ንሽወደንን ኖርወይን ዘሰሓሓበ ተልእኾኡ ዝሰሓተ ሮኬት ምርምር

ሽወደን ዝፈተነቶ ናይ ምርምር ሮኬት ተልእኾኡ ስሒቱ ኣብ ኖርወይ ድሕሪ ምዕላቡ፡ ኖርወይ ብተግባር ሽወደን ተቘጢዓ።

እቲ ሮኬት፡ ብሰኑይ ሰዓት 05: 20 ኣቈጻጽራ ኣውሮጳ፡ ካብ ማእከል ኢስራንጅ ስፐይስ ተበጊሱ እዩ ኣብ ሰንሰለት ኣኽራን ኖርወይ ወዲቑ።

እቲ ነቲ ማእከል ዝውንንን ዘካይድን ትካል ጠፈር ሽወደን (ኤስ.ኤስ.ሲ) ይቕረታ ብምሕታት ነቲ ምኽንያት ከጽንዖ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።

ይዅን እምበር ኖርወይ፡ ሽወደን ኣቐዲማ ወግዓዊ ሓበሬታ ብዘይምሃባ ነቒፋታ ኣላ።

ብመሰረት ኤስ.ኤስ.ሲ.፡ እቲ ሮኬት 250 ኪ.ሜ. ንላዕሊ ተወንጪፉ ከብቅዕ ዳሕራይ ግን ብዜሮ ስሕበት/ ግራቪቲ ንምድሪ ብምምላሱ እቲ ክስተት ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።

ብድሕሪ’ዚ እቲ ሮኬት፡ ካብቲ ክዓልበሉ ዝተመደበ ቦታ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ 40 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ ማልሰለቭ እትበሃል ኣብ ሰሜን ኖርወይ እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ፡ ካብቲ ሰባት ዝነብርሉ ቦታ ኣስታት 10 ኪ.ሜ. ርሒቝ ወዲቝ።

ይዅን እምበር ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጕድኣት የለን።

እቲ ኣብቲ ሮኬት ዝነበረ ስነ ፍልጠታዊ መሳርሒ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ስለዝነበረ ግን ካብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ብሄሊኮፕተር ናብ ማእከል ምርምር ኤስራንጅ ከምዝተወስደ እቲ ትካል ምርምር ኤስ.ኤስ.ሲ.ሓቢሩ።

ኣብ ትካል ምርምር ሮኬት ዝሰርሕ ማርኮ ኮበርግ፡ "[ነቲ ጉዳይ ] ብተገዳስነት ኢና ንርእዩ" ኢሉ።

"ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ጠንቂ ክንግምት ስለ ዘይንኽእል፡ ካብዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ መርመራ ተወሳኺ ሓበሬታ ክንረክብ ንጽበ" ከኣ ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ንሰብ መዚ ኖርወይን ሽወደንን ከም ዝሓበሩ እቲ ትካል ኣረጋጊጹ።

ይዅን እምበር፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዶባታ ዝወደቐ ሮኬትን ብዛዕባ'ቲ ካብቲ ውዳቕ ሮኬት ዝተላዕለ ስርዓተ ሓበሬታ፡ ብዝግባእ ከምዘይተሓበሩ ብምግላጽ፡ ኣብ ዶባት ሃገሩ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ምክያድ ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑን ኖርወይ ብዕቱብ ከም እትከታተሎን ሓቢሩ።

"ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ምጥሓስ ዶብ ከጋጥም እንከሎ፡ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰበስልጣን ኖርወይ በቲ ዝግባእ መስመርን ብቕልጡፍን ክሕበር ነይሩዎ" ኢሉ ።

እቲ ቴክሰስ-58 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሮኬት፡ ኣካል ኤጀንሲ ጠፈር ኣውሮጳ ዝመዘዞ ፕሮግራም እዩ።