብ ምዝራብ ሸለል ኢሉ ኣይፈልጥን።