ዝሓሸ ኣገባብ ኣተዓባብያ ቈልዑ እዚ እዋን እንታይ’ዩ? ኤርትራዊት ክኢላ ኣድያም ትብሎ ኣለዋ

ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና መዋእል፡ ቈልዓ ምውላድን ዘይምውላድን፡ ካብኡ ሓሊፉ ብዝሖምን ኣተዓባብያኦምን ኣገደስቲ ኰይኖም ዘለዉ ማሕበራዊ ጕዳያት እዮም።

ብሓፈሻኡ ሰባት፡ ቈልዓ ምውላድ ከም ዓቢይ ጸጋን በረኸትን ህይወቶም ገይሮም ይወስዱዎን ኣመና ድማ ዘሐጕሶምን እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ምውላድ ኣዝዩ ዘፍርሖምን ዘጨንቘምን፤ምስ ዘመናውነትን ምዕባለ ተክኖሎጂን ዝተፈጥረ ሓዲስ ሕብረተሰብን ኣቃውማ ስደራቤታትን - ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም - ብርሑቕ ይዅን ቀረባ ጽልዋኡ ዘሰክፎም ወለዲ ሒደት ኣይኰኑን።

ብፖለቲካውን ቍጠባውን ምኽንያታት ስደት ገኒኑ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ እዋን’ውን፡ ካብቲ ዓቃባዊ ማሕበራዊ ከባቢኦም ተሰዲዶም ናብ ዝተቐያየረ ፍቱሕ ማሕበረሰብ ዝጽንበሩ ስድራቤታት፡ ክወሃሃዱ ክጽገሙ፡ ኣብ ኣተዓባብያ ውሉዳቶም ምስቲ ሓዲስ ማሕበረ-ቍጠባዊ ስርዓት ክራጸሙን ብሽቝረራ ክነብሩን ይረኣዩ እዮም።

ክኢላታት ስነ ልቦና፡ ቈልዓ ምውላድን ምእላይን ብዙሕ ቍጠባውን ስነ ልቦናውን ተጽዕኖ ሒዙ ዝመጽእን፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበሰረብ ጽልዋ ዘለዎ ስለ ዝዀነን፡ ኣብ ዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ዘለና ግንዛበ ክዓቢ ግድን ምዃኑ ይመኽሩ። ከም ውጽኢቱ፡ ብቐንዱ ኣብተን ዝዓበያ ሃገራት ንኣተዓባብያ ቈልዑ ዝጥምቱ ብርክት ዝበሉ መጽሓፍቲ ተጻሒፎምን መጽናዕቲታት ተኻይዶምን’ዮም።

ካብዚ ድርኺት’ዚ ነቒላ፡ ንእዋናዊ ተርእዮታትን ብድሆታት ስድራቤታት ብፍላይ ኣብ ስደት፡ ብፍልጠትን ግንዛበን ንምግጣሙ ምእንቲ ክከኣል ብዕቱብ ትሰርሕ ዘላ፡ ኣብ ዩጋንዳ እትቕመጥ፡ መምህርን ክኢላ ቅድመ-ትምህርቲ ኤርትራዊት ኣድያም ኣብርሃ እያ።

ኣድያም፡ ኣብ ቈልዑ ኣተኲራ፡ ወለዲ ኣብዚ ዘመን ክኽተሉዎ ብዛዕባ ዝግባእ ኣገባባት ምዕባይ ቈልዑ ብመገዲ ዩትዩብ ቻነላን ካልኦት ኣገባባትን ትምህር ኣላ።

እወንታዊ ኣተዓባብያ ቈልዑ እንታይ’ዩ?

ኣብዚ እዋን፡ ወለዲ ኣብ ክንዲ ድምጾም ሓፍ ኣቢሎም ዝዛረቡ ወይ ዝተሃረሙ፡ ብዛዕባ ዝዀኑ ነገር መብርሂታትን ኣማራጺታትን ብምሃብ ምስ ደቈም ድልዱል ዝምድና ወይ ርክብ ክሃንጹ ይምከር።

ንኣብነት፡ ኣብ ገዛ ክልተ ቈልዑ እንተሃልዮምኻ እሞ እቲ ሓደ ንሓፍቱ ይሃርማ እንተሃልዩ፡ እቲ እወታዊ ኣገባብ ንዕኡ ካብቲ ኵነታት ስሒብካ ብምውሳድ፡ ክልቲኦም እንታይ ይስምዖም ከም ዘሎ ምዝርራብን ካልኦት መፍትሒታት ብሓባር ምእላሽን እዩ ዝኸውን። እዚ እወታዊ ኣገባብ ኣተዓባብያ ቈልዓ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብ 1920ታት ኣትሒዙ ዝነበረ ኣገባብ እዩ።

ኣብ ኣስመራ ሬንቦ ኢንተርናሽናል ስኩል መምህር፡ ሓንጻጺት ስርዓት ትምህርን ምስልጣን ሓደስትን ነባራትን መማህራን ኰይና ዘገልገለት ኣድያም፡ ወለዲ ደቈም ዘዕብይሉ መገዲ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍሎም ክኸውን የብሉን ትብል።

እወታዊ ኣገባብ ኣተዓባብያ ክትክተል እንከለኻ፡ እቲ ቈልዓ ኵሉ ግዜ ድላዩ ይረክብ ወይ ወላዲ ጠለብ እቲ ቈልዓ የማልእ ማለት ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ኣብ መንጐኦም ንዘሎ ርክብ ዘረዳድእን መሰረታዊ ንጥዕና እቲ ስድራቤት ክሕሉ ዝኽእልን ክኸውን ከሎ እዩ ብምባል ተረድእ።

ብመሰረት እዚ ኣገባብ፡ ቈልዑ ንኣሽቱ እንከለው ብዛዕባ ስምዒታት ክምሃሩ ከም ዘለዎም ኣድያም ተረድእ።

ንኣብነት፡ “ክሓርቁ እንከለው “ሓሪቕካ/ኪ ኣለኻ/ኺ”፤ ክሕጐሱ እንከለው “ተሓጒስካ/ኪ ኣለኻ/ኺ” እናበልና ክንምህሮም ኣለና። ወዲ 13 ዓመት ኰይኑ ብናይ ወዲ 20 ዓመት ኣገባብ ሕርቃኑ ይገልጽ እንተሃልዩ ወይ’ውን ወዲ 13 ዓመት ኰይኑ ብናይ ወዲ 5 ዓመት ስምዒታቱ ይገልጽ እንተልዩ ንቡር ኣይኰነን። እቲ ስምዒታቶም ምስ ኵነተ ኣእምሮኦም ዘገናዘበ ክኸውን ስለ ዘለዎ፡ ክንምህሮም ይግባእ” እያ ትብል።

ኣብ እዋን ቍልዕነቶም፡ ንዝስምዖም ነገራት መፍትሒ ስኢኖም ዝዓብዩ ቈልዑ ምስ ዓበዩ ሓራቓት፡ ቁጡዓት ወይ ስምዒታቶም ዝሓብኡ ክዀኑ ንቡር ተርእዮ ከም ዝዀነ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሕቶ መልስን መረዳእታን ክረክብ ስለ ዘለዎ፡ ነዚ መልሲ ንምርካብ ዝኽተልዎ መገዲ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግንዛብ ከም ዘድሊ ትገልጽ።

እወታውን ኣሉታውን ስምዒታት ንጥዕና ኣእምሮና ዘለዎ ረብሓ እተጽንዕ፡ ክኢላ ስነ ልቦና ኬንት ስቴት ዩኒቨርሲቲ ካሪን ኮይፍማን ብወገና፡ ኵሎም ስምዒታት ጠቓሚ ኣበርክቶ ከም ዘለዎምን እወታዊ ስምዒታት ርክባት ኣብ ምድልዳል ሓገዝቲ፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ግን ውጥንን ላዕለዋይ ደረጃ ኣተሓሳስባ ዝጠልብን ዓይነት መስርሕን ንምዕባይ ሓገዝቲ ስለዝኾኑ ኣብ ህላወ ደቂ-ሰባት ኣገደስቲ ኰይኖም ጸኒሖም'ዮም” ትብል።

ምስ ቈልዑ ክንራኸብ እንከለና፡ ኣብ ጥዕናዊ ኣእምሮ እቶም ቈልዑ ጽልዋ ስለ እነሕድር ወትሩ ኣብ ጽቡቕ ኵነተ ኣእምሮ ክንከውን ይግባእ። ኣድያም “መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ጸገም ኣብ ዓበይቲ’ዩ ዝፍጠር፣ ንሕና፡ ኣብቲ ናትና ኵነተ ኣእምሮ ኴንና ሎሚ ጽቡቕ ይስምዓና እንተሃልዩ፡ ምስ ደቅና ጽቡቕ ነገር ንገብር፤ ጽቡቕ ኣብ ዘይስምዓና እዋን ከኣ ንዅሉ ሕማቕ ስምዒታትና ተሰኪምና ኣብቲ ቈልዓ ነውጽኦ” ብምባል ውን ተረድእ።

ሰባት፡ ገና እንከለው ኣብ ኣእምሮኦም ተቐሪጹ ዝጸንሕ ዝኽርታት ምስ ዓበዩ ኣብ ዝምስርቱዎም ማሕበራዊ ርክባት፡ ዝህልዎም ባህሪያትን ልምድን ከም ዝንጸባርቝ ብምዝኽኻር፡ ካብ እዋን ጥንሲ ኣትሒዙ ዝምድና ውሉድን ወላድን ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ክኢላ ቅድመ-ትምህርቲን ኣተዓባብያ ቈልዑን ኣድያም ተገንዝብ።

ብልሙድ “ቈልዑ ክውለዱ እንከለው ዋላ ሓደ ነገር የብሎምን ኢና ንብል። ከምኡ ክንብል ግን ኣይንኽእልን ኢና፤ ሓደ ቈልዓ ካብ ግዜ ጥንሲ ኣትሒዙ ዝተመሃሮም ብዙሓት ነገራት ሒዙ’ዩ ዝውለድ። ብፍላይ ምስ ኣደኡ ጽቡቕ ዝምድና እናመስረተ እዩ ዝመጽእ፤ ብድሕሪኡ ኸኣ፡ ምስ ኣቦ፡ ኣሕዋት፡ ቤተሰብን ኣብ ከባቢኡ ዘለው ሰባትን ዝምድና እናመስረተ እዩ ዝመጽእ።

"ንኣሽቱ ስለ ዝዀኑ ኣይርድኦምን እዩ” እናተባህለ ብዘይተገዳስነት ዕሽሽ ዝበሃሉ ነገራትን ኣጋጣሚታት ውን ኣለው። እዚ ግን ኣብ ሓንጐሎም እናተቐረጸ ዝመጽእ፡ ምስ ዓበዩ ነቲ ባህርያቶም ዝቐርጽ እናዀነ እዩ ዝመጽእ። ንደቅና ተዛካሪ ዝዀነ ኣጋጣሚታት ክንፈጥረሎም፡ እዚ ድማ ንባህሪያቶም ዝሃንጽ፡ ንህይወቶም ዘቕልለሎም ክኸውን ኣብ ምግባር ዓቢይ ቦታ እዩ ዘለዎ” ኢላ።

ምስ ደቅና እነሕልፎ ግዜ ስለ ምንታይ የገድስ?

ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ስድራቤታት ሕብረተሰባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ማሕበረ-ቍጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራብን ይስደዳ እየን ዘለዋ።

ብሰንኩ፡ ብርክት ዝበሉ ቈልዑ ካብ ስድራኦም ተፈልዮም ይዓብዩ፤ ገሊኦም ድማ ኣብ ስደት ተወሊዶም ክዓብዩ ይግደዱ ከም ዘለው ይፍለጥ።

ከም ውጽኢቱ፡ ኣቦ፡ ኣደ፡ ሓውን ሓፍትን ዘለዎ ንቡር ስድራቤት ካብ እንርእየሉ ዘይንርእየሉ እዋን ይበዝሕ’ዩ ዘሎ እትብል ኣድያም። እዚ ዓቢይ ሽግር ምዃኑ’ውን ትገልጽ።

“ስድራቤት ፋሕፋሕ ኢሉ ስለ ዘሎ፡ ቈልዑ ዘለውሉ ኵነታት ናይ ዘይምርዳእ ዓቢይ ጸገም ኣሎ፤ ንኣብነት፡ እቲ ስድራቤት ነንበይኑ እንተዀይኑ ቈልዑ ክናፍቑ ኮነ እኹል ኣድህቦ ክስእኑ ግድን እዩ። ነዚ ጐሲኻ ምስ ትሓልፍ ድማ ስምዒታቶምን ድሌታቶምን ዘይምርዳእ የጋጥም። ነፍሲ ወከፍ ዝስምዖም ስምዒት መልሲ ከም ዝደሊ ንዝንግዖ ኢና። እዚ ካብቲ ብብዝሒ ዝዕዘቦ ዛንታታት እዩ” ኢላ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ስደት ኴንካ ቈልዑ ምዕባይ በዳሂ ዝገብሮ፡ ምስኦም እተሕልፎ ግዜ፡ ሕጽረት ቋንቋን ናይ ባህልን ኣነባበራን ጸገማትን እዮም።

ብርክት ዝበሉ ኣብ ስደት ዝነብሩ ወለዲ ወይ ኣለይቲ ስድራ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ስራሕ ስለ ዝሰርሑ ምስ ደቈም ዝራኸብሉ ግዜን ቦታን ኣዝዩ ዝጸበበ ይገብሮ። ወለዲ፡ ዋላ’ውን ምሉእ ግዜኦም ምስ ደቈም ከሕልፉ እንተዘይከኣሉ፡ እንተወሓደ መዓልታዊ ንሒደት ሰዓታት ምስ ደቅና መዓስ ንራኸብ? ከከም ዕድመኦም ብኸመይ ክነዘራርቦም ንኽእል? ንዝብሉ ሕቶታት ቀዳምነት ክህቡ ትምዕድ።

“ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ስድራቤታት ዝተፈላለየ ቋንቋ (ወጻኢ) ኣብ ዝዝረበሎም ዓድታት’ዮም ዝነብሩ ዘለው። ወለዲ ግን ነዚ ቋንቋታት ኣይመልኩዎን። እዚ ኸኣ፡ ንደቅኻ ቤት ትምህርቲ፡ ዝዘናግዕሉ ቦታታት ኮነ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾነ ተወሳኺ ንጥፈታት ክትመርጽ እንከለኻን ደቅኻ ምስ ደቂ እቲ ዓዲ ምሕዝነት ክገብሩ እንከለውን ብኸመይ ትውስንን ትረዳዳእን ዝብል ሽግራት ይፈጥር ኣሎ።

"ቋንቋ ምፍላጥ፡ ኣተሓሳስባን ድሌታትን ደቅኻ ንኽትምዝምዞ ስለ ዝሕግዘካ፡ ጸገም ቋንቋ ክህሉ እንከሎ፡ ኣዕሩኽቶም ከመይ እዮም፣ ቤት ትምህርቲ እንታይ እዩ ዝገብር፣ ጉዳያት ክመጽኡ እንከለው ብኸመይ ትሕዞምን ትፈትሖምን ናይ ዘይምኽኣል ብድሆታት ኣለው ማለት እዩ” ኢላ።

ፍወሳ ‘ቴራፒ’ መዓስ ይምከር?

ኣብዚ ዘመን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ መነባብሮን ድሕረ ባይታን ዝርከቡ ሰባት፡ ምስ ስርሖም፡ ናብራኦም ወይ ካልኦት ማሕበራዊ ርክባቶም ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ኣገልግሎት ስነ-ልቦናዊ ምምኻርን ማዕዳን ናብ ዝህቡ ሰብ ሞያ ይኸዱ እዮም።

ከም ሕብረተሰብ ኣብ ሓዳር ይዅን ካልእ ጸገም ከጋጥም እንከሎ፡ ሞያዊ ሓገዝ ናብ ዝህቡ ኣካላት ምኻድ ኣብ ኣነባብራና ከም ዘይነበረ ኣድያም ትጠቅስ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓዳርካ እንተተሸጊርካ፡ ናብ ወለድኻ፡ ዓርከ-መሓዛ ወይ ጎረቤት ኢኻ ትኸይድ እምበር፡ ናብ ክኢላ ኣይትኸይድን ኢኻ።

ኣብ ስደት ኴንካ ግን ሓውኻ፡ ሓፍተኻ ወይ ወለድኻ ኣብ ጥቓኻ የለውን። ምስ መሓዙትካን ኣዕሩኽትኻን’ውን ኣብ ሓደ ዓዲ ዘይክትህሉ ስለ እትኽእል እቲ እትራኸበሉ መገዲን ዕድልን ድሩትን ውሑድን እዩ ዝኸውን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት፡ ጸገማት ከጋጥሙኻ እንከለው ናብ በዓል ሞያ ምኻድ ዝሓሸ ኣማራጺ ክኸውን ከም ዝኽእል እያ ኣድያም ትእምት።

“ዝበዝሕ ሰብ ካብ ኵሉ ነገር ተበቲኹ ፋሕ ኢሉ ስለ ዘሎ፡ ዝዀነ ሰብ ጸቕጢ ክሳብ ዝስምዖ ክጽበ የብሉን፤ ክዛረብ ክደሊ እንከሎ ክኸይድ ኣለዎ። ምስ ቈልዑ ዝተሓሓዝ እንተዀይኑ ድማ፡ ባህሪኦም ክቕየር እንከሎ ወይ ኣብ ገዛ ሓዘን፡ ከቢድ ሕማም፡ ምፍልላይን ካልእ ከቢድ ብድሆታትን ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ኣብ ከምዚ ግዜ፡ ንደቅና እንታይ ክንገብረሎም ኣለና፡ ዝዀነ እንዶ እንተዘይሃልዩና ክሕግዙና ናብ ዝኽእሉ ወይ ሞያውያን ምኻድ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ህይወት ኣመና እዩ ዘቕልሎ፤ ነቶም ቈልዑ’ውን ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክህልዎም ስለ ዝሕግዞም ግዜን ዓቕምን እንተሃልዩ ክንከይድ ተመራጺ እዩ” ክትብል ትመክር።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ሰባት ኣብ ዙርያ ኣተዓባብያ ቈልዑን ካልኦት ማሕበራዊ ርክባትን ዝተጽሓፉ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን መጽሓፍትን ከንብቡሎም ዝኽእሉ ኣጋጣሚታት ከናድዩን ምስ መማህራን ደቆም ጥቡቕ ዝምድና ክህልዎምን ከም ዘለዎም ትምዕድ።

---

ኣድያም ኣብርሃ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየትን ዝተማህረትን ኰይና፡ ኣብ ‘ሬንቦ ኢንተርናሽናል ስኵል’ ብምምህርናን፡ ስልጠና መማህራንን ምምሕያሽ ካሪክሉምን ንኣስታት 9 ዓመታት ሰሪሓ። ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ሜድያን ንኣተዓባብያን ስነ-ልቦናን ቈልዑ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝሕግዙ ህዝባዊ ኣስተምሮታት ዝሃበትን፡ ኣብዚ እዋን ብዩትዩብ ቻነል ተመሳሳሊ ኣስተምህሮታት እትዝርግሕ ዘላ ሞያዊት ኣብ ኣተዓባብያ ቈልዑ እያ።