"ካብ ሓጥያትን ገበንን ወፃኢ ኩሉ ዓይነት ስራሕ ንምስራሕ ድልውቲ’የ”

ደንሳ ታዲ

ምንጪ ስእሊ, DENSA

ደንሳ ታዲ ኣብ ዞባ ቦረና ዞን ወረዳ ያቤሎ፣ ነባሪት ከተማ ያቤሎ እያ።

ዝረኸበቶ ኩሉ እናሰርሐት፡ ብናይ ምሸት መደብ፡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህቲ ፈተና ወሲዳ፡ ውፅኢት ኣብ ምፅባይ ትርከብ።

“ደቂ ቦረና ጫማ ኣይፀርጉን” ብምባል ባህሊ ስራሕ መናእሰይ እቲ ከባቢ ትሕብር ደንሳ፡ ኣብቲ ከባቢ ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ጫማ ትፀርግ ንሳ ጥራሕ ምዃና ንቢቢሲ ገሊፃ።

ኣብ ቦረና ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ “ ጫማ ኣይፀርጕን፣ ጋሪ ኣይገንሑን፣ ፀጉሪ ኣይቕምቅሙን” ትብል ደንሳ፡ ንሳ ግና ዓቕሚ ስድርኣ ምስ ዝደክም፡ ካብ ትምህርታ ከይተብኵር ገንዘብ ይርከበሉ እዩ ዝበለቶ ስራሕ ጀሚራ።

ካብ ኣርባሕቲ እንስሳት ስድራ ዝተረኸበት ደንሳ፡ ድርቂ ብተደጋጋሚ ንጥሪት ስድርኣ ምስ በተነን፡ ብቕልጡፍ እያ ፍታሕ ኣናድያ።

ወለዳ ብሰንኪ እቲ ድርቂ ቁፅሪ ዝነበርኦም ከብቲ እንትመናመን፣ ዝዘርእዎ ዘርኢ እንከይበቖለ እንትተርፍ፡ እናሰርሐት ክትመሃርን ስድርኣ ክትድግፍን ወሲና።

ኣብ ቀረብኣ ዝነበረን ብዙሕ ተነሓናሒ ዘይብሉን ስራሕ ድማ ጫማ ምፅራግ ጥራሕ ነይሩ።

“ካብ ሓጥያትን ገበንን ወፃኢ ኩሉ ዓይነት ስራሕ ንምስራሕ ድልውቲ እየ” ትብል ደንሳ፡ ሎሚ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ተምሃሪት እንከላ እውን ናብ ጐደናታት ወፂኣ ከም ቃንጫ ሽኮር፣ ሸዊት፣ ቡንን ሻህን ምሻጥ ዝበሉ ስራሕቲ ትሰርሕ ነይራ።

ስለዚ ሎሚ ናብ ጐደና ወፂኣ ኣቑሑ ሊስትሮ ሒዛ ብምውፃእ ጫማ ምፅራግ ኣይከበዳን።

በርግፅ፡ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ጫማ ምፅራግ ምስ ጀመረት ደስ ዘይብል ዘረባ ተዛሪቦምዋ ይፈልጡ’ዮም።

እንተኾነ፡ ንደንሳ ሞራላ ኣይሰበራን፡ የግዳስ ብዛዕባ ክቡርነት ስራሕ ደጋጊማ ትዛረበሉ ኩነታት እዩ ፈጢሩላ።

“እዚ ስራሕ ምዃኑ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ክሰርሖ ወሲኑ ዝኣቱ’ውን የለን። ይንዕቕዎ። ንዓይ’ውን ዝተፈለየ ስራሕ ኢኺ ትሰርሒ ኢሎም ይድነቑ” ትብል።

ብዙሕ ዘተባብዓ ሰብ እኳ እንተሎ፡ ብትሰርሖ ስራሕ ዘይሕጐሱ ኣባላት ስድርኣ ከም ዘለዉ ትዛረብ።

ናብዚ ዝደረኻ ኣጋጣሚ

ደንሳ ታዲ፡ ተምሃሪት ታሽዓይ ክፍሊ እንከላ መምህራ ዝሓተታን ዝተዛረቦን ዘረባ፡ ክትብርትዕ ከምዝገበራ ትዝክር።

“መምህረይ ንዕብየት ኢትዮጵያ ማሕለኻ ዝኾነ ነገር እንታይ’ዩ? ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰባት ስራሕ ይንዕቑ’ዮም ኢለ መሊሰሉ” ትብል፡ ነቲ ኣጋጣሚ ክትዝክሮ እንከላ።

መምህራ ንመልሳ ብኣብነት ክተረድእ ዕድል ሂብዋ። ንሳ ድማ ኣብ ከባቢኣ ዝተዓዘበቶ ብዝርዝር ነገረቶ።

መናእሰይ ከባቢኣ፡ ትሕት ኢሎም ጫማ ክፀርጉ፣ ጋሪ ክገንሑ፣ ኣብ ኣናእሽተይ ንግዲ ክዋፈሩ ኣይደልዩን።

ንሳ ነዚ ተዓዚባ እያ፤ መምህራ ኣስዒቡ፡ “ንስኺ ጫማ ምፀረግኺ’ዶ?” ኢሉ ከም ዝሓተታ ትዝክር። ሕቱኡ ዋዛን ቁምነገርን ዝሓዘ’ዩ።

“እወ፡ እፀርግ ኢለ ምስ መለስኩ፡ ተምሃሮ ስሒቖምኒ። ይኹን’ምበር ብናህቶም ሰሓቕ ካብ ዕላማይ ንድሕሪት ኣይተመለስኩን። ካብታ መዓልቲ ንሳ ጀሚረ፡ ዘድልዩኒ ኣቑሑ ከማልእ ጀሚረ” ትብል።

እዚ ግና ንዳንሳ ቀሊል ውሳነ ኣይኰነን። ዝፈልጥዋ ሰባት ዝወሰነቶ ውሳነ ክንደየናይ ጐደሎ ምዃኑ ብምንጋር ኣቆናፂቦማ።

“ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ዓብይ ቦታ ክትበፅሒ እዩ ትፅቢት ዝግበር። ብኸመይ ናብ ታሕቲ ተመሊስኪ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ትሰርሒ ብምባል ንድሕሪት ክመልሱኒ ፈቲኖም።

"ኣነ ፅኑዕ ቅዋም ኣለኒ ኢለ እየ ዝኣምን። ዝሰርሖ ስራሕ ንባህልን ልምድን እቲ ማሕበረሰብ ዝጥሕስ ክሳብ ዘይኰነ ካብ ምስራሕ ንድሕሪት ኣይብልን” ትብል።

ሰባት ኣብ ኩሉ ነገር ርኢቶ ካብ ምሃብ ንድሕሪት ኣይብሉን ትብል ደንሳ፡ “ነቲ ትልመይ ዘጠንክረለይ ርኢቶ ብምውሳድ፡ ነቲ ሞራል ዝትንክፍ ድማ ክሓልፎ ነይሩኒ” ትብል።

ጫማ ምፅራግ ምስ ጀመረት ድማ ብዙሓት ዓማዊል ኣፍርያ።

'ብስረሐይ ከብርትዕ እየ ዝደልይ'

ደንሳ ንመፃኢ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ናይ ካልኦት ተቖፂርካ ምስራሕ ዝብል ክትሓስቦ ኣይትደልን።

ሓድሽ ስራሕ ፈጢራ ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንካልኦት ክትተርፍ እያ ትሕልን።

“ትምህርቲ ንኹሉ ነገር ኣድላይ እዩ። ኣነ ግና፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት-ፅሕፈት ተቖፂረ ክሰርሕ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ዓብይ ራእይ ኣለኒ” ትብል።

ካብ ቁልዕነታ ጀሚራ ዝሓለፈቶ ባህሊ ስራሕ፡ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ናይ ባዕላ ስራሕ ክትጅምር ከም ትኽእል ልምድን ርእሰ ምትእምማንን ከም ዝፈጠረላ ትገልፅ።

እዛ ተምሃሪት ጫማ ምፅራግ ምስ ጀመረት፡ ሰብመዚ ኰኑ ዓማዊላ ይሕግዝዋ ከም ዘለዉ ትዛረብ።

“ከንቲባ እታ ከተማ’ኳ መፅዩ ነይሩ። ዘድልየኪ ኩሉ ክነማልአልኪ ኢና ኢሉኒ። 10 ሽሕ ብርን መስርሒ ቦታን ከም ዝህበኒ ቃል ኣቲውለይ። ካልኦት ብዙሓት ሰባት እውን ኣብ ጐንኺ ኢና ኢሎም ብዙሕ ኣተባቢዖምኒ” ትብል ደንሳ፡ ውፅኢት 12 ክፍሊ እንተመፅዩላ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ‘ሊደርሺፕ’ ክትመሃር ከምትደልይ ትገልፅ።