መጻምዲ ስለምንታይ ቈልዓ ድሕሪ ምውላድ ከም ቀደሞም ዘይኰኑ?

ክልተ ኣዝዮም ዝፋቐሩ መጻምዲ ቈልዓ ውልድ ከብሉ እንከልዉ፡ ዘመድ ኣዝማድ፡ ፈተወትን ጐረባብትን ብዕልልታን ደስታን ሓጐሶም ይገልጹ።

ኣብ ገሊኡ ሓዳር ግን ‘ኵሉ ከማኹም ይርከብ’ ዝተባህለሎም ሰባት ጠንቂ ቈይቅን ገርጨውጨውን ክኸውን ይስትውዓል።

ሆሊ፡ ኣደ ምስ ኰነት ምሉእ ህይወታ ክቕየር እዩ ዝብል እምነት ነይርዋ። ናይ መጀመርታ ኣልትራሳውንድ ተላዒላ ነፍሰጾር መናቱ ምዃና ኣብ ዝፈለጠትሉ መዓልቲ ድማ ዝያዳ ህይወተይ ክቕየር’ዩ ኢላ ዓብይ ባህታ ፈጢሩላ።

ሓደ ነገር ጥራይ ኣይተራእያን፡ ቈልዓ ምውላድ እቲ ምስ መጻምዳ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝሃነጸቶ ርክብ ክዘርጐ ይኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን።

እቶም ቈልዑ ምስ ተወልዱ ኣዝዮም ከበድቲ ዘይምቅድዳዋት ክፍጠሩ ጀሚሮም። እምበኣር ንፈላለ ኣብ ዝብል በጺሖም።

እቲ ናብዚ ደረጃ ዘብጽሖም ቀንዲ ምኽንያት ምክፍፋል ዕዮ ከም ዝዀነ ተቐማጢት ካናዳ ሆሊ ትዛረብ።

መጻምዳ ምጽራይ ገዛ፡ ምሕጻብ ክዳን፡ ምብሳል መግቢ ዝኣመሰለ እቲ ዝበዝሐ ስራሕ ገዛ እዩ።

ንሳ ግን ካብኡ ንላዕሊ ክሕግዛ እያ ትደሊ።

“ብመጥባሕቲ’የ ወሊደ፤ ሰብነተይ ይደክም ነይሩ። ን24 ሰዓታት ክልተ ቈልዑ’የ ዘጥቡ - ኣይድቅስን። ሓደኦም ክበኽዩ እንከለው ኣክንዲ ዝሕግዘኒ፡ ንዓኺ’ዮም ደልዮም’ ይብለኒ። በዚ ኣብ ልዕሊኡ ሓያል ቍጥዐ ነይሩኒ” ትብል።

ብዙሓት ስድራቤታት፡ እቲ ሆሊ ዝሓለፈቶን ዝተሰምዓን ይስምዖም’ዩ።

ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ኣብ መንጐ መጻምዲ ዝህሉ ርክብ ድሕሪ ቈልዓ ምውላድ ከም ዝቕየር የመልክቱ።

ዩኒቨርሲቲ ቦርን ብ2021 ዘካየዶ መጽናዕቲ ብማእከላይ ገምጋም፡ ዕግበት ዝምድናታት ምስ ግዜ ይንኪ’ዩ ይብል - መጻምድቲ ወለዲ ይዅኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ኣብተን ቀዳሞት 10 ዓመታት ብሓባር ዘሕልፍሉ እዋን ኣብ መንጐኦም ዝህሉ ርክብ ከም ዝንኪ የርኢ።

ኣብዚ ዑደት ግን፡ እቶም ወለዲ ዘይኰኑ ካብቶም ወለዲ ዝዀኑ ንላዕሊ ትሑት መጠን ዕግበት ይህልዎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መጻምድቲ ቈልዑ ብዝወለዱ ቁጽሪ ብርክቦም ዕጉባት ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ይንኪ’ዩ።

ብፍላይ ኣደታት ዕሸላት እተን ዝወሓደ ሕጕሳት ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ’የን። ካብተን 62 ሚእታዊት ውላድ ዘይብለን ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ 38 ሚእታዊት ዝተመርዓዋ ኣደታት ልዑል ዕግበት ኣለወን።

ወላድ ምዃን ኣብ ሓዳር ብድሆታት ሒዙ ምምጽኡ ግን ዘገርም ክኸውን የብሉን።

ኣብ መብዛሕትኦም መጻምድቲ ሰብ ሞያ ስለ ልቦና ቀንዲ ረቛሒታት ዝምድና ዝብሉዎም ከም ዝርርብ፡ ፍቕሪ፡ ብሓባር እተሕልፎ ግዜ ዝበሉ ጉዳያት ቈልዓ ምስ ተወልደ ይቕየሩ እዮም።

ድቃስ ምስኣንን ፋይናንሳዊ ጭንቀትን ሓዊሱ ጸቕጢ ዘስዕቡ ነገራት ይመጽኡ’ዮም፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መጻምድቲ ቈልዓ ምስ ወለዱ ዝያዳ ግጭት ወይ ወጥሪ ከይፍጠር ምግባር ዘይክኣል ክመስሎም ይኽእል’ዩ።

ተቐማጢት ካሊፎርንያ ክኢላ ምምኽኻር ስድራ ስቴሲ ሺርል ወላዲ ምዃን ጥራይ ምኽንያት ሓድሽ ጐንጺ ክኸውን ከም ዘይክእል ትዛረብ።

መጻምዲ ግን ቈልዓ ቅድሚ ምውላዶም ኣብ ዘሎ ግዜ ብዛዕባ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ድኹም ናይ ዝርርብ ኵነታት ዝያዳ ትኹረት ንክገብሩ ግዜ ከም ዘለዎም ትገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቅድሚ ቈልዑ ምምጽኦም "ቅሩብ ዘሕርቕ" ዝነበረ ጉዳይ ቈልዑ ምስ ተወልዱ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኵነታት ክቕየር ከም ዝኽእል ተረድእ።

ንኣብነት፡ ሓደኦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ግዜ ዘጥፍኡ እንተዀይኖም እዚ ቅድሚ ቈልዑ ዓብይ ጸገም ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ቈልዑ ግን፡ ሓደኦም ግዚኦም ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ምርኣይ ከሕልፍዎ እንከለው፡ እቲ ካልእ ወገን በይነይ’የ ቈልዓ ዘዕቢ ዘለኹ ማለት’ዩ ኣብ ዝብል ስምዒት ከእትዎ ይኽእል።

ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ጐንጺ፡ ኣብቶም ድሮ ጸገማት ዘለዎም ዝምድናታት ጥራይ ዝፍጠር ኣይኰነን፤ እዚ ነቶም ኣብ ከም ከውሒ ጽኑዓት ተባሂሎም ዝምጐሱ መጻምዲ’ውን ከጋጥም ይኽእል’ዩ።

“ዋላ’ውን እቲ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ዝበሃል ዝምድና እንተሃለወካ፡ ኣብ ዙርያ እቶም ቈልዓ ምስ ወለድካ ክጋደዱ ዝኽእሉ ነገራት ምዝርራብን ምርድዳእን ኣገዳሲ’ዩ” ትብል ሺረል።

ተቐማጢት ኒውዮርክ ጋዜጠኛ ጃንሲ ዳን፡ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽንሓ እያ ነፍሰ ጾር ኰይና።

“ድሕሪ ምውላድ ብኸመይ ንሰብኣይካ ኣይትጸልእን” ዝብል ክትጽሕፍ እንከላ፡ “ንዅሉ - ወይ እንተወሓደ ንመብዛሕትኡ - ኣብ ዝምድናና ዝነበረ ጉዳያት ብዝግባእ ከም ዝሰራሕናዮን፡ ስድራቤት ንሃንጸሉ ጽቡቕን ጽኑዕን መሰረት ከም ዘለና ግምት ነይሩና” ትብል።

ዳን ድሕሪ ሕርሳ፡ "በቃ ማዕበል ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት፡ ድኻምን ቂምን ኣብ ነንሕድሕድና ነይሩ እዩ ነይሩ" ትብል።

ቈልዓ ምስ ተወልደ እቲ ብልምዲ ተራ ጓል ኣንስተይቲ፡ ተራ ወዲ ተባዕታይ ተባሂሉ ዝውሰድ ብጽሒት ስራሕ ጥራይ ዘይኰነ ጸገማት ዘምጽእ ምውላድ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘምጽኡ ለውጢ መንነት’ውን ምህላዩ’ዩ ክትብል ሺረል ተረድእ።

“ቈልዓ ክህልወካ እንከሎ ብኸመይ ንመንነትካ ከም ዝቕይሮ ኣይትርድኦን ኢኻ። ስለዚ ሃንደበት ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ዘይግደሰሎም ዝነበርኩ ነገራት ክግደስ ይኽእል። መጻምደይ ከኣ ‘እንታይ ኢኺ ትዀኒ ዘለኺ?’ ቪድዮ ጌም ምጽዋተይ ስለ ምንታይ ሃንደበት የገድሰኪ? ክብለኒ ይጅምር። ሓድሽ ሰብ ኢኻ ትኸውን፤ መጻምድኻ ክኣ እዚ ሓድሽ መንነት ክቕበል ኣለዎ” ትብል።

ከምኡ’ውን እዞም ካብ ባህርያት ክሳብ ሰብነት ለውጢ ዘምጽኡ ሆርሞናት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ጥንሲ እዮም ዝጅምሩ።

ኣብ ቅድመ ሕርስን ድሕሪ ሕርስን እውን ልሙድ ዝዀኑ ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ’ውን ተወሳኺ ብድሆታት ሒዞም ክመጽኡ ይኽእሉ።

ንኣብነት ድሕሪ ሕርሲ ዝመጽእ ጭንቀት ካብ ኣርባዕተ ኣደታት ኣስታት ሓንቲ ካብ ዓሰርተ ኣቦታት ድማ ሓደ የጥቅዕ።

ማታን ኣቦ ምስ ኰነ፡ እቲ ድሕሪ ሕርሲ ዝስዕብ ጭንቀት ካብቲ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።

በዓልቲ ቤቱ ስንባደ ዝመልኦ ሕርሲ ነይርዋ፤ እቲ ውላድ ከኣ ናይ መግቢ ኣለርጂ ነይርዎ። ንሱ ይዅን በዓልቲ ቤቱ ድማ ኣብ ቀረባኦም ብዙሕ ዝድግፎም ሰብ ኣይነበረን።

“ኣብ ፈላሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት እናገጠመካ ዝሕግዘካ ስድራቤት ዘይምህላው ብሓቂ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። በዓልቲ ቤተይ ድማ ገለ ከቢድ ጭንቀት ነይርዋ... ምናልባት በቲ ወደይ ዝነበሮ ጉዳያት ጥዕና ተጋዲዱ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

እቲ ቈልዓ ኣብ ዝድቅሰሉ ሰዓት ግን ከንጸርጽር፡ ክቋዮቕ ከም ዝጅምር ይዛረብ።

ኣብቲ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝጸንሐ ፍቕራዊ ዝምድናኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ጐንጺ ገጢሙዎም ኣይፈልጥን።

እቲ ቈልዓ ካብ ዝውለድ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብዝሓሸ መልክዑ ክዘራረቡ ዝምድናኦም ከሐይሉን'ኳ እንተኸኣሉ ንጾታዊ ርክብን ካልኦት ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ጥቡቕ ዝምድናታት እናላሕለሐ መጺኡ።

ኣብ ሓዳር ቈልዓ ምስ መጽአ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዕግበታት እናነከየ ምምጻእ ልሙድ'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ግን ኣይዛረብሉን።

ገሊኦም፡ ብዛዕባ እቲ ዘጓንፎም ዘሎ ነገራት ንኻልኦት ምዝራብ የሕፍሮም፡ ካልኦት ካብኦም ብዝሓሸ መገዲ ፍልልያቶም ክኣልዩ ዝኽኣሉ ኰይኑ ስለ ዝስምዖ ንነብሶም ይጸልኡዋ።

ክኢላ ስነ ልቦናን ተመራማሪትን ዩኒቨርሲቲ በርን ጀኒና ቢለር፡ ስምዒት ተነጽሎ (ሰብ እንታይ ይብለኒ) ብድሆታት መጻምዲ ንምስጋር ዝያዳ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮም ትኣምን።

"ወትሩ፡ ዝምድናታት ኣዝዮም ዘዕግቡ ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ኣተሓሳስባ፣ ኵሉ ግዜ ድማ ጾታዊ ርክብ ክንገብር ኣለና፡ ሕጕሳት ክንከውን ኣለና ዝብል ሓሳብ - እዚ ኵሉ ሓቂ ኣይኰነን" ትብል።

ብደረጃ ሕብረተሰብ ድማ፡ ኣብ መንጐ መጻምዲ ዘጋጥም ጸገማት ልሙድ ኰይኑ እናሃለወ ኣብ ዙርያ እዚ ዘሎ ስቕታ ከምዚኦም ዝበሉ ጐንጺታት ሳሕቲ እዮም ዘጋጥሙ ዝብል ግጉይ ዝንባለ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ነቲ ሰባት ዝስከፉዎ ስምዒት ተነጽሎ ክጋደድ ከም ዝኽእል ተረድእ።

ገለ መጻምድቲ ካብዚ ጐንጺታት ቀልጢፎም ክሓውዩ ኣይክእሉን እዮም፤ ዋላ'ውን ርክቦም ንምድሓን ዝግበር ብዙሕ ጻዕሪ፡ በዚ ምኽንያት ክፈላለዩ ይርኣዩ።

ሓቂ’ዩ፡ ኵሎም መጻምዲ እቲ ድሕሪ ምውላድ ቈልዓ ክጽሎ ዝጀመረ ሓዳሮም ንነባሪ ግጭት ወይ ፍትሕ ዝተዳለዉ ኣይኰኑን።

ስለዝዀነ፡ ነቶም ኣብ መንጐ መጻምድቲ ኣወንታዊ ዝምድናታት ዘዕብዩ ከም ዝርርብ፡ ፍቕሪ፡ ብሓባር እተሕልፎ ግዜ ክህሉ ምግባር፡ ዓቐን ዝሓለፎም ትጽቢታት ዘይምግባር ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ክምዕብሉ ምግባር ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ መጻምዲ ሞያዊ ምኽሪ ክልግሰሎም ናብ ዝኽእል ክኢላ ብምኻድ ምኽርን ሓገዝን ክረኽቡ ጻዕሪ ክገብሩ ከም ዘለዎም ይሕብሩ።