እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወለዲ ድሌታት ደቆም ወትሩ ከማልኡ ግድን ድዩ? ሓድሽ መጽናዕቲ እንታይ ይብል?
ብዙሓት ሰብ ሞያ ኣተዓባብያ ቈልዑ፡ ወለዲ ምስ ደቆም ብቐጻሊ ጥቡቕ ምትእስሳራት ክህልዎም ይምዕዱ።
ወለዲ ምስ ደቆም ብኣካል ክቐርቡን ከምኡ’ውን ንነፍሲ ወከፍ ዘድልዮም ነገራት ኣቐዲሞም ክግምቱን ቀልጢፎም ክምልሱን ይምከር።
እቲ ምኽሪ፡ ኣስተንትኖኣዊ ስርሓት ንዕብየት ህጻናትን ስጡም-ምትእስሳርን ጠቓሚ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ኰይኑ ግን፡ እዚ ምኽሪ እዚ፡ ንጽቡቕ ዕላማ’ኳ እንተዀነ፡ ሓያሎ ኣገዳሲ ነገራት ይጐድልዎ እዮም።
ንኣብነት፡ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ንኣስታት 50-70 ሚእታዊት ፡ ወለድን ቈልዑን ርክቦም ከምዝቋረጽ ይሕብር።
ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሓደ ቈልዓ ባዕሉ ሓድሽ ነገር ኣብ ምድህሳስ ወይ ከምቲ ወላዲኡ ዝገብሮ ዝመሳሰል ንጥፈታት ይገብሩ።
ገለ እዋን ድማ፡ ነዚ ኣብ ክንድ ምቁራጽ ርክባት ኣብ ምጽጋን ዝኣመሰሉ ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ ንጥፈታት ይዋፈሩ።
ከምኡ’ውን እዚ ምፍልላይ፡ ምቍርራጽን ዳግመ-ምትእስሳርን ዘስዕብ ኰይኑ፡ ንህጻናት ምቹእ ምትሕውዋስ ደገፍ ወለድን ማእከላይን ጠቓምን ጸቕጢ ብምፍጣር፡ ሓንጐል ህጻናት ማሕበራዊ ርክባት ክሃንጽ ይሕግዝ።
ምትእስሳራት ሓንጐል-ንሓንጐል
ኣብዚ ጉዳይ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 140 ወለዲ ምስ ካብ 5 ክሳብ 6 ዝዕድመኦም ደቈም ተዓዲሞም ነቲ ርክባቶም ብዝተፈላለዩ ሜላታት ትዕዝብቲ ተኻይድሉ።
ንጥፈታት ሓንጎል ብተግባራዊ 'ኤሌክትሮኒካዊ' መሳርሒ ዓቂንናዮ፡ ነዚ ድማ ወለድን ደቆምን ምስ ብርሃናዊ ዳህሰስቲ ዝተኣሳሰር ቆቢዕ ክገብሩ ተሓቲቶም።
ብተወሳኺ ክሳብ ክንደይ ናይ ባህሪ ምትእስሳር ከምዘርኣዩ ንምግምጋም፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝተሰማምዑን ትኩራትን ምንባሮም ንምምዛን፡ ቪድዮታት ተቐሪጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዓይነት ምትእስሳር ወለድን ቈልዑን ተገምጊሙ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ዕማማት ኣብ መንጐ ኣደን-ውላዳን፡ ኣቦን-ውላዱን ምውሳኽ ኣእምሮኣዊ ተዛምዶ [ኒውራል ሲንክሮኒ] ረኺብና ኔርና።
ኣብ መንጐ ኣደን ውላድን፡ እቲ ምትእስሳራት ኣብ ምፍታሕ ሕንቅልሕንቅሊተይ ወይ ዕላል ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ።
ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ኣቦን ውላድን ዝነበረ ርክባት፡ ኣቦታት ብዛዕባ’ቲ ከም ኣቦ ዘለዎም ተራ ርእሰ-ምትእምማንን ዝተኣሳሰር’ዩ ነይሩ።
እዚ ማለት ግን ዝለዓለ ኣእምሮኣዊ ተዛምዶ ወላድን ውሉድን ኵሉ ግዜ መዐቀኒ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ማለት ድዩ?
ኣብዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ብሓቂ ውሕስነት ዘይብሉ፡ ጭንቀት ዘለዎ ወይ ምውጋድ ዓይነት ምትእስሳር ዘለወን ኣደታት ምስ ደቀን ዝያዳ ኣእምሮኣዊ ተዛምዶ ከምዘርኣያ ተዓዚብና።
እቲ ዝገርም፡ ምትእስሳር ኣደታትን ውላደንን ብመንጽር ባህርያተን ክሳብ ክንደይ ዝጠዓዓሙ ምንባሮም ዝተኣሳሰር ኣይነበረን።
ብተወሳኺ ኣብ ርክባት ኣቦን ውላድን፡ ካብ ርክባት ነጻ ዝዀነ ግን ከኣ ምውሳኽ ኣእምሮኣዊ-ዝምድና፡ ምንካይ ባህርያዊ ምትእስሳር ተረኺቡ።
እዞም ርክበታት ከም ዝሕብርዎ፡ ዝለዓለ ኣእምሮኣዊ ርክባት ውጽኢት ናይቲ ኣብ ምትእስሳር ወላድን ውሉድን ዝያዳ ኣእምሮኣዊ ጻዕሪ ምግባር ክኸውን ይኽእል።
ምትእስሳር ኣደታት ውሕስነት ዘይብሉ እንተዀይኑ፡ ኣብ ከም ምፍታሕ ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ ኣደታትን ቈልዑን ንኽወሃሃዱን ንኽተሓጋገዙን ዝያዳ ከጸግሞም ይኽእል።
ብተመሰሳሊ፡ ኣቦታት ኣብ ከም ንጡፋትን ኣካላውን ምንቅስቓሳት ዝኣመሰሉ ጸወታታት እዮም ዝፈትዉ።
ስለዚ ኣብ ከም ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝኣመሰሉ ቅርጻውን ኣእምሮኣዊ ጠለባትን ዝሓቱ ንጥፈታት ምውፋር ዝያዳ በዳሂ ክዀኖም ይኽእል እዩ።
ክውሰድ ዝግበኦ ትምህርቲ
ብመሰረት እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ እቲ ዝዓበየ ነገር ወለዲ ኵሉ ግዜን ብዝዀነ ይዅን ዋጋን፡ ምስ ደቆም ክተኣሳሰሩ ኣለዎም ዝብል ስምዒት ክህልዎም የብሎምን።
ልዑል ምትእስሳር ወላዲን ውላድን እውን ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተዋህሊሉ ኣብ ልዕሊ ወለዲ ዘሕርቕን ኵነታት ከስዕብ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ዘላቒ ርክብ ወላድን ውሉድን ዝያዳ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር።
ወለዲ - ብፍላይ ቈልዑ ንኣሽቱ እንከለዉ - ብስምዒት ድሉዋት፡ ድሌታት ደቆም ኣብ ምንባብ ክኢላታትን ንዘድልዮም ቅልጡፍ ምላሽ ዝህቡን እንተዀይኖም ብርግጽ ሓጋዚ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ወለዲ ንደቆም ጥዑማት ክዀኑ እኹል እዩ፤ ቈልዑ ኵሉ ግዜ ኣብ ዝደልዩዎም ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘድልዮም እዋን ጥራይ ክርከቡ ኣለዎም።
እዚ፡ ብፍላይ ብዕድመ ምስ ደፍኡ፡ ህጻናት ብስምዒት፡ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን መዳይ ነጻነት ከጥርዩ ይሕግዞም’ዩ።
እቲ ብሓቂ ዝረአ ነገር እንተሃልዩ፡ እዚ መገዲ፡ ኣብ ርክብ ወላድን ውላድን ብሓፈሻ ጽቡቕ ገይሩ ይሰርሕ።
እቲ ብባህሪኡ ዘይተርፍ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ዘይምጥዕዓም፡ ቈልዑ ኣብ ወለዶም ዝያዳ ምእትእምማን ከማዕብሉን ርክቦም ከመሓይሹን እዩ ዝሕግዞም።
እዚ ሓቂ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምኽሪ ወለዲ ብጌጋ ዝርአ ልክዕ ሕመረት ክልሰ-ሓሳብ ምትእስሳር [attachment theory] እዩ።