እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃፓን፡ ናብ ወርሒ ዝተለኣኸት መንኮርኮር ከይወደቐት ኣይትተርፍን
ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ዝተለኣኸት መንኮርኮር ጠፈር ኣብ ዝባን ወርሒ ወዲቓ ክትከውን ከም እትኽእል ሓደ ጃፓናዊ ኩባንያ ገሊጹ።
ብሕታዊ መንኮርኮር ጠፈር ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ሳሕቲ ዝርአ መስርሕ’ዩ። ኣብ ቶክዮ ዝመደበሩ ኣይስፔስ ዝተበሃለ ኩባንያ ግን እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ ከካይድ ተስፋ ብምግባር እዩ ነታ ሃኩቶ-ኣር እትበሃል መንኮርኮር ጠፈር ናብ ወርሒ ዝለኣኸ።
እታ መንኮርኮር ጠፈር ብሰሉስ ሰዓት16፡40 ናብ ወርሒ ድሕሪ ምጽጋዓ፡ ካብቲ ክትዓለብ ዝተሓሰበሉ ሰዓት ሒደት ደቓይቕ ኣቐዲሙ ግን ርክብ ተቛሪጹ።
ሃኩቶ-ኣር እንታይ ከም ዘጋጠማ ዛጊት ኣይተፈልጠን፤ መሃንድሳት ግን ጠንቂ እቲ ፍጻመ ይምርምሩ ኣለው።
ኣይስፔስ፡ እታ መንኮርኮር ጠፈር ዳህሳሳዊት መኪናን ክንዲ ኩዕሶ ተኒስ ዝዓቐኑ ሮቦት ክትፍንው ተስፋ ገይሩ ነይሩ።
ሃኩቶ-ኣር፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብሮኬት ስፔስኤክስ ዝተወንጨፈት ኰይና፡ ናብ ወርሒ ክትበጽሕ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ወሲዱላ’ዩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣይስፔስ ታከሺ ሃካማዳ፡ ድሕሪ እቲ እታ መንኮርኮር ክትዓልብ ምዃና ትጽቢት ዝተገበረላ ድሕሪ 25 ደቓይቕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስታ መንኮርኮር ርክብ ከምዝተቋረጸ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ኣብ ጽፍሒ ወርሒ ክንዓልብ ከም ዘይከኣልና ክንሓስብ ኣለና" ኢሉ።
ሃካማዳ ድሒሩ፡ ዋላ'ኳ እቲ ተልእኾ ክዛዘም ትጽቢት እንተዘይነበሮ፡ እቲ ኩባንያ "ኣገዳስነት ናይዚ ተልእኾ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈጸመ፡ ነቲ ናይ ምዕላብ ምዕራፍ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን ብዙሕ ሓበሬታን ተመኩሮን ከምዝረኸበ" ገሊጹ።
ሃኩቶ-ኣር፡ ቅሩብ ልዕሊ 2 ሜትሮ ቁመት ዘለዋ ኰይና 340 ኪሎ ትምዘን፤ ብተዛማዲ ብደረጃ መራኽብ ጠፈር ንእሽቶን ጥርንፍቲን እያ ነይራ።
እቲ ውጥን ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ናይ ምዕላብ መስርሕ ክተካይድ ነይሩ፤ ኣስታት 100 ኪ.ሜ ልዕሊ ጽፍሒ ወርሒ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ድማ ኣብ ሰዓት ዳርጋ 6,000 ኪ.ሜ ትጓዓዝ ነይራ።
ሃኩቶ-ኣር ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ወርሒ ኣብ ዝርከብ መዕለቢ ቦታ ምስ በጽሐት፡ ናይ ወርሒ ሓመድ፡ ጂኦሎጂን ከባቢ ኣየርን ዘጽንዕ ክልተ ጽዕነት ክተዋፍር ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ሮቦት ከቐምጣ ዝኸኣላ ኣሜሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ጥራሕ እየን፤ መደባት ሰለስቲአን ሃገራት ድማ ብመንግስቲ ዝተመወለ እዩ።
ኣብ 2019 እስራኤል ብናይ ብሕቲ ኩባንያ ኣብ ወርሒ ንምዕላብ ፈላሚ ፈተነ ኣካይዳ ነይራ። እታ በረሸት ዝተበሃለት መንኮርኮር ጠፈር ኣብ ዙርያ ወርሒ ክትዘውር እኳ እንተከኣለት፡ ኣብ እዋን ፈተነ ምዕላብ ግን ጠፊኣ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ህንዲ ዘካየደቶ ፈተነ’ውን ከም ዝፈሸለ ይፍለጥ።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ጃፓናዊ ተልእኾ፡ ናብ ወርሒ ዝግበር ንግዳዊ ምውንጫፍ ተግባራዊ ምዃኑ ንምግምጋም እዩ ነይሩ።
ራእይ ኩባንያ ኣይስፔስ፡ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ንዘላቒ ህላወ ደቂ ሰባት፡ ከም ንዕደና ዝኸውን መሳርሒታት ምልኣኽን ነዳዲ ሮኬት ምፍራይን ዝኣመሰሉ ንግዳዊ ኣገልግሎታት ምሃብ እዩ።
ዳይረክተር ናይ ሮኬት ኢንጅነሪንግ ዝተበሃለ ናይ ህዋ ኣማኻሪ ትካል ዝኾነ ዶክተር ኣዳም ቤከር፡ እታ መንኮርኮር ጠፈር ኣብ ምዕላብ እንተትዕወት ነይራ ኣብ ንግዳዊ ተሳትፎ ከም "ስጉምቲ ለውጢ" ምተወሰደ ነይሩ ይብል።
"ብተመጣጣኒ ዋጋን ክድገም ዝኽእልን እንተኾይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ገለ ነገር ንኽዓልብ መንገዲ ምኸፈተ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።